ድለ

ር. ሊ. ጳ. ንሰበ-ስልጣን ሃገረ ሊባኖስ፦ “እቶም ገበርቲ ሰላም ብፁዓን እዮም!”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ናብ ሃገረ ሊባኖስ ሓዋርያዊ ኣብ ዘካየዱሉ ዘለዉ፣ ምስ ሲቪላዊ ሰበ-ስልጣን ሃገረ ሊባኖስ ኣብ በይሩት ተራኺቦም፣ ንመንእሰያት እታ ሃገር ድማ "ቋንቋ ተስፋ" ክዛረቡ ተማሕጸንዎም፣ እዚ ተስፋ እዚ ድማ ንሃገረ ሊባኖስ "ወትሩ ከም ብሓድሽ ክትጅምር" ከም ዘኽእላ ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሃገረ ሊባኖስ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዝገብሩሉ ዘለዉ ኣጋጣሚ ንሲቪላዊ ሰበ-ስልጣንን ንተወከልቲ ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ከምኡ ውን ንዲፕሎማስያውያን ኣካላት ኣብ ከተማ ባይሩት ተራኺቦም ናይ መጀመርታ መደረኦም ለገሱሎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መደረኦም "ገበርቲ ሰላም ብፁዓን እዮም" ዘርእስቱ ቐንዲ ፍረ ነገር ናይቲ ጕዕዞኦም ብምጥቃስ ኣብ ዝለገስዎ መደረ፣  ሰላም ኣብ ሊባኖስ ትምኒት ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብቲ እተሓላለኸ ማሕበራዊ ቅርጽን ቀጻሊ ብድሆታትን ናይታ ሃገር እተመስረተ ዕለታዊ ኣድላዪነት ምዃኑ ኣጕልሑ።

ንመራሕቲ እታ ሃገር ድማ ሰላም ኣብ ሃገሮም ሓሳብ ጥራይ ዘይኰነስ መዓልታዊ ክሃንጽዎ ዘለዎ "ሃረርታን ጸዋዕታን" ምዃኑ ኣዘኻኸርዎም።

ተጻዋርነት ሃገረ ሊባኖስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ንህዝቢ ሊባኖስ ብዛዕባ ጽንዓት ብምጕላሕ፣ ጸገማት እናሃለወ ኽነሱ እውን ከይተረፈ "ተስፋ ኣይቈርጹን" ኢዮም ክብሉ መስከሩሎም።

እዚ ተጻዋርነት እዚ ንዳግመ ህንጸትን ንቕድሚት ንምስጓምን መሰረት ከም ምኹኑ ውን ኣምለከቱሎም።  ወሲኹ ድማ ነቶም ንመጻኢ ሊባኖስ ኣብ ምቕራጽ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ኣድላዪ ምዃኑ ውን ገለጹ።

መራሕቲ ምስ ህዝቦም ብፍላይ ከኣ ምስ መንእሰያት ወለዶታት ጥብቕ ርክብ ክህልዎም ጻውዒት ብምቕራብ፣ "ቋንቋ ተስፋ" ክዛረቡ ተማሕጸንዎም፣ እዚ ድማ ሃገረ ሊባኖስ "ወትሩ ከም ብሓድሽ ክትጅምር" ዘኽኣላ ሓይሊ ምዃኑ ወን ኣመልከቱሎም።

ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ሲቪላዊ ሰበስልጣን ሊባኖስ

ዕርቅን ሓቅን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ ቀጻልነት ዘለዎ ሰላም ነቲ ዝሓለፈ በሰላ ንምቅላስ ከም ዘድሊ ውን ኣጕልሑ፣ ዕርቂ ብትዕግስትን ብቕንዕናን ክቕጽል ከም ዘለዎ ውን ኣትሪሮም ተዛረቡ።

"ንምሕዋይ ብዙሕ ዓመታት ዘድሊ እኳ እንተኾነ፣ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ምሉእ ዘመነ ወለዶ ዚወስድ ብሕታውን ሓባራውን ቍስሊ ኣሎ" ክብሉ ውን ኣመልከቱሎም።

ሓቅን ዕርቅን "ብሓባር ኢዮም ዚዓብዩ" ድሕሪ ቡሎም፣ "ብስቓይናን ብኣተሓሳስባናን ተኣሲርና" ከይንነብር ድማ ኣጠንቀቑ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ትካላት ነቲ "ካብ ድምር ረብሓታት ንላዕሊ ዝበልጽ" ኢዩ ክብሉ ዝገለጽዎ ሓባራዊ ረብሓ ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ ክብሉ ውን ተላበውዎም።

ብድሆታት ስደት

ቅዱስ ኣቦ ወሲኾም ብዛዕባ እቲ ንብዙሓት ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንኽመዛበሉ ዝገብሮም ዘሎ ስግኣትን ጸገማትን ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ብዛዕባ እቲ ቐጻሊ ዝኾነ ስደት መንእሰያት ኣትሪሮም ተዛረቡ።

ኣብ ሊባኖስ ዝነብሩ ሰባት ብዙሕ ረብሓታት እኳ እንተሃለዎም "ቤተ-ክርስትያን ወላ ሓደ ሰብ እኳ ካብ ሃገሩ ተገዲዱ ክወጽእ ኣይትደልን እያ" ብምባል ውን ኣጕልሑ።

መንእሰያት ኣብ መረበቶም ኪጸንሑን ወጺኦም ድማ ኪሃንጹን ዜኽእሎም ኵነታት ከም ዜድሊ ውን ገለጹ፣ ሃገረ ሊባኖስ ድማ ካብ "ምክፍፋል" ከምኡውን "ኣነነታዊ ስምዒትን" ክትርሕቕ ጻውዒት ኣቕረቡ።

ነታ “ኣኃው ኩልና” ዝርእስታ ሰነድ ብምጥቃስ ንመራሕቲ ናይቲ ከባቢ፣ መንነትን ዓለምለኻዊ ግሉጽነትን ብሓባር ምሓዝ ኣድላዪ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ እዚኣቶም "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብ ክልተ ዘይፈላለዩን ማዕረ ኣገደስቲ ዋልታታት" ምዃኖም ውን ገለጹ።

ደቀንስትዮን መንእሰያትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መደረኦም ብምቕጻል፣ ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ ዘለወን ኣበርክቶ ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዘሎ ማእሰር ንምድጋፍ ኣብ ዘለወን ክእለት እተመስረተ "ሰላም ናይ ምፍጣር ፍሉይ ክእለት" ከም ዘለወን ውን ገለጹ። ተሳትፎአን "ሓቀይና ተሓስዶ ክህልዎ ኣገዳሲ ረቛሒ" ምዃኑ ውን ገለጹ።

ወሲኾም ድማ እቶም ኣብ ሃገሮም ሊባኖስ ዝጸንሑ ወይ ውን ናብ ሊባኖስ ዝተመልሱ መንእሰያት እታ ሃገር፣ "እንደገና ህይወት ዝመልአት ሃገር" ንኽትከውን ወሳኒ ኣበርክቶ ይገብሩ ኣለዉ ክብሉ ውን መስከሩ።

ሓባራዊ ሓላፍነት ንሰላም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ መደረኦም፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ሰላም ካብ መራሕትን ትካላትን ንጡፍ ቈራጽነት ከም ዝሓትት ኣዘኻኺሮም።

ኣብ መንጎ ዘይምስምማዕ እውን ከይተረፈ ዝርርብ "ናብ ዕርቂ ዝመርሕ መገዲ ኢዩ" ክብሉ ብምምስካር መደረኦም ዛዘሙ።

ርክብ ቅዱስ አቦና ምስ መራሕቲ መንግስትን ሲቪላውያን ኣካላትን ኣብ ሊባኖስ
02 Dec 2025, 11:47