ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ በዓል ልደት ን24 ሰዓታት ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ክህሉ ይሓቱ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ንኹሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባት: እንተወሓደ ኣብ በዓል ልደት መድሓኒናን ጎይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፡ ሓንቲ መዓልቲ ሰላም ክትክበር" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ዕለት 23 ታሕሳስ ካብ ካስተል ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ህንጻ ኣፈት ንዝተረኽቡ ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ደጊሞም ዘቕረብዎ ጻውዒት እዩ።
ኣብ መላእ ዓለም ናይ ሰላም መዓልቲ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከምቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሉስ ኣብ ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ሕንጻ ኣፈት ካብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዝመጹ ጉጅለ ጋዜጠይናታት ዘካይድዎ ቃለ መሕትት መሰረት ዕለት 23 ታሕሳስ ብዛዕባ ማእከላይ ምብራቕን ዩክሬንን ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ከም ዝሃቡን፡ ቅዱስነቶም ብዛዕባ እታ ኣብ ዝሓለፈ ሰዓታት ጀሚሩ ኣብ ሓያሎ ዞባታት ሰፊሕ ወራራት ሩስያ ዘጋጠማ ዘሎ ዩክሬን ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ፡ “ብሓቂ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ኻብቲ ኣዝዩ ዘሕዝነኒ ነገራት ሓደ፡ ሩስያ ነቲ ናይ ልደት ዕርቂ ሕቶ ምንጻጋ እዩ፡” ስለዚ ኣብ በዓል ልደት ውግእ ደው ክብል ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣሐዲሶም፡ “24 ሰዓታት ኣብ መላእ ዓለም ቶኽሲ ደው ክብልን መዓልቲ ሰላም” ክኸውን ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምምዕ ሰላም ማእከላይ ምብራቕ ንቕድሚት ይስጉም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝምልከ ሕቶ እውን እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ተዂሲ ደው ምባል ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ዘንበሮም ነጥብታት ዘማእከለ ዘተ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ላቲናዊ ፓትርያርክ ዘበኢየሩሳሌም ናብ ቓዛ ዘካየድዎ “ምብጻሕ” ዘኪሮም፡ እዚ ምብጻሕ እዚ እውን ኣገዳስነቱ ብምምልካት፡ “ ቅድሚ ሓደ ሰዓት ምስ ቆሞስ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስድራ ቤት ኣብ ቓዛ ኣባ ገብርኤል ሮማነሊ ብስልኪ ከም እተራኸቡ እውን ሓቢሮም፡ ወሲኾም “እቲ በዓል ኣብ ማእከል እዚ ኣዝዩ ዘይተረጋገጸ ኩነታት ከብዕልዎ ይጽዕሩ ኣለዉ” ስምምዕ ሰላም ንቕድሚት ክስጉም ተስፋ ንግበር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ኢሊኖይ ብሰንኪ ሕጊ ብሓገዝ ነብሰ ቅትለት ተስፋ ምቑራጽ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቓልቦኦም ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብምቕናዕ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብታ ዝነብሩሉ ዝነበረ ግዝኣት ኢሊኖይ ካብ መስከረም 2026 ጀሚሩ መድሃኒት ገና ዘይተረክቦ ንሞት ዘቃልዕ ሕማማት ዘለዎምን ንሽዱሽተ ወርሒ ወይ ትሕቲኡ ጥራሕ ብህይወት ክጸንሑ ይኽእሉም ዝበሃሉ ዓበይቲ ሰባት ብሓገዝ ነብሰ ቅትለት ካብዚ ዓለም ብሞት ክፍለዩ ዝፈቅድ ሕጊ ምጽዳቑ ርእይቶኦም እንክህቡ፡ . . . "ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ ንቅድስና ህይወት ከነኽብር ከም ዘሎና ንጹር እዩ። እቲ ዜሕዝን ግና . . . ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ኢሊኖይ ጀይ ፕሪትዝከር፡ ነዚ ክብሪ ህይወት ምኽባር ዝብል ነጥቢ “ኣነጺሮም ከም ዘቃልሕዎን "ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ሕጊ ንድፊ ድሮ ከም ዝከረ ነገር ተታሒዙ ከም ዝነበረ እዝክር፡ እቲ ዜሕዝን ግና ... ነዚ ሕጊ እዚ ከቲሙ ክትግበር ምውሳኑ ኣዚዩ እጒሂ - ምስ በሉ - ኣስዕብ ኣቢሎም ንዅላቶም ብፍላይ ኣብዚ እዋን በዓል ልደት እዚ "ብዛዕባ ተፈጥሮ ህይወት ደቅሰብን ብዛዕባ ዋጋ ህይወት ወድሰብን ኪሓስቡ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ኣምላኽ ብሓቂ ሰብ ኮይንካ ምንባር እንታይ ማለት ምዃኑ ምእንቲ ኼርእየና ከማና ሰብ ኰነ፡ ንህይወት ዘሎና ኣኽብሮት ኣብ ኵሉ ህሞት ካብ ምጽናስ ክሳዕ ባህርያዊ ሞት ከም ብሓድሽ ክሰፍሕ ይኽእል እዩ" እክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
