ር.ሊ.ጳ.፡ ክርስትያናዊ ስነ-ጥንታዊ ጸዋዕታን መልክዕን ፍቕሪ ቤተ ክርስቲያንን ሰብኣውነትን እዩ ር.ሊ.ጳ.፡ ክርስትያናዊ ስነ-ጥንታዊ ጸዋዕታን መልክዕን ፍቕሪ ቤተ ክርስቲያንን ሰብኣውነትን እዩ 

ር.ሊ.ጳ.፡ ክርስትያናዊ ስነ-ጥንታዊ ጸዋዕታን መልክዕን ፍቕሪ ቤተ ክርስቲያንን ሰብኣውነትን እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መበል ሚእቲ ዓመት ዝኽሪ ምምስራት ጳጳሳዊ ተቕዋም ክርስትያናዊ ስነ ጥንቲ ንምዝካር ኣብ ዝለገስዎ ሓድሽ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፡ እዚ ስነ ትምህርታዊ ተቕዋም እዚ እግዚኣብሔር ትስብእቲ ምዃኑ ዝምስክር እዩ እንክብሉ ብምምልክት ኣገዳስነት ስነ-ጥንቲ የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኳዕቲ: ነቲ ዑናታት ብኣካል ምሕላው: ንህያውነት ዳግማይ ምርካብ - ስራሕ ናይቶም ክርስትያን ተመራማርቲ ስነ-ጥንቲ ንዋታዊ ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ናብቲ ናይ ብሓቂ ሰብኣውነት ይዝርጋሕ”: እተን ነቲ ዝረኸብዎ ቅርስታት ዝፈጠራ ኣእዳው: “እቶም ዝጸነስዎ ኣእምሮታት: ከምኡውን ነቶም ዘፍቀርዎም ልብታት” ዘጠቓልል እዩ። ነዚ ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምኽንያት መበል ሚእቲ ዓመት ጳጳሳዊ ተቕዋም ክርስትያናዊ ስነ ጥንቲ ሓሙስ  ዕለት 11 ታሕሳስ 2025 ዓ.ም.ም ወግዓዊ ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ እዩ።

ምስጢር ርኡይ ምግባር

ነገርን ምስጢርን ኣብ ክርስትያናዊ ስነ-ጥንቲ ክልተ ዝራኸቡ ፈትሊ እያቶም፡ ምኽንያቱ “ክርስትና ካብ ሓሳብ ዘይኮነስ ብስጋ . . .  ብማህጸን፡ ብስጋን ብመቓብርን እዩ ተወሊዱ። እዚ  ሓቀይና ሕመረት እምነት ታሪኻዊ ኮይኑ፡ ኣብ ፍሉይ ፍጻመታት፡ ውጅህታት፡ ተግባርን ብፍሉይ ቋንቋን ዘመንን ከባቢን ዝዝረብ ልሳናትን ዝተመስረተ እዩ። እዚ እዩ ስነ-ጥንቲ ዝቐልዖን ዝጭበጥን ዝገብሮ። ኣምላኽ ብቛንቋ ሰብ ክዛረብ፡ ኣብ ምድሪ ወሪዱን ኣብ ቦታታትን ኣባይትን ኣብ ምኩራባትን ኣብ ጎደናታትን ክነብር ከም ዝመረጸ” ይዝክር።

ነዚ እዩ ድማ፡ “ኣብዚ ብሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብዳህሳስ ማእለያ ዘይብለን ከዋክብት ዝልለይ ዘመን፡ ክርስትያናዊ ስነ-ጥንቲ ሕጂ’ውን ንሕብረተሰብን ንቤተ ክርስቲያንን ፍረ ዘለዎ ዓውዲ መጽናዕቲ ክኸውን ዝኽእል።  “ክርስትያናዊ ቲዮሎጊያ ነቲ ኣብ ቀዳሞት ዘመናት ዝነበረ እምነት ዝምስክር ቦታታትን ንዋታዊ መርትዖን ከይተረድአ ምሉእ ብምሉእ ክርድኦ ኣይከኣልን” እንክብሉ የስተብህሉ።

'ብእምነት ዘይተተንከፈ ነገር ቁምነገር የብሉን'

በዚ ኸምዚ ስነ-ጥንትን ቲዮሎጊያን ኣብ ዕዮ እቲ ክርስትያን ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ ተጣሚሮም ስለዘለዉ፡ “ስጋዊ ኣሰር እምነት” ብጥንቃቐ ንምሕላው ብዝነበሮ ብርቱዕ ተሃዋስነት ይድግፎ። “ኣእማንን ዑናታትን ካልእ ቅርስታትን ብምምርማር ብእምነት ዘይተተንከፈ ነገር ቁምነገር ከምዘይብሉ ይምህረና። ስነ-ጥንቲ . . . ዋላ’ውን እቲ ዝነኣሰ መርትዖ ኣቓልቦ ከም ዝግብኦ፡ ነፍሲ ወከፍ ዝርዝር ዋጋ ከም ዘለዎን ዝኾነ ነገር ዕሽሽ ክበሃል ከምዘይክእልን ይምህረና።” ስነ-ጥንቲ እምበኣር፡ “ንነገራትን ዝኽርን ታሪኽን” ከነኽብር ዝምህረና “ቤት ትምህርቲ ባህላዊ ዘላቕነትን መንፈሳዊ ስነ-ምህዳርን” ጌርና ክንርእይ ይግባእ።

ንጐድኒ ዝሕደግ ነገር የለን፤ ኣብ ክንድኡስ ፡ ሓወልትታት ታሪኽ፡ ዋላ እቶም ዝነኣሱ ነገራት፡ ይዕቀቡን ይትንተኑን፡ ምኽንያቱ ብድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ርኽበት “መንፈስ ሓደ ዘመን፡ ትርጉም እምነትን ስቕታ ጸሎትን” ይርከብ።  “ኣጠማምታ” ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ “ሎሚ ብዛዕባ ጉስነትን ትምህርተ ክርስቶስን ብዙሕ ክምህረና ዝኽእል ኣጠማምታ እዩ” እንክብሉ ቅዱሰንቶም ኣብ ሓዋርያዊ መልእኽቶም የስተብህሉ።

ስነ-ጥንትን ቲዮሎጊያን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፡ “ብተመሳሳሊ እዋን፡ ዘመናዊ መሳርሒታት እደ ጥበብ፡ ካብቲ ኣብ ሓደ እዋን ንእሽቶ ተገይሩ ዚቝጸር ርኽበታት ሓድሽ ሓበሬታ ክንእክብ ከብቅዓና ይኽእል እዩ።” በዚ መንጽር እዚ፡ “ስነ-ጥንቲ እውን ቤት ትምህርቲ ተስፋ እዩ - ቢሎም - ናይ ፍራንቸስኮስVeritatis gaudium - ናይ ሓቂ ሓሴት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ቅዋም ብምዝካር፡ “ስነ-ጥንቲ ምስ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ስነ ኣበው ቤተ ክርስትያንን ኣብ መንጎ መሰረታዊ ቲዮሎጊያ ቅርጻታት ክቑጸር ኣለዎ” ይብሉ።

ስነ-ጥንቲ፡ ብሓቂ ብዛዕባ ሕሉፍ ነገራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ሰባት ዝዛረብ ኮይኑ፡ “ራእይ ዮሃንስ ኣብ ታሪኽ ከመይ ጌሩ ስጋ ከም ዝለበሰ፡ ወንጌል ኣብ ውሽጢ ባህልታት ብኸመይ ክግለጽን ክቐርጽን ከም ዝመጸ” ክንርዳእ ይሕግዘና። ስነ-ጥንቲ ዝሓቁፍ ቲዮሎጊያ እምበኣር “ቲዮሎጊያ ንኣካል ቤተ ክርስቲያን ይሰምዕ፣ ቁስላ ይግምግም፣ ትልክታታ የንብብ ብታሪኻ ድማ ይትንከፍ።” ማዕረ ማዕሪኡውን “ንሱቕታ ታሪኽ ድምጺ ስለ ዝህብ፡ ንዝተረሰዑ ክብሪ ብምምላስን ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ምህናጽ ኣበርክቶ ዝገበሩ ብዙሓት ምእመናን ስሞም ዘይተገልጸ ቅድስናኦም ናብ ብርሃን ዘውጽእን’ውን እዩ።”

ወንጌላዊ ተልእኾ

“ተልእኾ ክርስትያናዊ ስነ-ጥንቲ” እውን ወንጌል ንምስባኽ፣ “ቤተ ክርስቲያን መበገሲኣ ክትዝክር፣ ዝኽሪ መበገሲኣ ክትዕቅብን ታሪኽ ድሕነት ብቓላት ጥራይ ዘይኮነ፣ ብስእልን ቅርጽን ቦታታትን እውን ክትነግርን ምሕጋዝ እዩ። ባህሊ መብዛሕትኡ ግዜ ሱሩ ኣብ ዝስእነሉ ዘመን፡ ስነ-ጥንቲ ኣብ ታሪኻዊ ሓቂ ዝሃንጽ ስብከት ወንጌል ክቡር መጋበርያ ኮይኑ ብዝተሓደሰ መንፈስ ክርስትያናዊ ተስፋ የነቓቕሕ።”

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ወንጌል ብኸመይ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ምርኣይ፡ ነቶም ምእመናን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም “ትርጉም ህይወት ኣብ ሕቶ ዘእትዉ” ዘይኣመንቲ፡ ከምኡ’ውን ነቶም “መብዛሕትኡ ግዜ ሓቅነትን ትርጉምን ዝደልዩ” መንእሰያት ብምዝራብ፡ ሎሚ ንኽንዝርግሖ ድርኺት ይህብ።

ስነ-ጥንቲ “ንዘተ ሓያል መጋበርያ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ ኣብ መንጎ ርሑቕ ዓለማት፡ ባህልታትን ወለዶታትን ድልድል ንምህናጽ ዝሕግዝ እዩ። እምነት ክርስትና ኣብ ሓደ ዘይንቀሳቐስ ክውንነት ኮይኑ ከም ዘይፈልጥ፡ ግን ከኣ ቀላሲ ሓይሊ ምዃኑ፡ ኣብ ዝዓሞቐ ንጣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ክሰግር ዝኽእል ምዃኑ ክምስክር ይኽእል እዩ።”

ህያውን ዝተዓረቐን ዝኽሪ

ሓደ ኻብቲ ጥንካረታት ስነ-ጥንቲ፡ "ካብ ግዜ ዚበልጽን ካብ ነገር ዚበልጽን ሓይሊ ህላወ" ናይ ምርኣይ ክእለቱ እዩ። እዚ እውን ምስ ቲዮሎጊያ ራእይ ዮሃንስ ዘለዎ ፍሉይ ተዛማድነት ምኽንያት እዩ። ክርስትያናዊ ስነ-ጥንቲ "ነቶም ጽሑፋት ብነገራዊ መርትዖ የብርሆ . . . ንዝተጻሕፉ ምንጭታት ይምርምር፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ሓቅነት ትውፊታት የረጋግጽ። ካልእ ግዜ ድማ፡ ኣብቲ ግቡእ ዓውደ-ጽሑፎም የቐምጦም፡ ወይ'ውን ሓደስቲ ሕቶታት የልዕል።" ስለዚ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ “ቲዮሎጊያ ንራእይ ዮሃንስ እሙን ኪኸውን እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ዝተሓላለኸ ታሪኽ ክፉት ኪኸውን ኣለዎ፡” ምስቲ ብድሆታቱን ግርጭታቱን፡ “ናይ ጸልማት ከምኡውን ናይ ግርማ ህሞታት።”

“ብዛዕባ ምስጢር ቤተ ክርስቲያን ዝዓሞቐ ምርዳእ ምስ ምምላስ ናብ መበቆላ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ዝኸይድ . . . ቤተ ክርስቲያን ብኸመይ ከም ዝተወልደትን ብዕምቆት ዝገልጻን ብምጽናዕ ትነቅሕን ትሕድስን” ይብሉ። እዚ “ንሕይወት ቤተ ክርስቲያን ናብ ናይ ቀደም ኣምልኾ ምውራድ” ዘጠቓልል ዘይኮነስ ኣብ ክንድኡ "ህያው ተዘክሮ . . . ሕሉፍ ምስ ህሉው ግዜ ኸም ዚዛረብ ናይ ምግባር ክእለት ከምኡውን መንፈስ ቅዱስ ንታሪኽ ኣብ ምምራሕ ዘለዎ ግደ ኣፍልጦ ናይ ምሃብ ጥበብን እዩ። እዚ ናይ ምፍጣር ተኣማንነት ደኣ እምበር ደመ ነፍሳዊ ተግባር ምድጋም ኣይኰነን።"

በዚ ኸምዚ ክርስትያናዊ ስነ-ጥንቲ “ናይ ሓባር ቋንቋን ናይ ሓባር መሰረትን ዝተዓረቐ ዝኽርን” ከቕርበልና ከም ዝኽእልን “ኣብ ውሽጢ ብዙሕነት ዘሎ ሓድነት” ከነለሊ ይሕግዘና ይብሉ።

ልሂቃዊ ፍልጠት ኣይኮነን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ፒዮስ መበል 11 ኣብ 1925 ኣብ እዋን ዓመተ ኢዮቤል ሰላም ጳጳሳዊ ተቕዋም ክርስትያናዊ ስነ-ጥንቲ ከም ዝመስረቱ ክሕብሩ እንከለዉ፡ መበል ሚእቲ ዓመት ዝኽሪ ቅዋሜኡ ድማ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ከም ዝወደቐ ይሕብሩ - እዚ ድማ ብብዙሕ ውግኣት ዝተናወጸ ሰብኣውነት ሓድሽ ኣድማስ ከቕርብ ዝኽእል ኣጋጣሚ እዩ።

እቲ ተቕዋም፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ድሕሪ ኲናት ዝነበረ ዘይርጉጽ ኩነታት፡ “ብትብዓትን ኣርሒቕካ ምርኣይን” እዩ ተመስሪቱ፤ ንመንፈስ መሰረቱ እሙን ምዃን ማለት “ንርእስኻ ኣብ ልሂቃዊ ፍልጠት ምሕጻር” ዘይኮነስ “ንኻልኦት ምክፋልን ምዝራብን ምትእስሳርን” ማለት ምዃኑ ንምርዳእ ሎሚ ዝብድሃና ምልክት ይኸውን እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት የነጽሩ።

በዚ መዳይ ምስ ካልኦት ኣብ ስነ-ጥንቲ ዝነጥፉ ትካላት ከም በዓል ጳጳሳዊ ሮማዊ ስነ ትምህርቲ ስነ-ጥንቲ፡ ጳጳሳዊ ሽማግለ ቅዱስ ስነ-ጥንቲ፡ ጳጳሳዊ ስነ ትምህርቲ Cultorum Martyrum - ኣምልኾ ሰማእታት፡ ከምኡ’ውን ጳጳሳዊ ተቕዋም ክርስቲያናዊ ስነ-ጥንቲ ክሓብር መሰረታዊ ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ይገልጹ።

 “ስነ ጥንቲ ምስ ምብራቓዊ ክርስትና ፍረ ንዘለዎ ምትሕብባር እውን ዕድላት ክህብ ይኽእል እዩ። ሓባራዊ ክርስቲያን ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ብሕቡእ እምነቶም ዝገልጽሉ ትሕቲ መሬት ዝርከቡ ናይ ክርስትና ቦታታት ኣብያተ-ክርስትያናትን ከምኡ እውን ተመሳሳሊ ናይ ቅዳሴ ስርዓታትን ሰማእትታትን ብሓባር ዋጋ ኺወሃቦም ዘለዎ መንፈሳውን ባህላውን ውርሻ እዩ" ይብሉ።

ናይ ተስፋ ኣገልግሎት

ቤተ ክርስቲያን "ንሰባት ኣብ ተዘክሮ ንምምሃር እተጸውዐት እያ፣ ክርስትያናዊ ስነ-ጥንቲ ድማ ሓደ ካብቲ ነዚ ንምግባር ኣዝዩ ኽቡር መጋበርያታት እዩ - ኣብ ዝሓለፈ ንምዕቋብ ዘይኰነስ ብፍላጥ ኣብ ህሉው እዋን ንምንባርን ንነባሪ መጻኢ ንምዕያይን እዩ።"

በዚ መንጽር እዚ፡ ክርስትያናዊ ስነ-ጥንቲ “ናይ ተስፋ ኣገልግሎት’ውን እዩ”፣ ምኽንያቱ “እታ እምነት ድሮ ካብ ጽንኩር እዋን ሓሊፋ ስደትን ቅልውላዋትን ለውጥታትን ከም ዝተቓወመት . . . ከም ዝተሓደሰትን ከም ዝጸገየትን . . . ወንጌል ወትሩ ናይ ወለዶ ሓይሊ ከም ዝነበራ፣ ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ከም ብሓድሽ ከም እትውለድ፣ እቲ ተስፋ ድማ ፈጺሙ ኸም ዘይጠፍአ ይገልጽ።"

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንጳጳሳትን መራሕቲ ባህልን ትምህርትን፣ መንእሰያትን ዓለማውያን ሰባትን ካህናትን ስነ ጥንቲ ንኸጽንዑ ከተባብዑ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ነቶም ኣብ ተመክሮ ክርስትያናዊ ስነ-ጥንቲ ዝተዋፈሩ ድማ “ስራሕኩም ዘይተኣደነ ዋጋ ኣለዎ” እንክብሉ ሞሳኦም ገሊጾም፡ “ክርስትያናዊ ስነ-ጥንቲ ኣገልግሎት፡ ጸዋዕታን መልክዕን ፍቕሪ ቤተ ክርስቲያንን ንሰብኣውነትን እዩ - ቢሎም - ነቶም ነዚ ኣገልግሎት እዚ ዝፍጽሙ “ነቲ ሓቀይናን ዓሚቝን ዕላማ ተወፋይነትኩም እሙናት ክትኮኑ ይዕድም: ኣምላኽ ስጋዌ ከም ዝዀነ፡ ድሕነት ኣሰር ከም ዝገደፈ፡  እዚ ምስጢር እዚ ድማ ታሪኻዊ ትረኻ ከም ዝዀነ ብምምስካር: ቓል ሕይወት ብግልጺ ንምቕራብ ምጽዓር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 Dec 2025, 17:23