ር.ሊ.ጳ. ንሓዋርያዊ ዕደት ናብ ሊባኖስ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ልክዕ ሰዓት 15፡45 ደቓይቕ በይሩት ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ራፊቅ ሃሪሪ ምስ በጽሑ ብበዓልቲ ቤቶም ብዝተሰነዩ ናይ ረፓብሊካዊት ሊባኖስ ርእሰ ብሔር ጆሰፍ ኣዉን መራሔ መንግስቲ ናዋፍ ሳላም ምስ በዓልቲ ቤቶምን ፓትሪያርክን ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም ናይ ሃገር ባህሊ ብተኸድኑ ሕጻናት ዕንባባን ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡሎምን ናይ ሃግረ ቫቲካንን በይሩትን ሰንደቓዊ መዝሙር ምስ ተሰምዐ ክቡር ዘበዐይና ንክልተኤን ሃገራት ሰንደቓዊ ናይ ክብሪ ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ 21 መዳፍዕ ምስ ተተኮሰ ነፍሲ ወከፎም ኣሰነይቶም ኣላልዮም ምስ ኣብቅዑ፡ ቅዱስ ኣቦና ብርእሰ ብሔርን መራሔ መንግስትን ተሰንዮም ናብ ቤተ መንግስቲ - መንበር ርእሰ ብሔር ተጓዒዞም ልክዕ ሰዓት 16፡’45 ደቓይቕ ኣብ ህንጻ ርእሰ ብሔር ናይ ክብሪ ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎም ኣብኡ ስም ርእሰ ብሔር ኣዉን ናይ ግሊ ርክብ ምስ ኣካየዱ ናይ ሓባር ስእሊ ምስ ተሳእሉ ምስ ስድራ ቤት ርእሰ ብሔር ስነ ስርዓት ሌላ ፈጺሞም ናይ ሓባር ስእሊ ምስ ተሳእሉ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ምስ ተኻየደ ልክዕ ሰዓት 17፡15 ደቓይቅ ምስ ኣቦ መንበር ሃገራዊ ባይቶ በይሩት ናሂብ በሪ ተራኺቦም ናይ ግሊ ርክብ ኣካይዶም ምስ ስድራ ቤት በሪ ተላልዮም ናይ ሓባር ስእሊ ምስ ተሳእሉ ኣስዒቦም ምስ መራሔ መንግስቲ ረፓብሊካዊት ሊባኖስ ዋፍ ሳላም ናይ ግሊ ርክብ ኣካይዶም ምስ ስድራ ቤት መራሔ መንግስቲ ተላልዮም ናይ ሓባር ስእሊ ምስ ተሳእሉ ልክዕ ሰዓት 17፡45 ደቓይቕ ተሰናቢቶም ልክዕ ሰዓት 18፡00 ኣብ “ኣዳራሽ ግንቦት 25” ምስ ናይ መንግስትን ፖለቲካን በርገሳውያንን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት መራሕትን ሰብ ትካላትን ኣውፈርትን ናይ ባህልን ኣካላትን ከምኡ እውን ኣብ በይሩት ምስ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተራኺቦም ኣብቲ ርክብ ድሕሪ ናይ በይሩት ርእሰ ብሔር ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
