ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ 'መንፈሳዊ መሰላት' ስደተይናታት እሱራት ክኽበር ኣለዎ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ስደተይናታት ኣብ ኣመሪካ “ዓሚቕ ኣስተንትኖ” ክግበር ዕለት 4 ሕዳር ምሸት ካብ ሮማ ወጻኢ እትርከብ ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዘሎ ጳጳሳዊ ህንጻ ኣፈት ንዝተረኽቡ ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ “ብዙሓት ንዓመታትን ዓመታትን ዝነብሩ” ኣብ ኣመሪካ “ሽግር ፈጺሞም ዘይፈጠሩ” ሰባት፡ በቲ መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ጃምላዊ ምስጓግ ሕጊ “ኣዝዮም ይጽለዉ” ከም ዘለዉን፡ ብዙሓት ስደተይናታት እሱራት፡ ብዙሓት እተኣስሩ ስደተይናታት "ንነዊሕ እዋን ካብ ስድራቤቶም ተፈልዮም ከም ዝርከቡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከም ዝርከቡ ዝፈልጥ ሰብ የለን" ምስ በሉ፡ ኣብ ቺካጎ ተኣሲሮም ዘለዉ ካቶሊካውያን ስደተይናታት ብካህናት ቅዱስ ቁርባን ንኸይበጽሖም ምኽልካል ብዝምልከት ሓደ ጋዜጠይና ንዘቕርበሎም ሕቶ እንክምልሱ፡ “ተራ ቤተ ክርስቲያን ወንጌል ምስባኽ እዩ - ቢሎም - ነቲ ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ወንጌላዊ ማቴዎስ ዝሃቦ ጸብጻብ ኣጉሊሖም፡ “ኢየሱስ ኣዝዩ ብንጹር ከምዚ ይብል፦ ኣብ መወዳእታ ዓለም፡ ንዓና ንነፍሲ ወከፍናን፡ ነቲ ጓና ተቐቢልካዮ ድኢኻ? ኣእንጊድካዮ፡ ተቐቢልካዮ፡ ወይስ ኣይተቐበልካዮን?” እንክብል ኽሓተና እዩ። “መንፈሳዊ መሰላት” ስደተይናታት እሱራት ምሕላው ኣገዳሲ ምዃኑ እውን የስተብህሉ።
"ብርግጽ ሰበስልጣን ነቶም ብጉስነታዊ መዳይ ኣቢሎም ንጠለባት" ናይቶም ዝተኣስሩ ስደተይናታት ከማልኡ ዝግብኦም ኣብ ሓዋርያዊ ጉስነት ንዘገልግሉ ከፍቅዱ ምዓደምኩ፡ ብዙሕ ግዜ ካብ ስድራቤቶም ተፈላልዮም ከም ዝርከቡን እንታይ ይኸውን ከምዘሎ ዝፈልጥ ሰብ እውን የለን . . . ግን ናይ ገዛእ ርእሶም መንፈሳዊ ድሌታት ምሕላው ይግባእ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ወጥሪ ኣብ መንጎ ሕ.መ. ኣሜሪካን ቬንዙዌላን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መንጎ ኣመሪካን ቬንዙዌላን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ስክፍታኦም እውን ገሊጾም፡ ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ጥቓ ማያት ቬንዙዌላ ዘካይዶ ዘሎ ስርሒታት ጸረ ዕጸ - ፋርስን፡ ርእሰ ብሔር ቬንዙዌላ ኒኮላስ ማዱሮ እዚ ስርሒት እዚ ነዳዲ ቬንዙዌላ ንምምንዛዕ “በስገዳድ ናይ ስርዓት ለውጢ ንምጽዓን” ከም መመኽነይታ ዝፍጸም ዘሎ እዩ እንክብል መልሲ ከም ዝሃበሉ ዝዝከር ኮይኑ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ምስ ተሓተቱ፡ መራኽብ ውግእ ናብ ገማግም ባሕሪ ቬንዙዌላ ይቐርባ ከምዘለዋ ዝገልጽ ጸብጻባት ከምዘንበቡ ኣመልኪቶም፡ “ዓመጽ ፈጺሙ ዓወት ከምዘየምጽእ እኣምን፡ እቲ መፍትሒ ዘተ ምድላይ እዩ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገራት ክህልዉ ዝኽእሉ ጸገማት ንምፍታሕ ፍትሓዊ መገድታት ምድላይ” ኣገዳስን ወሳንን ምዃኑ ይገልጹ።
ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ
ቀጽሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ፡ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ብሓድሽ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ምህላዉን፡ ከምኡ’ውን መጥቃዕቲ ሰፋሮ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዮርዳኖስ ዝርከባ ዓድታት ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ናይ 10 ጥቅምቲ ስምምዕ እስራኤልን ሓማስን ብምጥቃስ "ብውሑዱ ቀዳማይ ምዕራፍ ስምምዕ ሰላም፡ ገና ይቕጽል ኣሎ" እቲ ዕርቂ "ኣዝዩ ተኣፋፊ" ምዃኑ የስተብህሉ።
ናብ “ካልኣይ ምዕራፍ፡ ምሕደራን ምርግጋጽን መሰላት ኩሎም ህዝብታት” ምስግጋር ከምዘድሊ ኣስሚሮም
ጉዳይ ሰፈራታት እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዮርዳኖስ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ዘይሕጋዊ “ብሓቂ ዝተሓላለኸ እዩ። እስራኤል ሓደ ነገር ትብል፡ ሓደ ሓደ ግዜ ግን ካልእ ትገብር’ እቲ ዘድሊ፡ “ንናይ ኹሎም ህዝብታት ፍትሒ ሓቢርካ ምስራሕ እዩ” እንክብሉ ብኣጽንዖት ይገልጹ።
ክብሪ ስራሕ
ኣብ ኢጣሊያ ደይ ኮንቲ እተሰምየ ኣብ ሕድሳት ዘሎ ግምቢ ብኸፊል ፈሪሱ ሓደ ወዲ 66 ዓመት ሰራሕተይና ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞን በዚ መሰረት ብዛዕባ ናይ ስራሕ ክብሪ ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ፡ “ስድራ ቤቱ ዘድልያ ነገራት ንምቕራ ዘኽእል ክቡር ስራሕ ምርካብ ሰብኣዊ መሰል እዩ። ቤተክርስትያን ነዚ ትምህርቲ እዚ እያ እተስርጽ፡ እንተኾነ ግን እቲ እንነብሮ ዘሎና ዓመተ ኢዮቤል "ገለ ተስፋን ኣብ ጸገማት ገለ ርእይቶ ጥራይ ክንህብን ዘይኮነስ ፍታሕ ንኽርከብ ጻዕርታትና ክነዋድድን ብተግባር ክንፍትንን" ዕድል እውን ምዃኑ የስተብህሉ።
ቀጻሊ ጉዳይ ሩፕኒክ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ቫቲካን ቅድሚ ምምላሶም ብዛዕባ እቲ ብዓመጽ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝተኸሰሰ ካህንን ስነ ጥበባውን ኢየሱሳውያን ነበር ማርኮ ሩፕኒክ ዝምልከት ከምኡ እውን ኣብ ዓለም ዝረአ ስነ ጥበባዊ ስርሓት ሩፕኒክ እውን ዝትንክፍ ንዝቐረበሎም ናይ መወዳታ ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ "ኣብ ብዙሕ ቦታታት . . . እቲ ስነ ጥበባዊ ስርሓት ተሸፊኑ፡ ስነ ጥበባዊ ስርሓት ካብ መርበብ ሓበሬታታት ተኣልዩ። እዚ ጉዳይ ብርግጽ ንፈልጦ ነገር እዩ - ቢሎም - ኣብ ልዕሊ እቲ ኢየሱሳዊ ነበር፡ ፍርዲ ቫቲካን “ኣብ ቀረባ እዋን ክጅመር” ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡ “ዳያኑ ተሸይሞም ኣለዉ፡ መስርሕ ፍርዲ ድማ ግዜ ዝወስድ እዩ፡ ንግዳያት ትዕግስቲ ምሕታት ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ እፈልጥ እየ፡ እንተኾነ ግን ቤተክርስትያን መሰል ኩሎም ውልቀሰባት ከተኽብር ኣለዋ። ገበነይና ምዃኑ ክሳብ ዝረጋገጽ ዘይገበነይና ዝብል ግምት ልክዕ ከምቲ ኣብ ኩሉ ዓየታት ናይ ሕግን ፍትሕን ኣሰራርሓ ዘሎ፡ ኣብ ቤተክርስትያን እውን ትግቡር እዩ። እዚ መስርሕ ንኹሉ ዝምልከቶ ሰብ ንጹርነትን ፍትሕን ከምጽእ ተስፋ ንገብር" እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
