ድለ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ካብ ዝሕረዩ ዝጸውዕዎ ቀዳማይ ጉባኤ ካርዲላት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ካብ ዝሕረዩ ዝጸውዕዎ ቀዳማይ ጉባኤ ካርዲላት  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ካብ ዝሕረዩ ዝጸውዕዎ ቀዳማይ ጉባኤ ካርዲላት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ዕለት 7 - 8 ጥሪ ኣብ ጸሎትን ድጋፍን ምኽርን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብፍልዩ ዘተሓሳስብ ናይ መጀመርታ ጉባኤ ካርዲናላት ንኽካየድ ከም ዝጸውዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እቲ ኣኼባ ካብ ዕለት 7 – 8 ጥሪ 2026 ዓ.ም. ዝካየድ ኮይኑ፡ ብናይ ሓድነትን ሕውነትን ህሞታት፡ ከምኡ’ውን ንኣስተንትኖ፡ ደገፍን ጸሎትን ዝተወፈየ” ከም ዝኸውን ሰንበት ዝተዘርግሐ መግለጺ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር እንከመላኽት ኣስዒቡ፡ ካርዲናላት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሓቢሮም ክጽልዩን ከስተንትኑን ከም ዝኾኑን፡ እቲ ርክብ መመያ ንምዕባይን “ንቅዱስ ኣቦና ኣብ ምሕደራ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ልዑልን ከቢድን ሓላፍነት ኣብ ምፍጻም ደገፍን ምኽርን” ዝሓትሉን፡

“እቲ ጉባኤ ካርዲናላ ኣብ ውሽጢ ዓውዲ ሕይወትን ተልእኾን ቤተ ክርስቲያን ዝተቐመጠ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ጳጳስ ሮማን እቶም ንሰናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን  ብፍሉይ መንገዲ ንኽተሓባበሩን ምኽሪ ንኽልግሱን ዝተጸውዑ ካርዲናላት ሕብረት ንምድልዳል ዝዓለመ” ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ጉባኤ ካርዲናላት እንታይ እዩ?

Consisterium - ብሓባር ደው ምባል ዝብል ትርጉም ዘለዎ ወግዓዊ ኣኼባ ጉባኤ ካርዲናላት ዝውክል እዩ።

ወይ ብዓቢኡ ስነ - ስርዓታዊ ባህሪ ዘለዎምን ኣብ ሮማ ዝነብሩ ካርዲናላት ዝሳተፍዎን ተራ ወይ ድማ ፍሉይ ክኸውን እውን ዝከኣል እዩ።

እቲ ኣብ ካብ ዕለት 7 – 8 ጥሪ 2026 ዓ.ም. ዝካየድ ኣኼባ ጉባኤ ካርዲናላት ፍሉይ ብምዃኑ ንኹሎም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካርዲናላት ዘጠቓልል እዩ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ መላእ ጉባኤ ካርዲናላት ኣብ ዝተፈላለየ ንህይወት ቤተ ክርስቲያን ዝጸሉ ጉዳያት ክመኻኸሩ እውን ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመላኽት።

23 Dec 2025, 08:46