ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡- 'ምናባዊ ምትእስሳር' ንርክባት ደቂ ሰባት ክትክእ ኣይክእልን እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ስነ ኣሃዛዊ ዓለም “ንኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት እውን ከይተረፈ ብድሆ ከም ዝፈጥር” ዕለት 26 ሕዳር ነቶም ኣብ መበል 104 ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ መላእ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ዓበይቲ ኣሕሉቕ ዝሓቍፍ ጉባኤ ላዕለዎት ኣሕሉቕ ንዝሳተፉ ዘለዉ ኣስታት 160 ኣባላት ባይቶ ሕብረት ላዕለዎት - ኣሕሉቕ ናይ መላእ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ሲኖዶስ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
መብጽዓታት እደ ጥበብ
እቲ ካብ ዕለት 26 ክሳብ ዕለት 28 ሕዳር ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ባይቶ ሕብረት ላዕለዎት - ዓበይቲ ኣሕሉቕ ናይ መላእ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ኣኼባ መርሕ ቃል “ዝተኣሳሰረ እምነት፡ ህያው ጸሎት ኣብ ስነ ኣሃዛዊ ዘመን” ዝብል ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብምዝኽካር፡ “እቲ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ንሱታፌን ተልእኾን ዝህቦ ፍሉይ ዕድላት ሸለል ከይበልና፣ እዚ ድማ ኣብ ርሑቕ ንዝርከቡ ሰባት - ዋላ ነቶም ብልሙድ ኣገባብ ናብ ማሕበረሰባትና ንምብጻሕ ዝቃለሱ ሰባት ክንበጽሕ የኽእለና - ቢሎም - ባዕሎም ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኢንዲያናፖሊስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ካቶሊካውያን መንእሰያት ምስ ዝተሳተፉ 16 ሽሕ መንእሰያት ብቀጥታ ካብ ቫቲካን ብምስማዐ ርእየት ብምርኻብ መደረ ከም ዘስምዑን፡ እዚ እውን “እዋናዊ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ናይ ዘቕርቦ ዕድል ውጽኢት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እቲ ሓደጋታት
ይኹን እምበር፡ እዚ ዓይነት ተጸምዶ “ነቲ ዝምድናታት እንሃንጸሉን እንዕቅበሉን ኣገባብ ብዕምቆት ክጸልዎ ይኽእል’ዩ – ኩሉ ግዜ ድማ ንጽቡቕ ኣይኮነን” እንክብሉ ኣጠንቂቖም። “ናይ ሓቂ ሰብኣዊ ዝምድናታት ብምናባዊ ርክብ ከይትካእ ኣተሓሳሲቦም፡ ህላወ፡ ትዕግስትን ነዊሕ ምስማዕን፡ ከምኡ’ውን ዓሚቝ ምክፋል ሓሳባትን ስምዒታትን” ንዝሓትት ሓቀይና ርክብ ዓብይ ብድሆ እዩ - ቢሎም - Christus vivit - ክርስቶስ ህያው እዩ ዘርኣስቱ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ምዕዳን መሰረት ገይሮም፡ ባህላዊ መጋበርያታት ሱታፌ - ሓፈሻዊ ጉባኤታት፡ ኣኼባታትን፡ ቀኖናዊ ምብጻሕን ህንጸታዊ ምትእኽኻብን - ናብ ስነ ኣሃዛዊ ዓለም ክሰጋገሩ የብሎምን እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡ ጉስነት ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ እዋን ምቹእነትን ብቕዓትን ቀዳምነት ከይንህብ፡ ነቲ "ኣመሓደርቲ ብዙሕ ዓይነት ኣገልግሎታት ኢና" ኣብ ዝብል ወይ ከኣ "ንስሉጥነት ኣቓልቦ ኣብ ምግባር ከይንወድቕ" ንጠንቀቕ - ቢሎም - እቲ ሓደገይና ነገር "ነቲ ናይ ነጋድያን ጕዕዞና ደው ኢልና ወይ ከኣ ነቲ ምንጩን መዓርፎኡን እናረሳዕና ናብ ህውከትን ኣድካምን ቅድድም ምቕያር ዝብል እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ብሓባር ምጉዓዝ
ከም ማሕበረሰብ ኣሕዋት እቲ ዘገድስ ብሓባር ምጉዓዝ ዝብል ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣስሚሮም፡ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ Fratelli tutti - ኣሓው ኵልነ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶ ጠቒሶም፡ “ካብ ምትእኽኻብ ንኣሽቱ ውልቀ - ሰባት ናብ ዝዓበየ ‘ንሕና’ ናብ ዝብል ርክብ ክንሰጋገርን በዚ ድማ ነቲ ብሓባር ምንባር ዝብል ምስጢር ክንረክብን ተላብዮም፡ ቤተ ክርስቲያን “ናይ ሓባርን ታሪኻውን ጉዳይ ሲኖዳውነት፡ ናብ ቅዱስ ማእስር፣ ናብ መስመራት ጸጋ ዝቕየረላ” ኣካል እያ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ
እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ዝምድና ምስ እግዚኣብሔር ዘሎና ርክብ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ነዚ እዩ ድማ “ጸሎት ኣብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሰብ ውፉይ ህይወት መሰረታዊ ዝዀነ” - እቲ "ልቢ ንጐይታ ዝኽፈተሉ፡ ሓደ ሰብ ብእምነት ምልማንን ምቕባልን ዝመሃረሉ ናይ ምጥርናፍ ቦታ እዩ። ኣብ ጸሎት “ብሓቂ መን ምዃንና ንምስክር፡ ኩሉ ዘድልዮም ፍጡራት፡ ኣብ ጸጋን ሓለይቲ ኣእዳው ፈጣሪ ከም ዝኾንና . . . ኣብ መንጎ ስነ ኣሃዛዊ መጋበርያታትን ሓቀይና ዝምድናታትን እናተጓዕዙ፡ - ብሓባር ንኽመኽሩን ንኽሰምዑን” ኣብ ሚዛን “ብርሃንን ጽላሎትን”- ምስ በሉ ነቲ “nova et vetera ሓድሽን ኦሪትን” ምውህሃድ ዝብል ብድሆ ክቕበሉ ተማሕጺኖም፣ "ነቲ ኣምላኽ ኣብ ኢድና ዘንበሮ ሓድሽ መክሊት ሸለል ከይበልና ወይ ከይቀበርና፡ ከይረሳዕና ወይ ዕሽሽ ከይበልና፡ ምስ ኣምላኽን ኣብ ነንሕድሕድናን ዘሎና ርክብ ምዕቃብን ምሕብሓብን" ዝብል ብድሆ ክቕበሉ ተማሕጺኖም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
