ኣጎስጢኖሳዊ ካህን ኣባ ዳሌንግ ሓድሽ ምኽትል ሓልቓ ቤተ ጳጳስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንኣባል ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ኣባ ኤድዋርድ ዳሌንግ ሓድሽ ምኽትል ሓለቓ ቤተ ጳጳስ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎምን ኣባ ዳሌንጎ ክሳብ ሕጂ ድማ ዋና ኣማኻርን ዋና ዓቃቢ ሕግን ማሕበር ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ኮይኖም ኣብ ምግልጋል ይርከቡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ክሳብ ሕጂ ጠቕላሊ ኣማኻርን ዋና ዓቃቢ ሕግን ማሕበር ቅዱስ ኣጎስጢኖሳውያን ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ኣባ ኤድዋርድ ዳኒያንግ ዳሌንግ፡ ምኽትል ሓለቓ ቤተ ጳጳስ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ኣባ ኤድዋርድ ዳኒያንግ ዳለንግ ወርሒ ሚያዝያ 1977 ክፍለ ግዝኣት ፕላቶ ዞባ ክዋላ ከተማ ይትላዓር ዝተወልዱ ዕለት 13 ሕዳር 2004 ከም ገዳማዊ ኣባል ማሕበር ኣጎስጢኖሳዊ ዓቢይ መብጽዓ ዝገበሩ ዕልት 10 መስከረም 2005 ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉ፡ ኣብ 2012 ብግብረ ገባዊ ቲዮሎጊያ ሊቕነት ዘመስከሩ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሕሪ ምምራጾም ሒደት ማዕልታት ምስ ማዕከናት ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ብዛዕባ እቶም ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ኣፍሪቃ ዘለዎም ፍሉይ ምትእስሳር ገሊጾም፡ "ኣፍሪቃ ኣብ ልቦም እያ’ ንኹለን ኣፍሪቃውያን ተልእኾታትና - ኣባይቲ ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ብዙሕ ግዜ በጺሖም እዮም፡ እንተወሓደ ኣብ 2016 ንመጀመርታ ግዜ ማእከላይ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘካየድናሉ እዋን” ከም ዝበሉ የዘኻኽር።
11 Nov 2025, 16:31
