ናይ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሰንበት ዕለት 28 ታሕሳስ ኣብ በዓል ቅድስቲ ስድራ ቤት፡ ኢየሱስ ማርያም ዮሴፍ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምእመናን ኣብ ዓለም ሰላም ምእንቲ ኺሰፍን ብፍላይ ከኣ ነቶም ብብርቱዕ ግጭታት ዚሳቐዩ ኣባይቲ ስድራ ምጽላይ ከይነቋርጽ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ በዓል ልደት ምእንቲ ሰላም ንጸሊ። ሎሚ ብፍላይ ምእንቲ እተን ብሰንኪ ውግእ ዚሳቐያ ኣባይቲ ስድራ ምእንቲ ቘልዑን ኣረጋውያንን ምእንቲ እቶም ኣዝዮም ተኣፈፍያን ሰባትን ንጸሊ። ንኣማልድነት ናዝራዊት ቅድስቲ ስድራ ቤት ብሓባር ገዛእ ርእስና ነወክፍ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዓወትን ሓይልን ንፍቕሪ ኼጥፍኦ ኣይተፍቅደሉ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ክርስቲያን ኣባትይቲ ስድራ ብምቕናዕ፡ ኣብቲ እንነብረሉ ዘሎና ሕብረተሰብ ብኸመይ ብርሃን ኪዀና ኸም ዚኽእላ ኣጕሊሖም፣ እዚ ኸኣ ብግጭት ጥራሕ ዘይኮነስ ብምግላልን ዘይምስምማዕን እውን ዚፍለጥ እዩ፣ ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ምስ ተወልደ ነዊሕ ከይጸንሐ ቅድስቲ ስድራ ቤት ካብ ኣሳዶ ንጉስ ሄሮድስ ንምትራፍ ናብ ግብጺ ከም እተሰደት እንከስተንትኑ፡ "እቲ ዘሕዝን ግን ዓለም ኵሉ ሳዕ 'ሄሮድስ' ዘለዋ እያ፣ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ዋጋ ኣሳልጦ፡ ዘይስነ - ምግባራዊ ሓይሊ ባዶነትን ደጋዊ ድሕንነት ዝገልጽ ታሪኽ ኣለዋ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብመልክዕ ጽምዋ ተስፋ ምቝራጽ ምክፍፋልን ግጭትን ዋጋ ትኸፍል" ቢሎም - "እዚ ኵነታት እዚ ነቲ ኣብ ክርስትያን ስድራ ቤታት ዘሎ ሃልሃልታ ፍቕሪ ኺሓንቆ ኣይንፈቅድ"፡ ኣብ ክንዳኡስ ንኣባይቲ ስድራ ብጸሎት ቅዱሳት ምሥጢራት ብፍላይ ከኣ ምስጢረ ንስሓን ቅዱስ ቁርባንን ብምቕባል ከምኡውን "ጥዑይ ፍቕሪ ልባዊ ዘተ ተኣማንነት ገርሀይናን ጽቡቕን ጭቡጥ መዓልታዊ ቃላትን ናብራን" ኬተባብዑ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ "ብርሃን ተስፋ" ከምኡውን "ቤት ትምህርቲ ፍቕርን መጋበርያ ድሕነትን ኣብ ኢድ ኣምላኽ" ኪዀኑ ጻውዒት ከም ዘቐረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ህላወን ተልእኾን ቅድስቲ ስድራቤት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ኣብቲ ካብ ወንጌል ማተዎስ እተወስደ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዘማእከለ ኮይኑ፡ ኣብኡ ኸኣ እቲ ወንጌላዊ ንጉስ ሄሮድስ ንኢየሱስ ሕጻን ኪረኽቦን ኪቐትሎን ኪፍትን እንከሎ መልኣኽ ንዮሴፍ ብኸመይ ከም እተራእዮን ናብ ምስሪ ኺሃድም ከም ዝነገሮን ይገልጹ። ንሄሮድስ "ጨካን ደም ዝጸምአ" ኢሉ ወንጌል ማቴዎስ ከም ዝገልጾን ንሱ ድማ ኣዝዩ ጽምዋ ዝስምዖን ካብ ስልጣኑ ኸይወርድ ኣብ ቀጻሊ ፍርሒ ዝነብር ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ "ኣምላኽ ኣብ መንግስቱ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ተኣምር ይገብር፣ ኣብኡ ድማ ኵሉ እቲ ጥንታዊ መብጽዓታት ድሕነት ይፍጸም፣ ኰይኑ ግና ሄሮድስ ዝፋኑን ሃብቱን ፍሉይ መሰሉን ከይስእን ስለ ዝፈርሀ ነዚ ፍጻመ መብጽዓታት ኺርእዮ ኣይክእልን እዩ - ተሪር ልቢ ዝበሃል እዚ እዩ፡ "ኣብዛ መላኺ ዝውከላ ጨቋንን ስሱዕን ዓለም ናይ ትውልዲ ቦታን መበቈልን ናይቲ እንኮ መልሲ ድሕነት ማለት እቲ ምሉእ ብምሉእ ብዘይ ምቍራጽን ብዘይ ትጽቢትን ብናጻን ንገዛእ ርእሱ ንሰባት ዝህብ ኣምላኽ ኢዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ብተወሳኺውን ዮሴፍ ንመደብ ኣምላኽ ምእዙዝ ብምዃን ኣብ ምስሪ ድማ “እግዚኣብሄር ኣብ ዓለም ህላወኡ ብሓላፍነት ዝሃቦ ምዉቕ ዘቤታዊ ፍቕሪ ንብዘላ ዓለም ብርሃን ንምምጻእ ይዓብን ሓይሊ ይረክብን” እንክብሉ ኣስሚሮም፡ ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም፡ ጐይታ ብኣማልድነት ማርያምን ዮሴፍን ንዅለን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣባይቲ ስድራ ኪባርኸን ተማሕጺኖም፣ በዚ ኸምዚ ኣብነት ክርስቶስ ብምስዓብ "ንዅላቶም ውጽኢታዊ ምልክት ህላወኡን መወዳእታ ዘይብሉ ልግሱን ኪዀኑ" ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
