ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ካሪታስ ምስ ጽጉማት ሰባት ቀረባ ብምዃን ንተኣማንነት ቤተክርስትያን ይምስክር
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኣባላት ወከልቲ ቤት ምኽሪ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ተቐቢሎም፡ “እቲ ትካል ግብረ ሰናይ ብስም መላእ ቤተ ክርስቲያን ዘቕርቦ ዘሎ ጽኑዕ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ኣገልግሎት” ኣመስጊኖም፡ ናይቲ ማሕበር ኣገልግሎት “ክርስቶስ ወትሩ ድኻታት፣ ውሁዳን፣ ንዝተደርበዩን ዝተጠንጠኑን እዩ ዝመርጽ ዝብል ኣዋጅ ቤተ ክርስቲያን ዘንጸባርቕ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ድኻታት ምምራጽ እዚ፡ "ኣብ ቅዱስ ቁርባን ባዕሉ ክርአ ይከኣል እዩ፡ ጎይታ 'ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም” (ዮሓ. 13, 1) - ቢሎም - ብዛዕባ ፍቕሪ ንድኻታት ዘስተንተኑሉ Dilexi te - ኣነ ኣፍቀርኵከ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ዘኪሮም፡ "ካብ ክርስቶስ እንረኽቦ ፍቕሪ ኩሉ ግዜ ኣብ ኢድና ዝተዋህበ ተልእኾ እምበር ናይ ብሕቲ ሃብቲ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ፍቕሪ ይልእኸናን፤ ኣገልገልቲ ይገብረና፤ ኣዒንትና ናብ ቁስሊ ካልኦት ይኸፍት" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብርሃናዊ ምልክት ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣደኣዊ ፍቕሪ
ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ፣ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ብርሃናዊ ምልክት ናይ ኣደኣዊ ፍቕሪ ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ፡ ኣባላቱ "ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኽብሪ ኣብ ምግልጋል ምስ ተካኢ ጴጥሮስ ሓቢሮም ክመላለሱ ድሉዋት ኮይኖም ደው ዝበሉ ምዃኖም" ኣመስጊኖም፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዓለም ንዕዮ ቤተ - ክርስትያን ዚድግፉ ሰለስተ ኣዕኑድ ማለት ሰላምን ፍትሕን ሓቅን እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘኪሮም፡ "ተልእኾኹም ነዚ ራእይ ዘቃልሕ ኮይኑ፡ ኣብ መዓልታዊ ዕዮታትኩም ድማ ብረቂቕነት ዘይኮነ ብጭቡጥ ትምስክርዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ጭቡጥ እምበር ረቒቕ ኣይኮነን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ "ንዝተመዛበሉ ኣባይቲ ስድራ ቅርበት፡ መሰል ድኻታት ጥብቅና፡ ወይ ንዝተረስዑ ዝሰምዕ ልቢ ኣብ እተቕርበሉ ቦታታት፡ ምስክርነት ቤተክርስትያን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ተኣማንነት ይረክብ፡ በዚ መንፈስ እዚ ድማ ንከባብያውያን ኣብያተ ክርስቲያን ምስናይኩም፡ ሕንጸት ዓለማውያን ምመናን መራሕቲ ከተሐይሉን ኣብ ውሽጢ ብዙሕነት ዘለዎ ውዳበኹም ሓድነት ክትሕልዉን ክትቅጽልዎን እላቦ" እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡ "ኣብ መንገዲ ከም ብጾት ብሓባር ክንከይድ እንኮለና፡ መንፈስ ቅዱስ ናይ ምሕረት ኣገልግሎትና ክቐርጽ ምስ እንፈቅድ ጥራይ እዩ፡ ተልእኾ ቤተ ክርስቲን ዝግለጽ - ቢሎም - ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ንኣባላት ካሪታስ "ናይ ተስፋ ነጋድያን ናይ ሰላምን ኣንጠረይናታት ሰላምን ክኾኑን ጐይታ ብውህበት ትብዓትን ጽንዓትን ሓጎስን ክባርኾም" ንኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደ ድኻታት ከም ዘወከፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
