ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ማእከል ቅዱስ ማርቲኖ መእለዪ ናይ ደገ ሕሙማን ባሪኾም ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ማእከል ቅዱስ ማርቲኖ መእለዪ ናይ ደገ ሕሙማን ባሪኾም  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ማእከል ቅዱስ ማርቲኖ መእለዪ ናይ ደገ ሕሙማን ባሪኾም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ትሕቲ ስሩዕ ዓንድታት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ሓድሽ ዝተኸፍተ ኣገልግሎት መውሃቢ ምብጻሕ ከም ዘካየዱን እዚ ማእከል እዚ ንድኻታት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዘስፍሕ ኮይኑ ገለ ኻብቲ ኣብ ጐደናታት ዚነብሩ ሰባት ዘጥቅዕ ልሙድ ሕማማት ብቕልጡፍ ንምፍዋስ ዘገልግል እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ትሕቲ ስሩዕ ዓንድታት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ናይ ደገ ሕሙማት ማእከል ክንክን ጥዕና ቅዱስ ማርቲኖ ዕለት 14 ሕዳር ምብጻሕ ኣካይዶም ከም ዝመረቑን እዚ ሓድሽ መሳለጥያ፡ ቅድሚ ሰንበት ዕለት 16 ሕዳር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ምምራቕ ቤት ሕክምና “ኣደ ምሕረት” (ምስ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እውን ዝዳወብ) ኣገልግሎት ምሃብ ይጅምር።

ቤተ ክርስቲያን፡ ድኻታት ሓልዮት ዝረኽብሉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ናይ ለምዘበን ናይ ትምህርቲ ዓመት መሪቖም ናብ ቫቲካን ተመሊሶም፡ ንነዊሕ እዋን ንድኻታት ብምቕባል ዝፍለጥ ብፍቓድ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተበገሰ ቤት ኣልቦ ንዝኾኑ ሰባት መጸራረይን መሕጸብን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መውሃብን ኣደ ምሕረት እተሰምየ፡ ብናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ግብረ ሰናይ ህየንተ ካርዲናል ኮንራድ ክራየቪስኪን ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቫቲካን ዋና ኣመሓዳሪ ጉዳያት ጥዕናን ጽሬትን ዶክተር ልዊጂ ካርቦነን ተሰንዮም ምብጻሕ ኣካይዶም።

ካርዲናል ክራየቪስኪ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ቅዱስነቶም ኣብቲ ማእከል ክበጽሑ ምዃኖም ስለ ዘይተነገረ ድማ ኣብቲ ማእከል ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝህቡ ንሕሙማን ድኻታት ዝጽበዩ ሓኻይም ጥራሕ ከም ዝነበሩን ምስቶም ንልዕሊ 65 ሰባት ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዝሓከሙ 2  ናይ ስነ ኣእምሮ ሓኻይምም ዝርከብዎም ብጠቕላላ 8 ሓኻይም - ኣርባዕተ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ክልተ ወለንተይናታት ተራኺቦም ብዛዕባ እቲ ማእከል ክንክን ጥዕና ንጥፈታት እውን ከም ዝሓተቱ ይሕብሩ።

ንኢየሱስ ኣብ ድኻታት ምርኣይ

እዚ ሓድሽ ቅዱስ ማርቲኖ ማእከል ክንክን ጥዕና ናይ ሃገረ ቫቲካን ጉዳያት ጥዕናን ጽሬትን ምምሕዳር ከተማ ቫቲካን ብምትሕብባር ዝቖመ ኮይኑ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ንዝደልዩ ድማ ኩለ መዳያዊ ክንክን ዝህብ እዩ።

እዘን ክልተ ኣባይቲ ክንክን ጥዕና ናይ ምቕባልን ፈውስን ቦታታት ኮይነን፡ ነቶም ናብ ቤት ጽሕፈት ካርዲናል ክራየቭስኪ ዝመጹ ድኻታት ክብሪ ዝመልሳ እየን። እቶም ረድኤት ዝደልዩ ሰባት “ወጅሂ ኢየሱስ እምበር: ቤት ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ኣይኮናን እንርእይ - ወጅሂ ኢየሱስ እያቶም” እንክብሉ ካርዲናል ክራየቭስኪ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ የመላኽቱ።

ቅድሚ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ዕለት 16 ሕዳር፡ ብፁዕ ካርዲናል ክራየቭስኪ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ "ኣነ ኣማኒ እየ፡ ካቶሊክ እየ፡ ስነ - መጎተይ ድማ ስነ - መጎት ወንጌል እዩ። ኢየሱስ ባዕሉ ዓሪቑን፡ ተኣሲሩን፡ ሕማማት ዘሕለፈን እዩ፡ ሎሚ ድማ ስደተይና እዩ ክንብል ንኽእል። እዚ ኩሉ ንገብሮ ንዕኡ እዩ፡ በቲ ንሱ ዝገበሮን ዘርኣየናን ዝተፈላለየ ወጅህታት ዓለም ብምስዓብ እነቕርቦ ኣገልግሎት እዩ። ንዕኡ ንምልላይ ከቢድ እዩ፡ ምእንቲ እዚ ጻዕርን ትግሃትን ድማ ይሓትት ልዕሊ ኩሉ ግና እምነት ይሓትት። ንጐይታ ናይ እምነት ጸጋ ስለ ዝሃበኒ አመስግኖ፣ ንድኻታት ክንሕግዝ - ነቲ ዝቖሰለ ኣካሎም ክንትክፍን ክንከናኸንን መድሃኒት ክንህብን፣ ጸጉሪ ክንቅምቅምምን ክንከድኖምን እንኮለና - ንባዕሉ ንኢየሱስ ኢና እነገልግል” ይብሉ።

ነጻ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና

ቤት ክንክን ጥዕና ቅዱስ ማርቲኖ ብመትከላት ወንጌልን ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያንን ተመሪሑ ጎኒ ጎኒ እቲ ኣብ ድኽነት፡ ምግላል ወይ ኣብ ጸገም ንዝነብሩ ሰባት ብነጻ መዓልታዊ ክንክን ጥዕና ምስ ዝህብ ቤት ክንክን ጥዕና ኣደ ምሕረት ዝሰርሕ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ መእለዩ ቤት ክንክን ጥዕና ናይ ደገ ሕሙማት፡ ሳላ 120 ወለንተይናታት ሓኻይም፡ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን እደ ጥበባውያን ክንክን ጥዕናን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ንኣሽሓት ሰባት ከገልግል እዩ። ካብ ኣስታት 139 ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ኣስታት 10,000 ሰባት ክንክን ተገይሩሎም እዩ። ክሳብ ሕጂ 102,060 ኣገልግሎት ሕክምና ንኣዝዮም ተቓላዕቲ ሰባት ምሉእ ብምሉእ ብነጻ ከም ዝሃበን፡ ልዕሊ 141,200 መድሃኒት እውን ከም ዝኣዘዘ ኣመላኺቱ፡ ኣብተን ክልተ ቤት ክንክን ጥዕና እቶም ድኻታት ህሙማን ምሉእ ሕክምና ከም ዝረኽቡን ዝእዘዘሎም ዓይነት ሕክምና ኩሉ ብነጻ እውን የረጋግጽ።

17 Nov 2025, 09:05