ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጳጳሳት ኣብ COP30: ንሕና ሓለውቲ ፍጥረት እምበር ገዛእቲ ኣይኮናን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኵነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራት - COP30 ዝበዝሕ ናይ ዘተ ግዜኡ ንደቡዊ ክፍሊ ዓለም እተወፈየ ኮይኑ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እውን ካብዚ ወጻኢ ኣይኮነትን፣ እስያ፣ ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ኩለን በብወገነን ብካርዲናላተን ኣቢለን ዝተወከላ ሃገራት ኣኼባታትን ጎናዊ ምርኢትን የካይዳ ኣለዋ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እውን ምስ ህዝቢ ደቡባዊ ዓለም ዘለዎም ቅርበት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእክቲ ኣረጋጊጾም፣ ንኹሎም እቶም ኣብ መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ሕቡራት ሃገራት - COP30 ዝሳተፉ ንዘለዉ ጳጳሳት፡ ምስቲ “ትንቢታዊ ድምጺ” ናይቶም “ተቐማጦ ዞባ ኣማዞን ህጹጽ ድሌት ክንክን ዘለዎ ህያው ምልክት ፍጥረት ኮይኑ ከም ዝቕጽልን ብቓላትን ብተግባርን ንዓለም ዝነገሩንን ዝነግሩን ዘለዉ ካርዲናላት” ሓቢሮም፡ “ካብ ተስፋ ምቑራጽ ተስፋን ተግባርን መሪጽኩም፣ ብሓባር ዝሰርሕ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ሃኒጽኩም - ቢሎም - ከምኡ’ውን ምዕባለ ይረአ ምህላዉ ተገንዚቦም፡ እዚ ግን “እኹል ኣይኮነን። ተስፋን ተወፋይነትን ብቓላትን ባህግን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብጭቡጥ ተግባራት’ውን ክሕደስ ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዝሓበረት ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ክብ በለም ፍራንቸስካ መርሎ ኣስዒባ፡ "ፍጥረት ኣብ ውሕጅ፡ ደርቂ፡ ህቦብላን ዘይሕለል ሙቐትን ምኽንያት ድምጺ ኣውያት የስምዕ ኣሎ፡ ካብ ሰለስተ ሰባት ሓደ ብሰንኪ እዚ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ኣብ ዓቢ ተቓላዕነት ይነብር፡ ንዓኣቶም ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ርሑቕ ሓደጋ ኣይኮነን፣ ነዞም ሰባት ሸለል ምባል ድማ ናይ ሓባር ሰብኣውነትና ምኽሓድ እዩ - ቢሎም - ወሰኽ ሙቐት ዓለም ትሕቲ 1.5 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ክኸውን ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ጠቒሶም፡ ግዜ ከይባኽን ተላብዮም፡ “ከም ሓለውትን ኣመሓደርትን ፍጥረት እግዚኣብሔር መጠን፡ ነቲ ብሓላፍነት ዝሃበና ህያብ ንምሕላው፡ ብእምነትን ብትንቢትን ብቕልጡፍ ክንዋሳእ ተጸዊዕና ኢና . . . ከም ዝበሉ ኣመላኺታ፡ ቀጺሎም ስምምዕ ፓሪስ ዛዕባ ከባቢያዊ ኣየር እውን፡ ሓቀይና ምዕባለ ከምዘርኣየ ኣስሚሮም፡ “ንሰባትን መሬትን ንምሕላው ዝሓየለ መጋበርያ እዩ። ግን ብቕንዕና ክንዛረብ ኣሎና፡ "እቲ ዝፈሽል ዘሎ ስምምዓትና ዘይኮነስ ኣብ እንህቦ መልስታትና ኢና ንፈሽል ዘሎና። እቲ ዝፈሽል ዘሎ ብቐዳምነት ፖለቲካዊ ድሌት እዩ። ሓቀይና መሪሕነት ማለት ኣገልግሎት፡ ከምኡ'ውን ለውጢ ብዘምጽእ ደረጃ ምድጋፍ ማለት እዩ። ዝሓየለ ናይ ከባቢያዊ ኣየር ተግባራት ዝሓየለን ርትዓውን ቁጠባዊ ስርዓታት ክፈጥር እዩ። ሓያል ናይ ከባቢያዊ ኣየር ተግባራትን መምርሕታትን - ክልቲኡ ኣብ ዝያዳ ፍትሓውን ዘላቕን ዓለም ዝግበር ወፍሪ እዩ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጣ።
ኣብ መደምደምታ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም፡ ንዕዮ እቶም ኣብ ጐድንና ኮይኖም ምሳና ሓቢሮም ዝጓዓዙ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገራትን እምነትን ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠትን መራሕትን ጓሶትን ዘኪሮም፡ ንሕና ሓለውቲ ፍጥረት ደኣ እምበር ገዛእቱ ኣይኮና፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ቅዱስነቶም ጳጳሳት ንዅሎም እቶም ተጋባእያን "ብድሕሪ ስምምዕ ፓሪስን ብድሕሪ ምትሕብባር ዛዕባ ከባቢያዊ ኣየርን ዘሎ ዘይናወጽ ሓድነት" ሓቢሮም ንጹር ዓለምለኻዊ መልእኽቲ ከመሓላልፉ ሓቲቶም፡ "እቲ ቤተ መዘክር ኣማዞን ደቂ ሰብ ካብ ምክፍፋልን ምክሕሓድን ምትሕብባር ዝመርጹሉ ቦታ የዘኻኽር" ከም ዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፍራንቸስካ መርሎ ካብ ብራዚል በለም ኣብ ዘመሓላለፈቶ ጸብጻብ ተመላኽት።
