ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመንእሰያት፦ እደ ጥበብ ክርስትያናዊ እምነትና ክንነብር ክሕግዘና ይኽእል እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ኢንዲያናፖሊስ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ካቶሊካውያን ምስ ዝተሳተፉ 15 ሽሕ መንእሰያት ዕለት 21 ሕዳር ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ብምስማዐ ርእየት ኣገባብ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ቅዱስነቶም ካብ ቅዱስ ቁርባንን ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ክሳዕ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን መጻኢ ቤተ - ክርስትያንን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ሓሳቦም ከካልፍሉ ካብ መንሰያት ዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን፡ እቶም መንእሰያት ኣመሪካ ግዜ ወሲዶም ብኣካል ምራኻቦም ንኢዶም ንጡፋት ኣባላት ማሕበረሰቦም ኪዀኑ ድማ ከም ዘተባብዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ መደብ ነቶም መንእሰያት ኣብ ቅዳሴ ንኽሓብሩን ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቍርባን ከስተንትኑን ክጽልዩን ከምኡውን ምስጢረ ንስሓን ዕርቅን ንኽቕበሉ ኣጋጣሚ ዝኸፈተሎም ብምዃኑ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድማ እዚ ንጥፈት እዚ "ምስ ኢየሱስ ንምርኻብ ናይ ሓቂ ኣጋጣሚታት እዩ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ የመላኽት።
ህይወት ኣብ ቅዱስ ቁርባን
እታ ቀዳመይቲ ሕቶ ሕቶ ብዛዕባ ሓጢኣት ክንገብር ወይ ንኻልኦት ክንጎድእ ከሎና ምሕረት እግዚኣብሔር ምቕባል ዝምልከት ኮይኑ፡ ቅዱስነቶም ንኹሉ ሰብ ምሕረት እግዚኣብሔር ክሓትትን ብሓቂ ብንስሓ ምሕረቱ ከም ዝህበና ክቕበልን ከም ዝቃለስ ኣሚኖም። “ሓጢኣት ናይ መወዳእታ ቃል ኣይኮነን፡ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኣብ እንልምነሉ ኩሉ ይቕረ ይብለልና። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ እግዚኣብሄር ይቕረ ክብለና ኣይደክምን - ኣንሕና ኢና ኣብ ምሕታት ክንደክም እንኽእል!” ዝበልዎ ጠቒሶም፡ ልቢ ኣምላኽ ካብ ናትና ዝተፈልየ እዩ፣ ምኽንያቱ ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ክደሊ ስለ ዘይደክም - ቢሎም - ነቶም መንሰያት ኣብ ቅዱስ ቁርባን ምስ ክርስቶስ ክራኸቡ ዓዲሞም፣ ሓጢኣቶም ብግልጺ ብምእማንን ብሕድገት ካህን ይቕረታ ኢየሱስ ኣብ ምቕባልን ክተግሁ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምስ ጭንቀትን ጉዳያት ጥዕና ኣእምሮን ምቅላስ
ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ከም ጓህን ወይ ልዕሊ ዓቕምኻ ዝስምዓካ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ቃልስታት፡ ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፡ ጸገማቶም ንኢየሱስ ብጸሎት ሕድሪ ቢሎም ንዅላቶም ምስ ኢየሱስ ዓሚቝ ርክብ ክምስርቱ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ "ብጽሞና ብዛዕባ እቲ ኣብ ልብና ዘሎ ብቕንዕና ኽንዛረብ ንኽእል ኢና። ኣብ እዋን ቅዱስ ቍርባን ንኢየሱስ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ፣ ንሱ ድማ ብፍቕሪ ኸም ዚርእየካ ኽትፈልጥ ትኽእል - ምስ በሉ - ወሲኾም መንእሰያት እውን፡ እግዚኣብሔር ብኻልኦት ከም ወለዲ፡ መምህራን፡ ካህናት፡ ኣገልገልቲ መንእሰያት ኣቢሉ ከም ዝዛረቦም እምነት ዘንብሩሎም ዓበይቲ ሰባት ክረኽቡ ይግባእ። 'ህይወት ኣብ ዜደናግርን ኣብ ኣጸጋምን እዋን ንኢየሱስ ክንድለዮ' ዝድርኹና ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ውህበት ክጽገዎም ኪጽልዩ እውን ነቶም መንእሰያት ዓደሞም፡ ብዙሓት መንእሰያት 'ሓደ እኳ ዝርድኣይኒ የብለይን ከም ዝብሉ ድማ ኣስተብሂሎም፡ እዚ ሓሳብ እዚ ክንጽለካ ይኽእል እዩ" ይኹን እምነር ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ክመጸካ እንከሎ፡ ‘ጐይታይ ካብቲ ኣነ ንርእሰይ ዝርድኦ ንላዕሊ ንስኻ ትርድኣኒ’ ክትብል ፈትን፡ ንሱ ከም ዝመርሓካ ድማ ተኣማመን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
እምነትን እደ ጥበብን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ብዛዕባ እደ ጥበብ ኣብ እምነት ዘለዎ ጽልዋ ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምስሉ፡ ኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ርሒቖም ምስ ዝርከቡ ሰባት ንምርኻብ ዘመናዊ መሳርሒታት ጠቓሚ ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡ "እደ ጥበብ ብዙሕ ነገራት ክንገብር፡ ዋላ'ውን ብሓቂ ክርስትያናዊ እምነትና ክንነብር ክሕግዘና ይኽእል እዩ፡ ብተወሳኺ ንጸሎትን መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብን ብዛዕባ እቲ እንኣምኖ ዝያዳ ንምፍላጥን ዘደንቕ መጋበርያ እውን ክህበና ይኽእል እዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ነቲ ናይ ሓቂ ናይ ኣካል ርክባትን ተሳትፎን ኣብ ቅዱስ ቍርባን ኪትክኦ ኸም ዘይክእል ብምግላጽ፡ ንመንእሰያት ካቶሊክ ደይመደይ ኢሎም ኣብ መኸወሊ ምርኢት (ስክሪን) ዚገብርዎ ግዜ ኺጥቀሙሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ እደ ጥበብ ድማ ንህይወቶም ከም ዜገልግል ደኣ እምበር ብኣንጻሩ ኣይኰነን ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ናይ ዘመንና ገላጺ ባህሪ ኮይኑ ከምዘሎ ሓቢሮም፡ ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ምዕባለ ደህንነት ቀጥዕታት ምምዕባል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኩሉ መሳርሒ ንጉዕዞ እምነትናን ኣእምሮኣዊ ምዕባለናን ክድግፍ እምበር ክዕንቅፍ ከም ዘይብሉ ምስትውዓል ይግባእ። "ኣጠቓቕማ ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎ፡ ነቲ ሓቀይና ሰብኣዊ ዕብየትካ ከይድርቶ ምጥንቃቕ የድሊ። ጽባሕ እንተዝጠፍእ፡ ሕጂ'ውን ባዕልኻ ከመይ ጌርካ ከም እትሓስብ፡ ከም እትምህዝን ከም እትዋሳእን ምስትውዓል የድሊ። ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ነቲ ንዓለም ዘለኻዮ ፍሉይ ህያብ ፈጺሙ ክትክኦ ኣይክእልን እዩ” ከም ዝበሉ የመላኽት።
ናይ ቤተ ክርስቲያን መጻኢ
ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ናይ ቤተ ክርስቲያን መጻኢ ዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ኢየሱስ ንጴጥሮስ "ኣፍ ደገታት ሲኦል ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስትያን ኣይኪስዕርን እዩ" ኣንክብል ዝኣተዎ መብጽዓ ብምዝካር፡ ቤተ - ክርስትያን "ነቲ ኢየሱስ ሎሚ ካባና ዝደልዮ ብምቕጻል" ንመጻኢ ትዳሎ ኣላ፣ መንፈስ ቅዱስ ንቤተ - ክርስትያን ኣብ ክልተ ሽሕ ዓመታት ጕዳያትን ብድሆታትን ከም ዝመርሓ ድማ ኣረጋጊጾም፡ መንእሰያት መጻኢ ቤተ - ክርስትያን ጥራይ ዘይኰኑስ ህሉዋታ እውን እዮም፣ ኣብ ቅዳሴ ሰንበት ብምሕባር እምነቶም ከዕብይ ኣብ ዘኽእሉ ንጥፈታት ኪሳተፉ ተማሕጸኖም። "ጐይታ ናብ ሓደ ፍሉይ ነገር ይጽውዓካ ኸም ዘሎ እንተ ተሰሚዑካ ምስ ካህን ሰበኻ ወይ ምስ ካልእ እሙን ኣበ ነፍስ ተማኸር። ኣምላኽ እንታይ ከም ዚሓትት ንኸተስተውዕል ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።
ፈተውቲ ክርስቶስ፡ ልኡካነ ወንጌል
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ መጻኢ፡ መንእሰያት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ተስፋ ብምግላጽ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት እቲ ናይ መንሰያት ናይ መጻኢ ተስፋ ንኽቐርጻ መታን ክሕግዙ ዓዲሞም። ነቲ ኣብ ንእስነቶም ትርጉም ዘለዎ ነገር ክገብሩ ዝብል ድሌቶም ምላሽ ብምሃብ ካቶሊካውያን መንሰያት ንቤተ ክርስቲያን ንምህናጽ ግዜኦምን ክእለቶምን ብልግሲ ከቕርቡ ኣተሓሳሲቦም። "ንሓቅን ጽባቐን ሰናይን ኣዚና ንናፍቕ ኢና፡ ምኽንያቱ ንዓኣቶም ስለ ዝተፈጠርና። እዚ እንናፍቖ ሃብቲ ከኣ ስም ኣለዎ፡ ንሱ ድማ እቲ ኣባኻትኩም ኪርከብ ዚደሊ ኢየሱስ እዩ።”
መንእሰያት ፈተውቲ ክርስቶስን ገበርቲ ሰላምን “ኣብ ክንዲ መናድቕ ድልድል ዝሃንጹ፡ ኣብ ክንዲ ምፍልላይ ንዘተን ሓድነትን ዋጋ ዝህቡ” ክኾኑ ዝተጸውዑ ምዃኖም ኣዘኻኺሮም፡ "ብዛዕባ እምነት ንምዝራብ ፖለቲካዊ ምድባት ከይትጥቀሙ ተጠንቀቑ፡ ቤተክርስቲያን ኣካል ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነትን። እንታይ ደኣ ብጥበብን ብፍቕርን ክትሓስብን ክትዋሳእን ሕልናኻ ክትፈጥርን እትሕግዝ እያ” ምስ በሉ፡ ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ንካቶሊካውያን መንእሰያት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ሕይወቶም ንሓዳር ይኹን ክህነት ወይ ገዳማዊ ህይወት፡ ጻውዒት እግዚኣብሔር ክሰምዑን ጸዋዕታኦም ከለልዩን ዓዲሞም፣ “ካብ ወንጌል ንላዕሊ ህይወትካ ኣብ ምንታይ ኢኻ ከተወፍያ?” እንክብሉ ሓቲቶም፡ "ዓለም ልኡካነ ወንጌል የድልይዋ። ነቲ ኣብ ኢየሱስ ዝረኸብካዮ ብርሃንን ሓጎስን ክተካፍል ይግባእ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
