ድለ

2025.12.22 ልዮን መበል 14 ኣብ ዝተገማመዐት ዓለም ኵርያ ሮማና ሓድነት ዝምስክር ወንጌላዊ ክኸውን ይላበዉ 2025.12.22 ልዮን መበል 14 ኣብ ዝተገማመዐት ዓለም ኵርያ ሮማና ሓድነት ዝምስክር ወንጌላዊ ክኸውን ይላበዉ  (@VATICAN MEDIA)

ልዮን መበል 14 ኣብ ዝተገማመዐት ዓለም ኵርያ ሮማና ሓድነት ዝምስክር ወንጌላዊ ክኸውን ይላበዉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 22 ታሕሳስ ኣብ ዘካየድዎ ናይ መጀመርታ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ሰናይ ምንዮትን ሰላምታን ንምልውዋጥ፡ ንኣባላት ኵርያ ሮማና ላዕለዎት ኣካላትን ካርዲናላትን ሊቀ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ተቀቢሎም ኣብ ስለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ሓድሽ ቅዲ ክሕቆፉ ተማሕጺኖም። ኣብ ክንዲ ናይ ስልጣን ንጥፈታት ናይ ሓቀይና ሕውነታዊ ምሕዝነት ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም ንሕድሪ ናይቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክብሪ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 22 ታሕሳስ ንግሆ ምስ ካርዲናላትን ሓለፍቲ ክፍልታት ቫቲካንን ኣብ ኣዳራሽ ቡራኬ ከምቲ ልሙድ ናይ በዓለ ልደት ሰናይ ምንዮት ንምልውዋጥ ተራኺቦም፥ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብዛዕባ መጻኢ ማእከላዊ ምምሕዳር ቤተ -ክርስትያን ዘለዎም ኣረኣእያ፦ ስነ ቤት ጽሕፈታዊ ዘይኮነ ግን ከኣ ዝያዳ ወንጌላውነትን ሰብኣውን ዝብል ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሞሳ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ኣብ መጀመርታ መደረኦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣብ 2025 ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ዘኪሮም ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ትንቢታዊ ድምጺ ንቤተ - ክርስትያን ንድኻታት ምሕረትን ሓልዮትን ኣብ ማእከል ክትመልስ ከም ዝመሃሩ ገሊጾም፡ በዚ መሰረት እዚ ልዮን መበል 14 ህንጻታት "ናብ ወንጌላውነት ምልዋጥ" እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኩሪያ ሮማ ንገዛእ ርእሱ ኣብ "መዓልታዊ ምምሕዳር" ጥራይ እተሓጽረ ክኸውን የብሉን የግዳስ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ማሕበራውን ጉስነታውንን ብድሆታት ምላሽ ክኸውን ኣለዎ’ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

"ኣብ ኩርያ ኣዕሩኽ ክንከውን ንኽእል ኢና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ቫቲካን ንዝግበር ውሽጣዊ ዝምድናታት ኣማእኪሎም፡ ንቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብምጥቃስ ብኣጽንዖት እንክሓቱ፡ "ኣብ ኩርያ ኣዕሩኽ ክንከውን ንኽእል ዲና?" ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን እውን እንተኾነ፡ ከም ስልጣን ምድላይ፡ ቀዳምነት ንምስዓብ ምጽዓርን ውልቃዊ - ረብሓ ምድላይን ዝኣመሰሉ ምውስዋሳት ንምብዳህ ብዙሕ ግዜ ኣጸጋሚ ይኸውን እንክብሉ ጓሂኦም ገሊጾም፡ "ጭምብልን ምስጢርን ክወድቕ እንከሎ፡ ሰባት ክምዝመዙን ሸለል ክበሃሉን እንከለዉ፡ ዋጋን ብቕዓትን ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ኣፍልጦ ክወሃቦ እንከሎ ክንደይ ባህ የብል" እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ሰነዳት ኣየድልያን እዩ፣ እንታይ ደኣ ኣብ መዓልታዊ ዕዮታት "ጭቡጥ ናይ ምትሕግጋዝ ምልክታት" የድልያ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣፈ ጉባኤ ካርዲናላት ጆቫኒ ባቲስታ ረ

ቅድሚ ቅዱስነቶም ብስም ጉባኤ ካርዲናላት መደረ ዘስምዑ ኣፈ ጉባኤ ካርዲናላት፡ ካርዲናል ጆቫኒ  ባቲስታ ረ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ዝተመርጹ ኣትሒዞም ልቢ ዓለም ብዘለዎም "ውዕዉዕ ስምዒትን ምዉቕ መንፈስን" ከም ዝማረኹ ኣመስጊኖም። ብፍላይ ነቲ ዘይሕለል ተወፋይነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ኣብ  ኣኼባታቶምን ርክባቶምን ዝህብዎ ግዜ ጭቡጥ መርኣየ ምዃኑ ገሊጾም፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ፍሉይ ተርእዮታት ሓደ ከም ኣብነት እቲ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ኣብ ዓመተ ዮቤልል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዝተጸምበለ ንመንእሰያት እተወፈየ ቅነ መንእሰያት ኢዮቤል፡ ከምኡ’ውን ንዝኽሪ መበል 1700 ዓመት ቀዳማይ ኤቁመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ናብ ቱርኪ ኣስዒቦም ናብ ሊባኖስ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞታት፡ ብፍላይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ ምምራጾም ብቕጽበት ካብ ማእከል ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ህዝቢ ክላለዩ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ "ዘይተዓጥቀን ዕጥቑ ዝፈትሕን ሰላም" ዝብል ዘቕረብዎ ጻውዒት ብፍሉይ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣንጻር ዘይምስምማዕ ምልክት

ኣብ መዛዘሚ ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ብእስነት ስምምዕን ዓመጽን ግጭትን" ዝተጎድአ ሃዋህው፡ ኩርያ ሮማና - ሓዋርያዊ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ምሕደራ ኵላዊት ቤተ ክርሲያን ትንቢታዊ ምልክት ክኸውን ኣለዎ። ክርስትያን "ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ዝከናኸኑ" ኣይኮኑን፣ እንታይ ደኣ ንኵላዊ ሕውነት መባዂዕቲ እዮም” እንክብሉ ኣዘካኺሮም ሓውርያዊ ቡራኬ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።  

23 Dec 2025, 08:59