ር. ሊ. ጳ. ክብሪ ስደተይናታት ብምጕላሕ፣ ንኣቅዋም ጳጳሳት ሕ.መ. ኣመሪካ ደጊፎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሎም ሕቶታት እንክምልሱ፣ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት እተወስደ ስጕምትታት ኰኒኖም፣ ንሰባት "ብሰብኣውነትን ብኽብርን" ክሕዙ ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ኣብ ናይጀርያ ብእስላማውያን ጽንፈይናታት እንእተፈጸመ ቅትለት ክርስትያን ምእመናን እውን ኰኒኖም፣ ኣብ ዩክረይን "ሰባት በብመዓልቱ ዝቐትል ዘሎ" ተዅሲ ደው ክብልን፣ ዘተ ክግበርን ተስፋ ከም ዘለዎም እውን ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰሉስ ምሸት ካብቲ ኣብ ኩርባ ኣልባን ዝርከብ መንበሪ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝተመልሱሉ እዋን፣ ካብ ሰላም ኣብ ዩክረይን ክሳዕ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኩነታት ስደተይናታትን ከምኡ ውን ብዛዕባ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ናይጀርያን፣ ኣብ 2026 ክግበር ዝኽእል ጕዕዞታት ንዘቐረበሎም ሕቶታት መልሲ ክህቡ ኸለዉ፣ ወሲኾም ድማ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ "ንዕረፍቲ" ዘሕለፍዎ መዓልትታት ከመይ ከም ዝነበረ ውን መብርሂ ሃቡ።

ሰላም ኣብ ዩክረይን

ሎሚ ረቡዕ ኣብ ቱርኪ ብዛዕባ ናይ ዩክረይን ሩስያ፡ ናይ ሰላም ዘተ ንምቕጻል ሓድሽ ፈተነ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዘቕረቦ ኣማራጺ፣ ብዛዕባ እቲ ነቲ ኲናት ደው ንምባል፣ ዘሎ ተኽእሎን ጋዜጠይናታት ሓተትዎም።

"እዚ ጉዳይ እዚ ውሳኔ ክወስዱሉ ንዓታቶም ዝምልከት ኢዩ፣ ቅዋም ዩክረይን ድማ ኣዝዩ ንጹር እዩ" በሉ። "እቲ ጸገም ተዅሲ ናይ ምቍራጽ ውዕል ዘይምህላዉ እዩ። ነዚ ጕዳይ እዚ ብኸመይ ከም ዚፈትሕዎ ኺርእዩ ኣብ ዚኽእሉሉ ደረጃ ኣይበጽሑን ዘለዉ። እቲ ዜሕዝን ግና ሰባት በብመዓልቱ ይሞቱ እዮም ዘለዉ። ካብ ተዅሲ ምቍራጽ ብምጅማር ደሓር ከኣ ዝርርብ ክንገብር ኣለዎ ዝብል እምነት ኣሎኒ" ክብሉ ቅዱስነቶም መለሱ።

ኣብ ሕ. መ. ኣ. ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝውሰድ ዘሎ ስጕምትታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ብዕለት 13 ሕዳር ብጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ባልቲሞር ኣብ ዝገበተ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝወጸ መግለጺ እውን ርእይቶኦም ኣካፈሉ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ እዞም ጳጳሳት ነቲ ጃምላዊ ጥረዛ ስደተይናታት ነጺጎምዎ ኢዮም፣ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዅነታት ከም ዘተሓሳስቦም እውን ዝገለጹ ከምኡውን ሃገራዊ ድሕንነትን ሰብኣዊ ክብሪ ምሕላውን ዘይቃዶ ከም ዘይኰነ ዘረጋግጽ ጕስነታዊ መልእኽቲ ውን ኣመሓላለፉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ እዞም ጳጳሳት ዝሃብዎ መግለጺ ኣመልኪቶም "ኣዝዩ ኣገዳሲ" ኢዩ ብምባል ምስጋናኦም ገለጹ።

"ኵሎም ሰዓብቲ ካቶሊካዊ እምነትን ኩሎም ሰብ ሰናይ ፍቓድ ዝኾኑ ሰባትን፣ ነቲ ዝበልዎ እዞም ጳጳሳት ዝበልዎ ብጥንቃቐ ኪሰምዑ ኽዕድሞም እደሊ። ንሰባት ብሰብኣውነት በቲ ሰብኣዊ ክብሮም ክንሕዞም እንኽእለሉ መገድታት ከነናዲ ኣሎና ኢለ እየ ዝኣምን" በሉ።

"ሓደ ሰብ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብዘይሕጋዊ መገዲ ይነብር እንተ ኣልዩ፣ ነዚ ንምፍታሕ መገድታት ኣሎ፣ ኣብያተ-ፍርዲ ኣለዋ፣ ናይ ፍርዲ ስርዓት ውን ኣሎ። ኣብዚ ስርዓት እዚ ብዙሕ ጸገማት ከም ዘሎ እየ ዝኣምን። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክፉት ዶባት ክህልዋ ኣለዎ ዝብል ዋላ ሓደ ሰብ የለን፣" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም "ነፍሲ ወከፍ ሃገር መን ብኸመይን መዓስን ከም ዝኣቱ፣ ናይ ምውሳን መሰል ዘለዋ ይመስለኒ" ውን በሉ።

ይኹን እምበር ወሲኾም ቅዱስነቶም "ሰባት ግን ን10 ን15 ወይ 20 ዓመታት ብጽቡቕ ናብራ ኺነብሩ ኸለዉ፣ እንተ ወሓደ ብኣዝዩ ኣኽብሮት ብዘይብሉን ዓመጽ ብዘለዎን መገዲ ምስዳድ ዘሕዝን እዩ" በሉ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ "እቶም ጳጳሳት ሕ.መ.ኣ. ኣዝዮም ንጹር ዝኾነ ሓሳባት ኢዮም ኣቕሪቦም። ዅሎም ኣመሪካውያን ድማ ክሰምዕዎም እዕድሞም ኣሎኹ።"

ስደት ክርስትና ኣብ ናይጀርያ

ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዘቕረብዎ ጻውዒት ጥቒሶም ዝንበሩ ኣብ ናይጀርያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ምእመናንን ካልኦት ማሕበረሰብን ዝጸሉ ዘሎ ማዕበል ጽልእን ዓመጻን ብምጥቃስ፣ ብዛዕባ ዝፍጸም ዘሎ ስደት ክርስትና ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ኺህብ ከለው፣ ቅዱስ ኣቦና ከምዚ በሉ "ኣብ ናይጀርያን ኣብ ካልእ ዞባታትን ንክርስትያናን ምእመናን ንዅሎም ማሕበረሰባትን ሓደገይና ኢዩ፣ ብፍላይ ድማ ንክርስትያናትን እስላምን፡ ኢለ እየ ዝሓስብ” በሉ።

ግብረ-ሽበራ ምስ ቍጠባን ውግእን ከምኡ ውን ምስ ቍጽጽር መሬትን እተተሓሓዘ ምዃኑ ውን ገለጹ።

"እቲ ዘሕዝን ግን ብዙሓት ክርስትያን ምእመናን ይሞቱ ምህላዎም ኢዪ፣ መንግስትን ኵሎም ማሕበረሰብን ከኣ ሓቀይና ሃይማኖታዊ ናጽነት ዘስፋሕፍሑሉ መገድታት ምርካብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ ዝመስለኒ" በሉ።

ብዛዕባ ዝመጽእ ሓዋርያዊ ጕዕዞታት ቅዱስነቶም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብቛንቋ ስጳንይና፣ ብዛዕባ እቲ ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ልኡከ ወንገል ዀይኖም ዘገልገሊሉ ሃገረ ፔሩ ጀሚሮም ናብ ላቲን ኣመሪካ ጕዕዞ ክገብሩ ሓሳባት እንተ ኣለዎም ምስ ተሓቱ፦

"ኣብ ዓመተ ኢዮቤል መዓልታዊ ንጥፈታትና ንቕድሚት ነቐጽልን ነሰጕም ኢና ዘሎና፣ ንዓመታ ድማ ገለ መደባት ከነውጽእ ክንጅምር ኢና" በሉ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ቅዱስነቶም ኵሉ ሳዕ ጕዕዞ ኸም ዝፍተዎም ገልጹ።

እቲ ጸገም ዝኾነና ግን ምስ ኵሉ ተጸምዶታት መደብ ምውጻእ ምዃኑ ብምግላጽ፣ ናብ ፋጢማ፣ ጓዳሉፔ፣ ሜክሲኮን፣ ድሕሪኡ ድማ ናብ ኡራጓይን ኣርጀንቲናን ከምኡውን ፔሩ ክበጽሑ ሓሳባት ከም ዘለዎም ጠቒሱ።

ዕለታት ዕረፍቲ ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ሰሉስ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ግዜ ዕረፍቶም ብኸመይ ከም ዘሕለፍዎ ብምግላጽ፣ ንሃንቀውታ ጋዜጠኛታት ውን ኣዕጊቦም እዮም፦ "ቍሩብ ስፖርት፣ ገለ ንባባት፣ ገለ ቍሩብ ድማ ዕለታዊ ስራሕን፣ መልእኽት ምጽሓፍን ምቕባልን ተሌፎን ምድዋልን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት፣ ናይ እቶም ኣገዳስቲ ወይ ህጹጽ ዝዀኑ ጕዳያት፣ ከምኡ ውን ግለ ግዜ ጸወታ ቴንስን ምሕንባስ የካየድ እየ።"

እዚ ሰሙናዊ ዕረፍቲ እዚ ስለምንታይ ከም ዘድልዮም ብዝምልከት ድማ "ደቂ ሰብ ብሓቂ ንገዛእ ርእሶም ብግቡእ ክከናኸኑ ኣለዎም ዝብል እምነት ኣሎኒ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንስጋን ነፍስን ዝጠቅም ንጥፈታት ኪገብር ኣለዎ። ንዓይ ዕረፍቲ ኣዝዩ ጽቡቕ ኢዩ፣ ብዙሕ ውን ዚሕግዝ እዩ” ክብሉ ውን መብርሂ ሃብዎም።

ጕዳይ ጳጳስ ሰበኻ ካዲዝ

ምስ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ስጳኛ ድሕሪ ምርኻቦም ሓደ መዓልቲ ጸኒሖም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ጕዳይ ናይቶም ኣብ 1990ታት ብጾታዊ ዓመጻ እተኸሱ ኣቡነ ራፋኤል ዞርኖዛ ጳጳስ ሰበኻ ካዲዝን ሴውታን ውን ሕቶታት ቀረበሎም።

"ነፍሲ ወከፍ ጕዳይ ብንጹር እተሰርዐ ስርዓታት ፕሮቶኮላት ኣለዎ" በሉ። ብዛዕባ ጕዳይ ኣቡነ ዞርኖዛ "እቶም ጳጳስ ባዕሎም ምላሽ ኪህብን ንጹህ ምዃኖም ክሕብሩን ነበሮም። መርመራ ምስ ተኸፍተ ድማ ክቕጽል ክንፈቕደሉ ኣሎና፣ ኣብ ውጽኢቱ ተመርኲሱ ድማ ውሳኔታት ክህልዎ ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ብዛዕባ ሻቕሎት እቶም ግዳያት ክገልጹ ኸለዉ "ክዛረቡን ጕዳያቶም ከቕርቡሉን ዝኽእሉ ውሕስነት ዘለዎ ቦታ ክረኽቡ" ተስፋ ከም ዝገበሩ ውን ገለጹ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ "ነቲ ግዜ ዝወስድ መስርሕ ምኽባር ውን ኣገዳሲ እዩ። እንተዀነ ግን ነቲ ብስርዓተ ፍርዲ ንምስዓብ፣ ኣብዚ ጕዳይ እዚ፡ ነቲ ብቤተ-ክርስትያን ዝሰርዓቶ ስጕምትታት ምስዓብ ኣድላዪ ምዃኑ ኣቐዲምና ተመያይጥናሉ ኢና" ክብሉ ውን ኣመልከቱ።

19 Nov 2025, 15:24