ር.ሊ.ጳ.፡ ካብ ኣረጊት ዓመት ናብ ሓድሽ ዓመት ክንሰጋገር ከለና፡ ኩሉ ንኣምላኽ ኣሕሊፍና ንሃቦ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 31 ታሕሳስ ኣብ ዝለገስዎ ናይ 2025 ናይ ዕልተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ እተን ኣብ 2025 ዝነበርናየን ኣዋርሕ ብተነጻጻሪ ትርጉም ዘለዎ ፍጻመታት ዝልለይ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። “ገሊኦም ሓጐስ ዝፈጥሩ፡ ብምኽንያት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ከም ንግደት ብዙሓት ምእመናን፤ ካልኦት መሪር፡ ከም ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፡ ከምኡ’ውን ነዛ ዓለም ዘንቀጥቅጥ ዘሎ ናይ ውግእ ተርእዮታት” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ ልክዕ በዚ ምኽንያት እዚ፡ ቤተ ክርስቲያን ንኣመንቲ ኩሉ ነገር - ሓጎስን መከራን ብማዕረ - ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከቕርብዎ ትጽውዖም፡ “ኣብ ዝመጽእ መዓልታት፡ ኣባናን ኣብ ከባቢናን፡ ተኣምራት ጸጋኡን ምሕረቱን ከሐድስ” ትምህለል ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ጸሎት “Te Deum - ንዓኻ ኦ ጎይታ”
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ ጥንታዊ ትውፊት ናይቲ ዕለት 31 ታሕሳስ ምሸት ዝዝየም ክቡር “Te Deum - ንዓኻ ኦ ጎይታ” ዘርእስቱ ጸሎት እንከስተንትኑ፡ “ሎሚ ምሸት በቲ ዝረኸብናዮ በረኸት ንጐይታ ከነመስግኖ እንኮለና፡ ትውፊት ክቡር ጸሎት “Te Deum - ንዓኻ ኦ ጎይታ” ቦታኡ ይረክብ።
ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምጥቃስ ቅዱስነቶም ነዚ ናይ ጸሎት ምስጋና ምስቲ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ዝብሎ ብምንጽጻር “ዓለማዊ ምስጋናን ዓለማዊ ተስፋን ርኡይ ክኸውን እንከሎ . . . ኣብ ርእሰ፡ ኣብ ረብሓታቱ ዘተኮረ’ዩ። ኣብቲ ንዓኻ ኦ ጎይታ ሊጡርጊያ . . . ሓደ ሰብ ፍጹም ዝተፈልየ ሃዋህው የስተንፍስ: እዚ ድማ ናይ ውዳሴ፣ ናይ ምግራም፣ ናይ ምስጋና ሃዋሁ እዩ።” እዚ ናይ ምስጋና መንፈስ እዚ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ ይብሉ ኣስዒቦም፡ ሓቅነት ልቢ እውን ይጽውዕ። “በዚ ኣተሓሳስባታት እዚ፡ ጐይታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝገበረልና ነገራት ከነስተንትን” ከምኡ’ውን “ንሕልናና ብቕንዕና ክንምርምር” ንጽዋዕ፡ “ንዅሉ እቲ ንመነቓቕሒታቱ ኣኽቢርና ክንርእዮን ነቲ ንሱ ዝሃበና ክእለት ብዝበለጸ መንገዲ ከነውፍርን ዘይከኣልናሉ እዋን” ይቕሬታ ክንሓትት ኢና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
መዕለቢ ዘለዎ ጉዕዞ
ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዓመተ ኢዮቤል ዘመልክት ካልኣይ ምልክት ኣማእኪሎም፡ ንሱ ድማ ብጉዕዞ ዝምልከት እዩ። “ኣብዚ ዓመት እዚ፡ ማእለያ ዘይብሎም ነጋድያን ካብ መላእ ዓለም፡ ኣብ መቓብር ጴጥሮስ ክጽልዩን ኣብ ክርስቶስ ዝጸንዑ ምዃኖምን ከረጋግጹን መጺኦም እዮም።”
ንግደቶም ነቲ ዝዓሞቐ ሓቂ ህላወ ደቂ ሰባት ዘንጸባርቕ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ “ምሉእ ሕይወትና ናይ መወዳእታ መዕለቢኡ ቦታን ግዜን ዝሰግር ጉዕዞ፡ “ኣብ ርክብ ምስ እግዚኣብሔርን ብሙሉእን ዘለኣለማውን ሕብረት ምስኡ” ዝፍጸም። እዚ ተስፋ እዚ ድምጺ ይረክብ፣ ቤተ ክርስቲያን ኣብ “Te Deum - ንዓኻ ኦ ጎይታ” : “ምስ ቅዱሳን ኣብ ዘለኣለማዊ ክብሪ ዘሕብረና” ኣብ ዝብል ጸሎት ተቕርቦ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅዱስ ኣፍደገ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ሳልሳይ ምልክት ኣብ ዘለኣለማዊ ብርሃን ዝቕልቀል እዩ፡ ብቕዱስ ኣፍደገ ምሕላፍ እዩ። ንሱ ድማ "ብዙሓት ካባና ንገዛእ ርእስናን ንእነፍቅሮም ሰባትን ይቕረ ኺብለሎም ብምሕታት ነዚ ምልክት እዚ ፈጺምና። ነቲ ድርኩኺት ብምስጋር፡ ብጸጋ ዝምራሕ፡ ብወንጌል ናብ ዝተቐረጸ ሓድሽ ሕይወት ክንሰግር ንዝዕድመና ኣምላኽ ‘እንኹልካ እንብለሉ - ቢሎም - ጳውሎስ ሻድሻይ ብምጥቃስ እዚ ሕይወት እዚ “ብፍቕሪ ብጻይ፣ ዝግለጽ ኣብ ቀንዲ ትርጉሙ . . . ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘጠቓልል ዋላ እቶም ብውልቂ ዘይንፈልጦም፣ ዋላ እቶም ሽግርን ተጻባእትን ዝኾኑ፣ ግን ከኣ ኩሉ ግዜ፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ ክብሪ ሓው ዝወሃቦም” እንክብሉ ኣስሚሮምሉ። “እዚ ሕራይ እንብሎ ንህሉው ተወፋይነትን ናብ ዘለኣለም ዝቐንዐን ህይወት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
“ሓጥእ ይሕጐስ”
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነዚ ምልክታት እዚ ብብርሃን በዓል ልደት ከስተንትኑ እንከለዉ፡ ንልደት ከም ኣዋጅ ኵላዊ ሓጐስ ዝረኣየ ቅዱስ ልዮን ዓቢይ ቃል ዘኪሮም፡ “ቅዱስ ዓስቡ ይቐርብ ስለ ዘሎ ይሕጐስ፣ ሓጥእ ይቕረ ስለ ዝተባህለ ይሕጐስ፣ ኣረማዊ ንህይወት ስለ ዝተጸውዐ ይተባባዕ። እዚ ዕድመ ሎሚ ንኹላትና ዝቐርብ እዩ . . . ነቶም እተጠመቑ "ኣምላኽ ኣብ መገዲ ሓቀይና ህይወት ብጻይና ስለ ዝዀነ" ንሓጥኣን፡ "ብጸጋኡ ደው ቢልና ክንጓዓዝ መታን፡ ንድኻታትን ተነቃፊታትን ከኣ፡ ጐይታ "ንድኻምና ናቱ ገይሩ ስለ እተበጀወና፡ ይቕረ ተባሂሉልና ብጸጋኡ ተንሲእና ክንከይድ ንኽእል ኢና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ናይ 1975 ኢዮቤል ዘኪሮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ "ፍቕሪ" ብእትብል ሓንቲ ቓል ኣሕጽር ኣቢሎም ነቲ ኢዮቤል ከም ዝገለጽዎ ኣስተብሂሎም፡ "ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ! ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ኣምላኽ የፍቅረኒ እዩ! ኣምላኽ ተጸበየኒ ኣነ ድማ ረኸብክዎ። ኣምላኽ ምሕረት እዩ! ኣምላኽ ይቕረ ኺብለልና እዩ። ኣምላኽ ምድሓን እዩ! ኣምላኽ እወ ኣምላኽ ህይወት እዩ! እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዘኪሮም፡ "እዚ ሓሳባት እዚ ካብ ኣረጊት ናብ ሓድሽ ዓመት ኣብ ምሕላፍ ድሕሪኡ ኸኣ ወትሩ ኣብ ህይወትና የሰንየና" እንክብሉ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
