2025.11.20 Visita ad Assisi

ር. ሊ. ጳ.ናብ ጳጳሳት ኢጣልያ፦ “ኣብዛ እተኸፋፈለት ዓለምና ነብያት ሰላም ኩኑ!”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ትማሊ ሓሙስ ናብታ ኣብ ኢጣልያ እትርከብ ከተማ ኣሲሲ ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ኣብ መዕዛዘሚ መደብ መበል 81 ሓፈሻዊ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢጣልያ ጳጳሳት (CEI) ተሳተፉ፣ ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን ድማ ንክርስቶስ ኣብ ማእከል ኵሉ እቲ ዝገብርዎ ኣገልግሎታት ከቐድምዎን፣ ብፍላይ ንስድራቤታትን መንእሰያትን ንኣረጋውያንን ድኻታትን ውጽኢታዊ ናይ ጕስነት ክንክን ክልግሱሎም ተላበውዎም።

ኣባ ተወልደ መባራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሓሙስ ዕለት 20 ሕዳር ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዘመላእክት በጺሖም ኣብ መዛዘሚ መደባት መበል 81 ሓፈሻዊ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢጣልያ (CEI) ተሳቲፎም፣ ቅዱስነቶም ኣብቲ ናብ ኣሲሲ ዝገበርዎ ናይ ሓደ መዓልቲ ጕዕዞ፣ ንጳጳሳት ኢጣልያ ኣብ ዘቕረብዎ ቃለ ምዕዳን፣ “ፈለማ ናብ ኢየሱስ ክንጥምት ኢና ተጸዊዕና፣ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ድማ ንክርስቶስ ኣብ ማእከል ከነንብሮ ኣሎና” ክብሉ ውን ተላበውዎም።

እቲ ኣርባዕተ መዓልቲ ዝወሰደ ኣኼባ ካብ ዕለት 17-20 ሕዳር 2025 ካብ መላእ ኢጣልያ ዝመጹ ጳጳሳት ብዛዕባ ቀዳምነት ዘለዎም ጉዳያት፣ ካቶሊካዊ ዑቝባን ትምህርትን ንምስትንታን ተጋቢኦም ነበረ። እቲ ዘካየድዎ ዘተ ካብቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ኢጣልያ እተዛዘመ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዶውነት እተመርኰሰ እዩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዚ ካይድዎ ዘለዉ ዘተ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2026 ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤኦም ኺዛዘም እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እቲ ኣብ ኣሲዚ ንካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢጣልያ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን "ኣዝዩ ሓጺር" እኳ እንተ ዀነ፣ እቲ ዘካየድዎ ጉባኤ ብዛዕባ እቲ "ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ዓለም ብህጹጽ ዘድልያ ዘሎ መልእኽቲ እምነትን ሕውነትን ሰላምን" ብምዃኑ ሓጐሶም ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብዓል ኣሲሲ ዝነበሮ ትብዓትን ጽንዓትን እምነትን ዘኪሮም ንቶም ተጋባእቲ ኢጣልያውያን ጳጳሳት "ብሓቀኛ እምነት ተመሪሖም ምርጫታት ንኽገብሩ ብርታዐ" ክህቦም ጸልዮም።

ናብ ኢየሱስ ክንጥምት ተጸዊዕና ኢና

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ቀንዲ ምኽሪ ንክርስቶስ ኪስዕቡን ብኣኡ ክምርሑን እዩ ዝነበረ።

"ንሕና እውን ቅድሚ ኹሉ እተጸዋዕናሉ ጉዳይ እንተ ኣልዪ፣ ናብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምጥማት እዩ" ብምባል ኣጕልሑ። "ኣብዚ ዘሎናሉ ምኽንያት ኣብቲ እተሰቕለን ዝተንስእን ጉይታ ዘሎና እምነት እዩ” ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ንዝበልዎ ቃል ብምዝካር፣ "ኣብዚ እዋን እዚ ንጉይታናን መሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማእከል ከነንብሮን፣ በቲ ናይ ወንጌል ሃሴት ዝገለጾ መገዲ፣ ሰባት ምስ ጐይታ ብሕታዊ ርክብ ንኽህልዎምን ሓጐስ ወንጌል ንኽረኽቡን ንምሕጋዝ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣድላዪ ኢዩ" ብምባል ውን ኣጕልሑ።

ኣብ እዋን ዘሎ "ዓብዪ ምክፍፋል" ኣመልኪቶም ቅዱስ ኣቦና፣ ናብ መሰረት እምነትና ናብ ስብከተ ወንጌል  ዳግም ክንምለስ ከም ዘሎና ኣትሪሮም ተዛረቡ። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ቅድሚ ኹሉ ድማ እዚ ንዓና ኢዪ ዝምልከት፣ ካብቲ ኣብ ክርስቶስ መድሓና ዘሎና እምነት ከም እንፍጽሞን፣ ኣብ ኵሉ መዳያት መዓልታዊ ህይወትና ዝግለጽን እምነት ከም ብሓድሽ ክንጅምር ኣሎ" ክብሉ ውን ተላበዉ።

ናብ ገጽ ኢየሱስ ምጥማት ንገጽ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንርኢ ኸም ዘኽእል ውን ገለጹ።

ፍቕሩ ናባታቶም ኣቢሉ እዩ ዝመርሓና ድሕሪ ቢሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮ፣ "ኣብኡ ዘሎና እምነት ብኵሉ ኣገልግሎትና ውህበት ሰላሙ ኸነቕርብ ይደልየና እዩ" በሉ።

ንሰላም ጐይታ ከነመሓላልፎ ኢዩ ዘሎና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ኣብ ሃገራውን ኣህጉራውን ኵነታት "ምክፍፋል" ኣብ ዘሃለወሉ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። "መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ጽልእን ዓመጽን እተተሓሓዘ መልእኽትታትን ቋንቋታትን ውን የስፋሕፍሕ ኣሎ። ናብ ስሉጥነት ዚግበር ቅድድም ድማ፣ ነቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ዘወገነ ኩነት ኮይኑ ኣሎ፣ ተክኖሎጅያዊ ሓይሊ ንሓርነት ይጭፍልቕ፤ ጽምዋ ንተስፋ የጥፍእ ብዙሕ ምጥርጣራት ድማ ብዛዕባ ንመጻኢና ከም ዘይንፈልጥ ይገብረና ስለዘሎ ከቢድ ኢዩ" ክብሉ ውን ኣመልከቱሎም።

"ይኹን እምበር ቃልን መንፈስን ኣብ ማሕበረሰብና፣ ከምኡ ውን ዕርክነትን ሕውነትን ሓቀኛ ርክብን ክንምስርት ኢደ ጥበበይናታት ክንከውን ይምሕጸነና እዩ፣ ኣብኡ ድማ ብዘይ ስቕታን ፍርህን ንዘሎ ውጥረት ክንሰምዕን፣ ጽን ናይ ምብህሃል ምክብባርን ባህሊ ከነማዕብልን፣ በዚ ኸምዚ ድማ ንዓለም ሰላም ከም ዝሰፍን ዝገልጽ ትንቢት ከነማዕብል ኣሎና" ክብሉ ውን ተላበዉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ምስ ተገልጸሎም እቲ ናይ መጀመርታ ቓላቱ "ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን" ከም ዝነበረ፣ እዚ ድማ ንጳጳሳት ብኸመይ ከም ዘገድሶም ኣዘኻኺሮም።

ምሕጽንታ ንምክንኻን ኣመንቲ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ንጳጳሳት ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን "ንወንጌል እተበስር ምልክት መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነት ቤተ-ክርስትያን ንምዃን፣ ገለ ገለ ምኽርታት ጠቒሶም፣ በዚ ኸምዚ ድማ "መልእኽቲ ድሕነት ምእዋጅ፣ ሰላም ምህናጽ፣ ሰብኣዊ ክብሪ ምድንፋዕ፣ ባህሊ ዝርርብን ከምኡውን ክርስትያናዊ ስነ-ሰብ ራእይ" ምዃን ዝብሉ ሓሳባት ኣዘኻኺሮም።

ስለዚ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ እዚ ጠለባት እዚ "ምስቲ ኣብ መገዲ ሲኖዶውነት ቤተ-ክርስትያን ኢጣልያ ዝወጸ ሓሳባት ዝሰማማዕ" ምዃኑ ከተሓሳስብዎም ከም ዝደልዩ ውን ገለጹ።

"ንስኻትኩም ጳጳሳት ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ናይ ሓዋርያዊ ጉስነት መስመራት ክትስዕቡ" ኣሎኩም፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኢጣልያ "ሓቀይና መንፈስ ሲኖዶውነት ንኽዓብን ንኽበስልን ንምሕጋዝ" ገለ ሓሳባት ከካፍልዎም ከም ዝደልዪ ውን ኣመልከቱሎም።

ሲኖዶውነት ምስ ክርስቶስ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዝጕዓዙ ክርስትያን ምእመናን ከም እንኸውን ይገብር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ "ቅድም ቀዳድም ሲኖዶዊ ስርዓት ማለት፣ ክርስትያን ምእመናን ኣብ ክርስቶስን መንግስቲ ኣምላኽን ምስ ዘሎ ሓድነት ደቂ ሰባት ምምልላስ ከም ዜመልክት ኣይንረስዕ" ክብሉ ውን ተማሕጸንዎም።

ካብ ጐይታ ዝህበና፣ ንሰብኣውን ቤተ-ክርስትያናውን ርክባትና ህያው ዝገብርን ቅርጺ ዘትሕዝን ጸጋ ሕብረት ከም እንቕበል ውን ገለጹ። "ኣብ ውጽኢታዊ ሕብረት ኣብ ዘሎ ብድሆ ናይ ኵሉ ሰብ ተጸምዶ ክህሉ እደሊ ኢየ፣ ስለዚ ገጽ ሕብረት ቤተ-ክርስትያን ቅርጺ ክህልዎ፣ ሓባራዊ ስጕምትታትን ምርጫታትን ዝህብ ክኸውን ኣለዎ" ክብሉ ውን ተላበው።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፣ "እቲ ኣገዳሲ ነገር፣ በዚ ሲኖዳዊ ጕዕዞ እዚ ብሓባር ምዕያይ ንመሃር፣ ኣብቶም ፍሉያት ኣብያተ-ክርስትያናት ከኣ ኵላትና ክፉት ተቐበልትን ኣአንገድትን ከምኡውን ሓድነት ዘለዎ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ንምህናጽ ገዛእ ርእስና ንምህናጽ ቈራጽነት ምግባርና የድሊ" በሉ።

ምስ ስድራ ቤታትን ሽማግሌታትን ድኻታትን ቅርበት ይሃሉኹም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም "ብሓባር ምምልላስ ምስ ኵሉ ምጕዓዝ ማለት ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት እትነብር፡ ሕቶታቶም እትቕበል፡ ስቓዮም እተህድእ፡ ተስፋኦም እትካፈል ቤተ-ክርስትያን ምዃን ማለት እዩ" ብምባል ውጽኢታዊ ክንክን ሓዋርያዊ ጕስነት ኣድላዪ ምዃኑ ብዓጽንዖት መስኪሮም።

"ምስ ስድራ ቤታት፡ ምስ መንእሰያት፡ ምስ ኣረጋውያን፡ ከምኡ ውን ምስቶም ኣብ ጽምዋ ዚነብሩ ደቂ ሰባት ጥቡቕ ርክብ ግበሩ። ንድኻታት ከአ ተኸናኸንዎም ኢኹም" ክብሉ ውን ኣባታዊ ምሕጽንታኦም ኣካፈልዎም።

ብተወሳኺ ውን ጳጳሳት ካብ ኵሉ ዓይነት ዓመጻ ናይ ምክልኻል ባህሊ ምእንቲ ከማዕብሉ፣ ምስቶም ንኣሽቱን ተኣፈፍቲ ኣካላት ሕብረተሰብ ክርበት ክህልዎም ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

"ንግዳያት ምቕባልን ምስማዕን ሓቀይና ባህርይ ናይታ ማሕበረሰብ ኣብ ምሕዳስን፣ ንቍስሎም ብኸመይ ከም እትሳትፎን ክትፍውሶምን እትፈልጥ ቤተ-ክርስትያን እዩ" ድሕሪ ቢሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ነቲ ኣብዚ መዳይ እዚ ዝገበርዎ ጻዕርታት ኣመስገንዎም፣ ንኣሽቱ ቘልዑን ንተነቀፍትን ዓበይትን ንምዕቋብ ዝገበርዎ ቘራጽነት ክቕጽሉ ውን ኣተባብዕዎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣሲቦም ነቶም ጳጳሳት ብእምነት ንቕድሚት ኪስጕሙ ብምትብባዕ፣ ከም ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብዓል ኣሲዚ ካብ ክርስቶስ ሓይሊ ክረኽቡ ብምምሕጻን ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ምስ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢጣልያ እተኻየደ CEI እተኻየደ ኣኼባ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ቅርዓት ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዘመላእትክ በጺሖም፣ ካብኡ ድማ ናብ ሞንቴፋልኮ ነቐሉ፣ ኣብኡ ድማ ኣብ ገዳመ ደናግል ኣጐስጢኖሳውያን መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕረጉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምሳሕ ኣባኡ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብሄሊኮፕተር ናብ መንበሮም ተመልሱ።

21 Nov 2025, 10:04