ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ስንብታ ካብ በይሩት፡ 'ንሰላም ከም መንገዲ እምበር ከም ሸቶ ጥራይ ገይርና ኣይንምረጻ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቤሩት ናብ ሮማ ቅድሚ ምቃሎም ኣብ ቱርክን ሊባኖስን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ብምዝዛም፥ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዘተን ሕውነትን ዕርቅን ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ “ኣብዚ እዋን’ዚ ንሓድሕዶም ከም ጸላእቲ ዝረኣኣዩ መንፈስ ሕውነትን ተወፋይነት ሰላምን ክሓቑፉ ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 2 ታሕሳስ ኣብ ቤሩት ራፊቕ ሓሪሪ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝተገበረሎም ወግዓዊ “ስነ-ስርዓት ስንብታ” ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ንመላእ ዞባና ናይ ሕውነትን ሰላምን ራእይ ብምጉላሕ፡ እቲ ካብ ዕለት 27 ሕዳር ክሳዕ ዕለት 2 ታሓሳስ ኣብ ቱርክን ሊባኖስን ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ይዛዝሙ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምንቃሎም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ “እቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ከም ጸላእቲ ዝረኣኣዩ ሓዊሱ ንመላእ ማእከላይ ምብራቕ ኣብዚ ናይ ሕውነትን ተወፋይነትን ንሰላም መንፈስ ከነሳትፍ ተስፋ እገብር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ሊባኖስ ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ንድሕሪት ምልስ ቢሎም፥ ሃብታም መንፈሳዊ ውርሻ እታ ሃገርን ጽንዓት ህዝባን ኣጉሊሖም፡ ነቲ ክርስትያንን ኣስላምን ዝካፈልዎ ዓሚቝ ኣኽብሮት ንቅድስት ድንግል ማርያም ከም ዘወከፉን ብፍሉይ ኣብ መቓብር ቅዱስ ሻርቤል ዝገበርዎ ምብጻሕ ዘኪሮም፡ ታሪኽ ሊባኖስ ንጉዕዞ ሰላማዊ መጻኢ ብርታዐ ዝህብ ምዃኑ ኣመልኪቶም። ንሃገረ ሊባኖስ ዘጋጥማ ዘሎ ቀጻሊ ብድሆታት ዓቢ ግምት ከም ዝሃቡን ምስ ግዳያት ፍንጀራ ወደብ ቤሩት ዘለዎም ቅርበት እውን ብምርግጋጽ፡ “ቃንዛ፡ ከምኡ’ውን ጽምኢ ሓቅን ፍትሕን፡ ናይ ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ፡ ናይ ሓንቲ ሃገር ብምልእታ ምሳይ ተሰኪመዮ ኣሎኹ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ንሰላም ከም መገዲ እምበር ከም ሸቶ ጥራይ ኣይንምረጽ

ከምኡ’ውን ንኹለን ዞባታት ሊባኖስ፡ እንኮላይ ነተን ክበጽሕወን ዘይከኣሉ “ትሪፖሊን ሰሜንን፡ ቤቃን ደቡብን እታ ሃገር፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ግጭትን ዘይርጉጽነትን ኩነታት ዘጋጥሞ ዘሎ ዞባታት” ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ "ዕጥቃዊ ቃልሲ ዋላ ሓንቲ ረብሓ ከምዘየምጽእ ክንፈልጥ ኣሎና። ኣጽዋር ቀታሊ ክኸውን ከሎ፡ ዘተ፡ ሽምግልናን ምይይጥን ግን ሃናጺ'ዩ። ኩላትና ሰላም ከም ሸቶ ጥራይ ዘይኮነስ ከም መገዲ ንምረጽ!" እንክብሉ፡ ተጻብኦታት ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “ሊባኖስ ካብ ሃገር ንላዕሊ እያ፤ መልእኽቲ እያ!” ዝብልዎ ጠቒሶም “እዚ ክውን ክኸውን፡ ብሓባር ክንሰርሕን ብሓባር ተስፋ ክንገብርን ንመሃር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 Dec 2025, 14:30