ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ሓቂ፡ ፍትሒ፡ ምሕረት ኣብ ጽገና ውሳኔ ፍትሕ ኣገዳሲ እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 21 ሕዳር ምስ ምስጢረ ተክሊል ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቫቲካን ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ስልጠና ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 31 ጥሪ ንኣባላት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጉዳይ ምስጢረ ተክሊል ደያኑ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብዛዕባ ዕላማታትን ቀንዲ ለውጥታትን ተሓድሶን ኪህሎት ቃል ኪዳን ከም ዘስተንተኑ ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ብምንጽጻር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ናይቲ ዓውደ ስልጠና ቅዉም ሓሳብ ተመርኲሶም:- “ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ተሃድሶ ቀኖናዊ ፍርዳዊ መስርሕ ቃል ኪዳን፡ ስነ ዓቕለስያውን: ፍርዳውን: ከምኡውን ጒስነታውን መለክዒታቱ” የስተንትኑ።
ስኒት ናይ ሰለስቲኦም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መንጎ እዞም ሰለስተ ሸነኻት ማለት ኣብ መንጎ ስነ ዓቅለሲያውን ፍርዳውን ጒስነትን ዘሎ ርክብ ክንደይ ግዜ ከም ዝዝንጋዕ ኣጉሊሖም፡ እዚ እውን ቲዮሎጊያን ሕግን ጉስነትን ከም ዝተፈላለየ ክፍልታት ገርካ ናይ ምርኣይ ዝንባለ ዘስዕቦ” ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ሰለስቲኦም ንሓድሕዶም ዝጋጨዉ ገርካ ምርኣይ ልሙድ ይመስል፣ እዚ ኸኣ ካብቶም ሰለስተ ንሓደ ጥራሕ ሓያል ኣቀራርባ ምግባር ነቲ ካልኣ ዘለዎ ዋጋ ዘነክይ እዩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰለስቲኦም ከም ክፍሊ ሓደ ክውንነት ምዃኖም ምፍላጥ ንዝፈጥሮ ስኒት ከይረአ ይገብር፡ እዚ ድማ ንሓድሕዶም ተሟራኾስቲ ምዃኖም ዘይምፍላጥ ብቐንዱ ነቲ ሕጋዊ መዳይ ብምምእካል ብዛዕባ መርዓ - ምስጢረ ተክሊል ዝምልከት ክሂሎም ክኢላታት ጥራይ ዚሳተፉሉ ተግባራዊ ተግባራዊ ዝብል ኣርኣእያ ክዕብልል ይገብር። ኣብ ክሂሎት ምስጢረ ተክሊል ዓቕለሲያውን ቲዮሎጊያውን ጒስነታውን ክጣመር ኣለዎ” እንክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ክልተ መሰረታት
ክልተ ካብዞም ስነ ዓቕለሲያዊ መሰረታት ኣብ ቤተ ክርስትያን ፍርዳዊ መስርሕ ሓቂ ንምቅላዕ ዝጥቀሙሉ ቅዱስ ስልጣን ኪኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ዕላማ እቲ ንፍትሕ ዝምልከት መስርሕ እዩ። እዚ "ምስጢር ኪዳን ተኽሊል" እዩ።
እቲ ብዛዕባ ምጥቃም ስልጣን ምሕደራ ወይ ስልጣን ፍርዲ ዝምልከት ፍርዳዊ መዳይ ምሉእ ብምሉእ ምስቲ ዝሰፍሐ ክውንነት፡ ቅዱስ ስልጣን ጓሶት ቤተ-ክርስትያን እዩ።" ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ነዚ ስልጣን እዚ ከም ኣገልግሎት ገይሩ እዩ ዝገልጾ። ናይዚ ናይ ፍርዲ ስልጣን እዚ መሰረታዊ መዳይ ድማ ጒስነታዊ ኣገልግሎት እዩ - ኣገልግሎት ንሓቂ . . . ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ስድራ ቤት፡ ከምኡውን ማሕበረሰብ፡ መገዲ እምነትን ፍቕርን ምእንቲ ኺስዕቡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ - ክርስትያን ዘሎ ዅነታት ሓቅነት ኺህልዎ ኣለዎ። ኣብዚ መዳይ እዚ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ውልቃውን ሓባራውን መሰላቱ ክፈልጥ ይኽእል እዩ። ኣብ መስርሕ ቤተ-ክርስትያን እተኣወጀ ሕጋዊ ሓቂ፡ ሓደ መዳይ ናይ ህላወ ሓቂ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን እዩ፡ ብዛዕባ ፍትሕ ቃል ኪዳን - ሓዳር ዝምልከት ሰብኣዊ ፍርዲ ብሓሶት ምሕረት ክዕምጸጽ የብሉን . . . ዝኾነ ምስ ኣገልግሎት እቲ መስርሕ ንሓቂ ዝጻረር ተግባር ከም ዘይፍትሓዊ ክውሰድ ኣለዎ።” ይኹን እምበር ሓቀይና ምሕረት ኣብ ግቡእ ፍርዳዊ ስልጣን እዩ ክግበር ዘለዎ - ስለዚ ይፈታሕ ዝብል ውሳኔ ዝወሃቦ መውስቦ እቶም ወሰንቲ ደያኑ፡ ሰባት ነቲ ኣብ ሕልና ምእመናን ዘሎ ናይ ፍትሕ ሕቶ መልሲ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ። "ዕላማ እቲ ብዛዕባ ቃል ኪዳን - ሰብ ሓዳር ዝምልከት ናይ ፍትሕ ሕጋዊ መስርሕ ብዙሕ ግዜ ዝወስድ ንዓመታት ዝኸይድ ከይከውን ዝብል ዝተኣታተወ ሕዳሴ - ብዋጋ ሓቂ ኣይኰነን ክረጋገጽ ዘለዎ - እንታይ ደኣ ናይ ፍትሕን ምሕረትን መግለጺ እዩ ክኸውን ዘለዎ።
መሳርሒ ፍትሒ
ካልእ ፍሉይ ቲዮሎጊያዊ መሰረት ናይዚ ፍርዳዊ መስርሕ ፍትሕ ባዕሉ ሓዳር እዩ። ንሓቅነት ጭቡጥ መውስቦ ናይ ምድጋፍ ግዴታ ዝብል ምዃኑ ኣፍልጦ ኽንህብን እቲ Una caro - ሓደ ኣካል" ዝብል ምስጢራዊ ሕብረት ብሓቂ ህሉው እንተ ነይሩ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታ መመያ ምግባር ኣገዳሲ እዩ። እዚ ምስጢር እዚ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ዝዀነ ይኹን ርክብ እኳ እንተ ተበላሸወ ኣብ ብምሉኡ ምድራዊ ህይወት ዚቕጽል ምስጢር እዩ። ውሳኔ ፍትሕ - ምስጢረ ተክሊል ዘለዎ ቅዱስ ክብሪ ዝኽሕድ ኣይኮነን . . . ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብዝነበሮም ስልጣን መሰረት ብዛዕባ ሓዳር ዝምልከት ዘተኣታተውዎ ሕዳሰ “ኣብ መስርሕ ፍርዲ ንጉዳያት ፍትሕ ብዝለዓለ ደረጃ ሓቅነት ናይቲ ቅዱስ ማእስር” ምሕላው ዝጠልብ እዩ። መስርሕ ፍርዲ ከም መሳርሒ ፍትሒ እምበር ከም "ከቢድ ናይ ኣሰራርሓ ብቕዓት" ጌርካ ኺርአ ኸም ዘይብሉ ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብ ቤተ - ክርስትያንን ኣብ ሕብረተሰብን ፍትሒ እናረጋገጸ ኣብ ሓዳር ዝፍጠር ዘይምስምማዕ ብማእከላይነትን ብዕርቅን ንምፍታሕ ኣብ ስምምዕ ዘብጽሕ ክኸውን ኣተባቢዖም፡ ይኹን እምበር ፍርዳዊ መስርሕ ኣድላዪ ዝኾነሉ ኩነታት ምህላዉ ክዝንጋዕ የብሉን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ።
ክልተ ዝዓሞቐ ትርጉም ይገልጹ
እቲ ዓቕለሲያውን ፍርዳውን ሸነኻት ብሓቂ ክንበር እንከሎ፡ እቲ ጒስነታዊ ሸነኽ ይግለጽ። እቲ ናይ ፍትሒ ኣበርክቶኦም ሓደ ክፋል ናይቲ ንረብሓ ኣባይቲ ስድራ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ሽግር ዘለዉ ሰባት ናይ ምድንፋዕ ዕማም ምዃኑ ክርስዑ የብሎምን። እቲ ሰለስተ ማዕቅፍ salus animarum - ድሕነት ነፍሳት ናይቲ ላዕለዋይ ሕግን ናይ መወዳእታ ሸቶን ናይ ቤተ ክርስትያን ፍርዳዊ መስርሕ ብዛዕባ ሓዳር ምዃኑ እንደገና ንኸነረጋግጽ ዝመርሓና እዩ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።
