ር. ሊ. ጳ.፦ ቤተ-ክርስትያን ማሕበረሰብ ብህድኣት ዝህነጸሉ 'ቦታ ህንጸት' እያ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቭቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ዕለት 9 ሕዳር ዝኸበረ በዓለ ህንጸተ ቤተ ክርስትያን ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ላተራን ኣብ ዝገበርዎ ዘካፈልዎ ስብከቶም ቃል ኣምላኽ፣ ብዛዕባ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ከም ንጡፋት ማሕበረሰብ ኣመንቲ መጠን ንዃኖም ኣስተንቲኖም። "ኣብ ውሽጥናን ኣብ ዙርያናን" ብምዅዓት ናብ ክርስቶስ ክንጥምት እሞ፣ ከምቲ "ናይ ኣሽሓት ዓመት ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን" ዝምህረና "ብልግሲ ንምክፋል፡ ተልእኾ ኼስፋሕፍሕ፡ ክንሰብኽ፡ ነዚ ክብረ በዓል ክንጽንል ከምኡውን ነቲ "ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ዮሓንስ ላተራን ቀዳማይቲ መንበር ዚዀነሉት ሃዋርያዊት መንበር ክንሃንጽ ዘኽእል ሓቀይና ኣማኒ ማሕበረሰብ ክንሃንጽ ንኽእል ኢና” ክብሉ ተላበው።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቅድሚ 2,700 ሰባት ነቲ ብትእዛዝ ሮማዊ ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ፣ ንክርስትያን ምእመናን ብ313 ዓ.ም. ናይ ኣምልኾ ናጽነት ድሕሪ ምሃቡ እተሃንጸ፣ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ከኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሲልቬስተር ቀዳማይ ዝባረኸዎ ኣገዳሲ ታሪኽ ካቴድራል ዘከሩ። ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እዛ "ኣደ ዅለን ኣብያተ ክርስትያናት" ዝዀነት ቤተ ክርስትያን "ካብ ሓወልቲ ወይ ታሪኻዊ መዘከርታ ንላዕሊ እያ፣" የግዳስ "ምልክት እዛ ብእምነ መኣዝን ዝኾነ ክርስቶስ ኢየሱስ እተሃንጸት ህያው ቤተ-ክርስትያን" ምዃና ውን ኣጕልሑ። እዚ ኸኣ "ንሕና እውን 'ኣብዚ ኣብ ምድሪ ህያዋን ኣእማን' ምዃንና የዘኻኽረና ክብሉ ውን ኣመልከቱ። ኣብ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ ተሃኒጹ እዩ" ዝብለና ክብሉ ውን ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ኣዘኻኸሩ። ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብምጥቃስ ድማ "ቤተ-ክርስትያን፡ ማሕበር ኣመንቲ [ነዚ] ንባዚሊካ ላተራን ኣዝዩ ድልዱልን ዘደንቕን ደጋዊ መዋቕር ዝህብ' ማሕበረሰብ ቤተ-ክርስትያን ኢዩ።"
ኣሕዋተየ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ብትግሃት ክንዓዪ ኸለና ተሃዊኽና ወይ ላእሊ ላዕሊ ጥራይ ዝኾነ ፍረ ኣይንድለ ። በቲ መብዛሕትኡ ግዜ ቕልጡፍ ፍረ ዚሓትትን ነቲ ብትዕግስቲ ናይ ምጽባይ ጥበብ ዕሽሽ ዝብሎን ዓለማዊ መዐቀኒታት ከይተዓናቐፍና ኣዕሚቝና ደአ ንዅዓት።
ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ እተሳተፉ ብፁዕ ካርዲናል ባልዳሳረ ሬይና ጠቕላሊ ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ጳጳስ ሮማን፣ ሊቀ ኻህናት ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ዮሓንስ ላተራንን፣ ከምኡውን ብፁዕ ኣቡነ ሬናቶ ታራንተሊ ባካሪ ስዮም ጳጳስ ካምፕሊን ምክትል ዓቃቤ መንበር ሰበኻ ሮማን ነበሩ። ኣስታት 160 ካህናትን 10 ጳጳሳትን እውን ኣብቲ ክብረ በዓል ተሳቲፎም ነበሩ።
ኣብ ህንጸት ንምዕያይ፣ መጀመርያ ናብ ክርስቶስ ክንጥምት ኣሎና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስብከቶም ብምቕጻል፣ ብዛዕባ ምስረታ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ላተራን ብምስትንታን ጀመሩ። "ኣገዳስነቱ ንጹር ኢዩ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ቍሩብ ዘተሓሳስብ እዩ፣" ብምባል ውን ገለጹ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ፣ እቶም ነዚ ካቴድራል ሮማ ዝሃነጹ ሰባት፣ ንዅሉ እቲ ኻልእ ዝሰዓበ ነገራት ንምህናጽ እኹል ድልዱል መሰረት ኣንቢሮም ኢዮም፣ ብብዙሕ ጻዕሪ ኣዕሚቖም ብምዅዓት” ነቲ ህንጻ ምስ ግዜ ንኸይፈርስ ከም ዝተኸላኸሉሉ ውን ገለጹ። ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ኣገዳሲ ምሳሌ እዩ ዝነበረ፣ ምኽንያቱ ንሕና እውን "ኣብታ ህያው ዝኾነት ቤተ-ክርስትያን እንሰርሕ ሰራሕተኛታት፣ ዘደንቕ ህንጻታት ቅድሚ ምህናጽና ቅድም ቀዳድም ኣብ ውሽጥናን ኣብ ዙርያናን ኣዕሚቝና ክንኵዕት ኣሎና" በሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ካብቲ ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ዝጸሓፋ ቐዳመይቲ መልእኽቱ እተወስደ ካልኣይ ንባብ ናይ ዕለቱ መሥዋዕተ ቅዳሴ ውን ጠቒሶም፣ "ብዘይካ እቲ እተሰረተ ስሩት መሰረት፣ ሓደ እኳ መሰረት ከንብር ኣይክእልን እዩ። እዚ መሰረት እዚ ከኣ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ" በሉ።
እዚ ኸኣ ወትሩ ናብ ኢየሱስን ወንጌሉን ምምላስን፣ ንተግባር መንፈስ ቅዱስ እዙዛት ምዃንን ኢዩ ዘጠቓልል። እንተ ዘይኰይኑ ግን ኣብ ሓደ መሰረቱ ኣዝዩ ድኹም ዝዀነ፣ ክበድ ዘለዎ ህንጻን ካብ መጠኑ ንላዕሊ ብዝኾነ ነገራት ኽንመልኦ ንኽእል ኢና።
ቤተክርስትያን ከም ቦታ ህንጸት
ብድሕርዚ ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ እተነበ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል፣ ካብ ወንጌል ሉቃስ ተወስደ ቃል ኣምላኽ ኣስተንቲኖም። ኣብዚ ክፍሊ ወንጌል እዚ፣ እቲ ዘኬዎስ ዝስሙ "ሃብታምን ሓያልን ሰብኣይ፣ ንኢየሱስ ኪረኽቦ ብዝነብሮ ሃንቀውታ ተደሪኹ" ኣብ መንጎ እቶም ህዝቢ ንኢየሱስ ክርእዮ ናብ ኦም ከም ዝደየበ ዘከሩ፣ እዚ ኸኣ "ንሓደ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀረጽ ዝሰርሕ ሰብ፣ ነቲ ዚደልዮ ዘበለ ኩሉ ኸም ዝግብኦ ገይሩ፣ ኺረክብ ዝለመደ ሰብ ፍልይ ዝበለን ዘይግቡኦን ከም ምዃኑ ዘመልክት እዩ።" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ንዘኬዎስ "ኣብ ሓደ ኦም ምድያብ" ኪበሃል ከሎ፣ "ሓደ ናይ ገዛእ ርእሱ ድሩትነት ምዃኑን፣ ነቲ ትዕቢቱ ዜስዓቦ ዕንቅፋታት ክሰግር ዝገብሮ" ከም ዜመልክት ውን ሓበቱ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ከኣ ምስ ኢየሱስ ኪራኸብ ከኣለ፣ በዚ ኸምዚ ድማ "ሓድሽ ህይወት ከም ዚጅምረ" ዝሕብር እዩ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ዓብዪ ውጥን ኣምላኽ ክንካፈል ኪጽውዓና ኸሎ፣ ከም መሰረት መደባቱ ንምድሓን ብውሕሉል መገዲ ብምቕራጽን ብምሕረትን እዩ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ነቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዝገበርናዮ ጕዕዞ ንምግላጽ "ቦታ ህንጸት" ዚብል ምሳሌ ብተደጋጋሚ ኢዩ ዝጥቀስ። ብዛዕባ ንጥፈትን፡ ፈጠራን፡ ተወፋይነትን ከምኡውን ብዛዕባ ጻዕርን፣ ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ ኺፍታሕ ዘለዎ እተሓላለኸ ጸገማትን ከይተረፈ ውን ዚዛረብ ባህ ዜብል ምሳሌ እዩ።
ኣብ ሮማ፣ ዓብዪ ሰናይ ይበቍል ኣሎ
ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ምሳሌ ናይ ህንጸት "ነቲ ማሕበረሰብና በብመዓልቱ እናዓበየ ዝኸይደሉ ዘሎ ሓቀይናን ጭቡጥን ጻዕሪ እዩ ዜንጸባርቕ።" ኣብ ታሪኽ ቤተ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ላተራን እውን ከይተረፈ "ኣብ ዚካየድ ዘሎ ውጥናት ወሳኒ እዋናትን ዕረፍትን መአረምታታትን ከም ዝነበረ እውን ይዝክሩ። ይኹን እምበር ኣስዕብ ኣቢሎም "ሳላ ጽንዓት እቶም ቅድሜና ዝነበሩ ሰባት፣ ኣብዚ ዜደንቕ ቦታ እዚ ኽንእከብ ክኢልና ኣሎና" በሉ።
ኣብ ሮማ ሳላ ጻዕርታት ብዙሓት ሰባት ዓብዪ ረብሓ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ ። ውዕዉዕ ስምዒትና ምእንቲ ኸነማዕብልን ንድኻምና ምእንቲ ከነበራትኦን፣ ነዚ ሰናይ እዚ ኣፍልጦ ንኸይንህብን ክንዝክሮን ኪዓግተና ኣይንፍቀድ ። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብዛ በዓል እዚኣ ንቘልዑን ህጻናትን ክዛረብዎም ከለዉ ዝበልዎም ንዘክር፣ እዛ ባዚሊካ እዚኣ "ኣደ ኢያ! ኣደ ዅለን ኣብያተ ክርስትያናት" በዚ ኸምዚ እውን ቤተክርስቲያን "ኣደ" ምዃና ንዅላቶና ብዝያዳ ንጹር ይገብርዎ።
ኣስዕብ ኣቢሉውን ቤተ-ክርስትያን ሮማ ኣብዚ እዋን እዚ "ብጕዕዞ ሲኖዶውነት"፣ ነዚ ብኸመይ ትቃለስ ከም ዘላ ገለጹ፣ ኣብኡ ድማ "እቲ ንዓመታት ዝጸንሐ ዕዮ፣ እቲ ሕጂ ዝበሰለ 'ኣብ ባይታ' ክምርመርን ክግምገምን ኣለዎ። እዚ ኸቢድ ጕዕዞ ዘመልክት እኳ እንተዀነ፣ ተስፋ ክንቈርጽ ግን የብልናን" በሉ፣ ወሲኾም ድማ "ኣብ ክንዳኡስ ብሓባር ንምዕባይ ኣብ እንገብሮ ጻዕርታት ብተኣማንነት ክንቅጽል ኣሎና" በሉ።
ኣገዳስነት ሊጡርጊያ
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ንኣገዳሲ መዳይ ተልእኾ እዚ ካቴድራል" ማለት ሥርዓተ ሊጡርጊያ ኣጕልሑ፣ "እቲ ንጥፈታት ቤተ-ክርስትያን ናብኡ ዚመርሓሉ ጥርዝን . . . ምንጪ ዅሉ ሓይሉ ኻብኡ እዩ" በሉ። ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስብከቶም ዘስመሩሉ ኣርእስትታት ድማ ኣባኡ ዘተኮረ ኢዪ ዝንበረ - "ከም ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ከም ማሕደሩ ብመንፈስ ተሃኒጽና ንክርስቶስ ኣብ ዓለም ክንሰብኽ ኣባኡ ሓይሊ ንረክብ ኢና" ውን በሉ።
ስለዚ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ መንበር ጴጥሮስ ክንኮኖ ዘሎና ሓልዮት፣ ንብምሉኡ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብነት ክኸውን ክኽእል ኣለዎ። ምስቲ እተስርዐ መዐቀኒታት ተሰማሚዑ፣ ንእተፈላለየ ስምዒታት እቶም ተሳተፍቲ ኣቓልቦ ክግበረሉ ከምኡውን ነቲ ናይ ጥበባዊ ባህሊ መሰረታዊ ስርዓታት ክስዕቦ ኣለዎ (cf. ibid., 37-38)። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ነቲ ንነፍሳት እቶም ኣብኡ ብንጥፈት ዚሳተፉ ሰባት ብዙሕ መንገዲ ክጠቕም ዝኽእል ንትውፊታዊ ልምድታት ሮማውያን ውን እሙን ኪኸውን ኣለዎ። ክብሉ ተላበዉ!
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ "ጽባቐ ከንቱ ኢዩ ፍቕሪ ግን፣ እወ ፍቕሪ ህይወት እያ" ብምባል፣ ካብ ቃላት ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ብምጥቃስ "እዚ ሓቂ እዚ ብፍሉይ መገዲ ጐሊሑ ይርአ ኣሎ" ብምባል ውን ገለጹ። "እቶም ናብዚ መንበር ታቦት እዚ ካቴድራል ሮሜ ዚቐርቡ ሰባት፣ በቲ ጐይታ ንዓለም ኬጥለቕለቓ ዝደሊ ጸጋ መሊኦም ምእንቲ ክምለሱ፣ እቲ ገርሐይና ጽባቐ እዚ ጽምብላት እዚ፣ ንብምሉኡ ኣካል ጐይታ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣምልኾ ምእንቲ ኺገልጽ" ብኵሉ ጥንቃቐ ኺግበር ተስፋ ኸም ዚገብሩ ውን ገለጹ።
