ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ቁማር ንስድራቤታት የዕንው
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ቅልውላው ስነ ህዝቢ”፣ “ቃልስታት” ኣባይቲ ስድራን መንእሰያትን፣ ማሕበራዊ ተነጽሎ ኣብ ኣረጋውያን፣ “ሰማዒ ዘይብሉ ጽምው ኣውያት” ድኻታት፣ ብከላ ከባቢ፣ ከምኡ’ውን “ማሕበራዊ ግጭታት” ገለ ካብቲ ኣብ መላእ ኢጣልያ ከተማታት ዘጋጥም ዓበይቲ ጸገማት ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዕለት 29 ታሕሳስ ናይ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢጣሊያ ከንቲባታት ዝሓቑፍ ሃገራዊ ማሕበር ምምሕዳራት ከባቢ ኢጣልያ’ ወከልቲ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣጒሊሖም፡ ነዚ ሽግራት ንምምካት ቅድሚ ኩሉ ድምጺ ተነቀፍትን ድኻታትን ምስማዕ የድሊ፡ እንተዘይኮይኑ “ዲሞክራሲ ይበላሾ፣ ስም ጥራይ ኮይኑ ይተርፍ፣ ደጋዊ ስርዓት ይኸውን - ቢሎም - ብፍላይ ነቲ “ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ዘዕንው” መዓት ቁማር ዓብዪ ኣተኩሮ ክግበር ድማ ተማሕጺኖም፡ “ጭብጥታት ብኣሃዝ ዘቕርብ ጸብጻባት ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ኢጣልያ ወልፊ ቁማር ክብ ይብል ምህላዊ የረጋግጽ” እንክብሉ ኣስሚሮም፣ ኣብ ቀረባ እዋን ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርቲያን ትካል ረድኤት ጨንፈር ኢጣሊያ ዘውጽኦ ጸብጻብ ቁማር ንትምህርቲ፣ ንጥዕና ኣእምሮን ኣብታ ሃገር ንዝህሉ ሕብረተሰባዊ እምነትን “ከቢድ ጸገም” ምዃኑ የረጋግጽ እንክብሉ ብምዝኽካር፡ ነዚ ጉዳይ እዚ ጠንቂ ጽምዋ እንክብሉ ብምግላጽ፡ መንግስታዊ ሰበስልጣን “ኣብ መንጎ ዜጋታት ሓቀይና ሰብኣዊ ዝምድናታት” ብምስፋሕ ክቃለስዎ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣባ ፕሪሞ ማዞላሪ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ኢጣሊያዊ ካቶሊካዊ ካህንን ማሕበራዊ ተቓላሳይን ብምጥቃስ፣ ኢጣሊያ “ረስሓት ምእለዪ፣ ኣባይቲ፣ ጽርግያ፣ መስመራት ማይን መገድታትን ጥራይ ዘይኰነስ” “ስምዒት፣ መነባብሮ፣ ንሓድሕድካ እትቀራረበሉ ኣገባብ፣ ከምኡ’ውን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ሓደ ዝእከበሉ መገዲ የድልያ” ዝበሎ ጠቒሶም፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስቲ ስድራ ቤት ዕለት 28 ታሕሳስ ተዘኪሩ ዝውዕል መዓልቲ ንጹሃት ኣቃልቦ ገይሮም፡ ኣብታ ዕለት እቲያ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ንጉስ ሄሮድስ ንህጻን ኢየሱስ ንምቕታል ኣሚቱ ኣብ ዝገበሮ ጃምላዊ ቅትለት ህጻናት ብፍሉይ ከም ዘስተውዓለ እውን ኣመላኺቶም፡ እዚ ህልቂት እዚ፡ “ክብሪ ህይወት ደቂ ሰባት ዕሽሽ ዝብል ብምዃኑ ጽባቐ ፍቕሪ ዘይፈልጥ፡ ኢሰብኣዊ ሓይሊ ዝገልጽ ተግባር እዩ” እንክብሉ ገሊጾም፡ ብኻልእ ሸነኽ ልደት ኢየሱስ፡ “ካብ ኵሉ ሓይልታት ልዕሊ ዅሉ ሓላፍነትን ኣገልግሎትን ዝዀነ ሓቀይና መዳይ እዩ ዚገልጽ” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
