ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ኣገልግሎት ክህነት ኣብ ዝጸሓፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዝያዳ ጉባእያውነት ይላበዉ ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ኣገልግሎት ክህነት ኣብ ዝጸሓፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዝያዳ ጉባእያውነት ይላበዉ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ኣገልግሎት ክህነት ኣብ ዝጸሓፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዝያዳ ጉባእያውነት ይላበዉ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዛዕባ ሕንጸትን ሕይወትን ኣገልግሎትን ክህነት ዝምልከት ኣዋጅ ጉባኤ ቫቲካን ዝኽሪ መበል ስሳ ዓመት ምኽንያት ብዛዕባ ኣገልግሎትን ግደ ካህናትን ብዕምቆት ንምርዳእ ዝዓለመ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣቕሪቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ተኣማንነት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብትሕትና ብምግልጋል ምስ ኣምላኽን ህዝቡን ብቐጻሊ ኣብ ዝግበር ዘተ ኣብ መንጎ ካህናትን ምስ መላእ ቤተ-ክርስትያንን ዘሎ ሕውነት ኣብ ዝዀነ ይኹን ናይ ገዛእ ርእስኻ ውዳሰ ፈተና ዝብድህ ልኡካውነትን ሲኖዶውን መንፈስ ዝብል ገለ ካብቲ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ህይወት ክህነት ክድልድል ዝደልይዎ ቀዳምነት ዝወሃቦም ነገራት ዘመልከትሉ፡ ኣብ በዓል ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ዝኸተምዎ A FIDELITY THAT GENERATES THE FUTURE - መጻኢ ዘመንጩ ተኣማንነት ብዝብል ዝለገስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዕለት 22 ታሕሳስ ወግዓዊ ከም ዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ፡ ነዚ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ክህነታዊ መዕበያ ብዝብል ኣርእስቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘውጸኦ ውሳኔ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፡ “እቲ ውሳኔ ኣብ ቲዮሎጊያዊ ኣስተንትኖ ብዛዕባ እንታይነትን ተልእኾን ጓሳዊ ኣገልግሎትን ንዕኡ ምድላውን ኣብ ዝምልከቱ ምዕራፍ ዝቖሙ” ከምኡ’ውን “ዓቢ ሓድሽነትን ተዛማድነቶምን” ዝዕቅብ ምዃኑ የስተብህሉ።

“ስለዚ ነዚ ዝኽሪ [ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ውሳኔ ብዛዕባ ክህነታዊ መዕበያ ዕላማ]፡ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ዝሃቦ ስልጣን ብምሕቋፍ ህያው ክንገብሮ ይግባእ። እዚ ድማ መዓልታዊ ኣገልግሎት ክህነት ዳግማይ ምሕያል ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ካብቲ ኣብ መንጎ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ምትእስሳር ዝኾነ ሱሩ ጽኑዕ ሓይሊ ምርካብ የጠቓልል።”

ዓመጽን ምጥንጣን ክህነታዊ ጸዋዕታን ንምምካት ዝዓለመ ክህነታዊ ህንጸት

ብመሰረት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ካብቲ ፈለማ ነዚ ጓሳዊ ጸዋዕታ ድሌት ዘደልደሎ ድምጺ መንፈስ ቅዱስ ምስትውዓል፣ እዚ ድማ ወትሩ “ካብ ኣምላኽ ብነጻን ብዘይ ዋጋን ዝተዋህበ ህያብ” እዩ። ቤተ ክርስቲያን ንቐጻሊ ሕንጸት ካህናት ዝምልከት ተበግሶታት ከተፍሕ ይዕድም፡ ከም ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ካብ ኣስታት 80 ሃገራት ልዕሊ 800 ተሳተፍቲ ዘራኸበ መድርኽ።

ኣባይቲ ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት “ንሓደ ተመሃራይ ዘርኣ ክህነት ንገዛእ ልቡ ጽን ክብል ንምሕጋዝ” መሰልጠኒ ክኸውን ዝተዳለወ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ “ብሰብኣዊ መዳይ ብሱላትን ብመንፈስ ጽኑዓትን ዝኾኑ ካህናትን ቅዱሳንን ጥራሕ እዮም ናይ ንጽሕና ማሕላ ፈጺሞም ብተኣማንነት ወንጌል ትንሳኤ ክእውጁ ዝኽእሉ።”

ብፍላይ ቅዱስነቶ ነቲ ንቤተ ክርስቲያን ዘሳቕያ ዘሎ ቅሉዕ ቁስሊ ሸለል ከይበሉ፥ ኣብቲ ሓርያዊ መልእኽቲ ፍቕዲ 10. ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ብኣባላት ውሉደ ክህነት ብዝተፈጸመ ግህሰት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ምትእምማን ቅልውላው ሕፍረት ፈጢሩልና ናብ ትሕትና ጸዊዑና እዩ። ብሕታዊ ዕቤትን ብስለትን ሕጹያት ክህነት ከምኡውን ሃብታምን ድልዱልን መንፈሳዊ ህይወት ዘረጋግጽ ሰፊሕ ኣሰራርሓ ህጹጽ ኣድላዪ ምዃኑ ብዝያዳ ንኽንግንዘብ ሓጊዙና እዩ። 11. ጉዳይ ሕንጸት እውን ነቶም ድሕሪ ሒደት ዓመታት ወይ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ኣገልግሎት ክህነት ወጻኢ ዝኾኑ ተርእዮ ንምፍታሕ ማእከላይ እዩ። እዚ መሪር ክውንነት ብሕጋዊ ኣገላልጻ ጥራይ ክትርጎም ዝግበኦ ዘይኮነስ፡ ታሪኽ ናይዞም ኣሕዋትን ናብ ከምዚ ዓይነት ውሳነ ዘብጽሖም ብዙሕ ምኽንያታትን ብጥንቃቐን ብርህራሄን ክንርእዮ ይጠልብ። እቲ ግቡእ ምላሽ፡ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን፡ ዝተሓደሰ ተወፋይነት ምቛም ኮይኑ፡ ዕላምኡ ድማ “ጉዕዞ ዕብየት ኣብ ቅርበት ምስ ጐይታ እዩ።” እንክብሉ የተሓሳስቡ።

'ብገዛእ ርእሱ ዝቐውም ጓሳ የሎን!’ ባዕሉ ዝህሉ የለን!'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ እቲ ናይ ክህነት ጸዋዕታ ኩሉ ግዜ ዝምድናዊ ስለ ዝኾነ ርእሰ - ውከሳ: ክውገድ ዘለዎ ፈተና ምዃኑ ብምምልካት፡ “ዝኾነ ጓሳ ብገዛእ ርእሱ ህልው ኣይኮውንን!” ጸዋዕታ እዩ! . . .

ንሓድሕድና ክንተሓላለየሉ ደኣ እምበር ውልቃውነት ዝመልአ መገዲ ኣይኰነን። እዚ ተግባር እዚ ወትሩ ነቲ ተነቃፊ ሰብነትና ሓቚፉ ካብ ርእሰ ኣምልኾን ስስዐን ዜሕውዮ ናይ ጸጋ ስራሕ እዩ። ብእምነትን ብተስፋን ብምሕረትን ኣብ ጐይታ ትውክልቲ እናገበርና፡ መዓልታዊ ንክርስቶስ ክንስዕቦ ዝተጸዋዕና ኢና፡ ኣብ ልቢ ካህናት ዝህሉ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምውካስ ፈተና እንተሎን ናይ ምስማዕን ኣገልግሎትን ኣተሓሳስባ እንተ ዘይተቐቢሉ ሕብረት ሲኖዶውነትን ተልእኾን ኪርከብ ኣይክእልን እዩ።

እቲ ጽሑፍ ቀጺሉ ክህነታዊ ሕውነት ክልሰ ሓሳብ ወይ ጭርሖ ጥራይ ዘይኰነስ "ከም መሰረታዊ ክፋል መንነት ኣገልገልቲ . . . ብሓድሽ ብርታዐ ክስዓብ ዘለዎ መዳይ እዩ" እንክብሉ የተሓሳስብ።

ኣብዚ መዳይ እዚ ር.ሊ.ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ነቲ ክህነታዊ ስርዓት ዘቕረቦ ሓሳባት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ድሮ ብዙሕ እኳ እንተ ተገብረ ገና ግን ብዙሕ ክፍጸም ዘለዎ ዕዮ ኣሎ። ገለ ኻብዚ ኸኣ "ኣብ መንጎ ድኻታት ሰበኻታት ዜገልግሉን ኣብ ሃብታማት ማሕበረሰባት ኣገልግሎቶም ዚፍጽሙ ካህናትን ቍጠባዊ ማዕርነት" ከምኡውን ኣብ ገሊአን ሰበኻታት ወይ ሃገራት ገና ውሕስነት ዘይወሃቦ ክንክን ጥዕናን እርጋንን ዝብል መዳያት ይጠቕሱ።

"ሓባራዊ ሓልዮት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዝዮም ጽምዋን ግሉላትን ኣሕዋትና ከምኡውን ነቶም ሕሙማትን ኣረጋውያንን ቈላሕታ ምግባር ካብቲ ነቶም ብሕድሪ እተዋህቡና ሰባት እንህቦም ክንክን ኣትሒትካ ክርአ ኣይክእልን እዩ" ይብሉ።

ማሕበረሰብ ህይወት ምትብባዕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ብዛዕባ ሓደ ኻብቲ ንህይወት ካህናት ኪጸሉ ዚኽእል "ሓደጋታት" ማለት ጽምዋ ጠቒሶም ኣለዉ፣ እዚ ኸኣ "ነቲ ንሃዋርያዊ ቅንኣት ዜዳኽምን ናብ ገዛእ ርእስኻ ዕጹው ምዃን ብምግባር ኣብ ዝንበር ርሕቀት ኪመርሕን ይኽእል እዩ።"

በዚ ምኽንያት እዚ እውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ይብል፦ ብመሰረት መምርሒ እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ቤተ-ክርስትያን "ካህናት ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ህይወት ኣብ ምምዕባል ሓባራዊ ሓገዝ ንኽረኽቡ ኣብ ኣገልግሎት ኣብ መንጎኦም ዝሓሸ ምትሕብባር ንምድንፋዕ ካብ ጽምዋ ዝመጽእ ሓደጋታት ንምዕቋብ" ኣብ ኵለን ከባቢያዊ ኣብያተ - ክርስትያን ኣብ ናይ ማሕበረሰብ ህይወት ወፍሪ ምግባርን ምትብባዕን ሓድሽ ቈራጽነት ክህሉ ተስፋ እገብር።

ቀጺሎም ቅዱስነቶ ንኣገልግሎት ቀዋሚ ዲያቆናት እንከጒልሑ፥ ኣብ ኣዝዩ ተነቃፊ እዋን ኵሎም እተቀብኡ ኣገልገልቲ ነቲ ኣብ ትሕትናን ጭቡጥን ኣገልግሎት ዚቐርጽ ተስፋ ንምዕቃብ ናብ መሰረታዊ ነገራት ብምምላስን ምስ ሰባት ብምቕራብን ሕብረት ኪነብሩ ተጸዊዖም እዮም። ኣገልግሎት ቀዋሚ ዲያቆን፡ ንክርስቶስ ኣገልጋሊ ኣርኣያን ኣስምሳልን ዝገበረ፡ ኣብ ላዕሊ ዘይተርፍ፡ ግን ከኣ ተንበርኪኹ፡ ዝሰምዕን ንርእሱ ዝህብን ፍቕሪ ህያው ምልክት እዩ። ብተመሳሳሊ ኣብ ኒሕ ወንጌል ተጠርኒፎም ንዝደኸዩ ሰባት ትኩር ብዝኾኑ ካህናትን ዲያቆናትን ዝቖመት ቤተ ክርስቲያን ጽባቐ ናይ ሓድነትን ብሩህ ምስክር ይኸውን።

ንድቁናን ዓለማውያን ምእመናንን ዋጋ ምሃብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ ድቁና "ኣስተውዓሊ ግን ከኣ ኣድላዪ ኣገልግሎት" "ብፍላይ ምስ ስድራቤት ሕብረት ኣብ ዝህልወሉ እዋን ክንርድኦን ክኽበርን ክድግፍን ዘለዎ ውህበት ኢዩ" . . . ብተመሳሳሊ ምእመናን ዘለዎም ግደ ምሉእ ብምሉእ ብሲኖዳውነት ክርአ ኣለዎ። በዚ መዳይ እዚ "ኣብ ኵለን እተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያን . . . በዚ ኸምዚ ድማ ካህናት ነቲ ኣብ ናይ መወዳእታ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝዘተየ ሲኖዶስ ሰነድ ዘሎ መሰረታዊ መምርሕታት ምእንቲ ኺፈልጥዎ እዩ። ስነ ዓቕለሲያዊ ሕብረት ብዝሓሸ መገዲ ምእንቲ ኺዓዪ ኣገልግሎት ካህን ካብቲ ንበይኑ ናብ ማእከላዊ ንጥፈታት ጓሶትን ጾር ኵሉ ሓላፍነታት ናብ ማእከላይን ናብ ሕድሪ እተዋህበ ሓላፍነታትን ዚመርሕ ኣገባብ ፍሉይ መሪሕነት ኪሰግር ኣለዎ። ኣብ ክንዳኡስ እቲ ኣገልግሎት ኣብ መንጎ ካህናትን ዲያቆናትን ብምሉኡ ህዝቢ ኣምላኽን ብምትሕብባር ናብ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ናብ ጉባእያውነት መሪሕነት ክስጉም ኣለዎ እዚ ድማ ፍረ እቲ መንፈስ ቅዱስ ዝሃቦ እተፈላለየ ባህርያት እዩ። ከምቲ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘዘኻኽረና ክህነታዊ ኣገልግሎትን ተምሳልን ክርስቶስ መርዓዊ ምስ ስልጣን ከነመዓራርዮ የብልናን።”

እዚ ፈተናታት እዚ ንተልእኾ ተኣማንነት የዳኽሞ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ እቲ ናይ ክህነት ጽዋዕታ ንኣሕዋትን ኣሓትን ብምግልጋል ብሓጐስ እዩ ዚፍጸም። ይኹን እምበር ንገለ ኻብቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሕብረተ - ሰብ ልሙድ ዝንባለታት ብፍላይ ከኣ ኣመና-ምትእስሳር ዝብል ኩነት ብምምልካት ንኣገልግሎት ክህነት ከዳኽም ካብ ዝኽእል ክልተ ፈተናታት የጠንቅቑ።

ርእሰ ሊቃነ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ወንጌላውነት ብቝጽሪ እቲ እተፈጸመ ውጥናት ወይ ብቝጽሪ እቲ ዚቐርብ ኣገልግሎት ኣይምዘንን እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን "ሃካይን ስዕረትን" ኣቀራርባ እውን ግቡእ ኣይኰነን። "ኣብ ኵሉ ዅነታት ካህናት ነቲ ኣብ ዘመናዊ ሕብረተሰብ ዚርከብ ዓብዪ ጽምኢ ሓቅን ቅኑዕን ርክባት ብምስክርነት ትሕትናን ንጹህን ህይወት ብውጽኢታዊ መገዲ ምላሽ ኪህቡ ተጸዊዖም እዮም።"

ኣብ መንጎ ኣስተንትኖን ተግባርን ዘሎ ስኒት ኪድለ ዘለዎ ብሃንደበት ናይ ኣሰራርሓ መደባት ብምቕባል ወይ ብቐሊል ሚዛናዊ ንጥፈታት ዘይኰነስ ንፋሲካ ኣብ ማእከል ኣገልግሎት ብምግባር እዩ። ይኹን እምበር ብዘይ ገደብ ርእስኻ ምውፋይ ኪበሃል እንከሎ ጸሎት መጽናዕቲ ወይ ሕውነት ክህነት ምሕዳግ ኪበሃል ኣይክእልን እዩ፣ ኪበሃል እውን የብሉን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ጸሎት ብኣንጻሩ ጸሎት ናብቲ ንድሕነት ዓለም ዝሞተን ዝተንስኤን ጎይታ ኢየሱስ ክሳዕ ዘተኰረ ኵሉ ነገር ዝጠቓለለሉ ኣድማስ ይኸውን፡ እንክብሉ የስተብህሉ።

23 Dec 2025, 17:08