ድለ

2025.11.13 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ሕመረት ናይ ራእየ ምስጢረ ሕይወት ሓድነት ምስ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ! 2025.11.13 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ሕመረት ናይ ራእየ ምስጢረ ሕይወት ሓድነት ምስ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ!  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ሕመረት ናይ ራእየ ምስጢረ ሕይወት ሓድነት ምስ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ናይ ቅድስትና ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት “ራእየ ምስጢርን ራእየ ምስጢራውነትን ተራእዮታት ቅድስናን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕተ ተጋባእያን ዕለት 13 ሕዳር ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 13 ሕዳር "እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስን ብፍላይ እቶም ቅዱሳን ቢላ ቤተ ክርስቲያን ንኽትወጆም ናይ ዝካየድ ቅድመ መጽናዕትን መርምርን መምዘኒ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ምሉእን ቀጻልን ጥምረት ዝነበሮም ድዮም” ዝብል ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ ብፍላይ ከኣ ራእየ ምስጢራውነት ፍጻመታት ዘሕለፉ ሰባት ኣማእኪሉ ዝካየድ መርመራ ጥንቁቕን ሚዛናዊ ገምጋምን ክህሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም ነዚ ቃለ ምዕዳን እዚ ዝለገሱ ነቶም ካብ 10 ክሳዕ 13 ሕዳር ናይ ቅድስትና ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት “ራእየ ምስጢርን ራእየ ምስጢራውነትን ተራእዮታት ቅድስናን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ተግባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ምዃኑ ኣመላኺቱ፡ “ብቐጻሊ ተወፋይነት፡ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያንን ቲዮሎጊያን መንፈሳውያን ጸሓፍትን እውን ኣብ ሃዋህው ጸሎትን ኣብ ዓሚቝ ምድላይ ኣምላኽን ክኽሰቱ ዝኽእሉ ሓቀይና መንፈሳዊ ተርእዮታት፡ ካብ መደናገሪ ክኾኑ ዝኽእሉ መግለጺታት ንምፍላይ መዐቀኒታት ከም ዘቕርቡ ኣዘኻኺሮም፡ “ኣብ ኣጉል ምትላል ንኸይውደቕ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመታት ብጥንቃቐ፡ ብትሑት መመያ ብመሰረት ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ምግምጋም የድሊ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓቀይና ዕላማ ኩሉ ግዜ ምስ ኣምላኽ ሕብረት እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መንጎ ራእየ ምስጢራውነትን ተርእዮታት ቅድስናን ዘሎ ርክብ “ካብቲ ናይ እምነት ተመክሮ እቲ ኣዚዩ ዝጸበቐ ሸነኻት እዩ” ብምባል ነቶም ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ኩሎም ነዚ ዓውዲ ኣብ ምዕባይ ንዝሰርሕዎ ዓሚቝን ትሕቱን መመያ ዝሓትት ስራሕ ኣመስጊኖም፡ “ብቲዮሎጊያዊ ኣስተንትኖን ስብከትን ትምህርተ ክርስቶስን ኣቢላ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕመረት ራእየ ምስጢራዊ ሕይወት ምስ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዓሚቝ ውሳጣዊ ርክብን ሓድነትን ዝብል ምዃኑ ተነጽር። ራእየ ምስጢራውነት “ብዘፍርዮ ፍረታት ዝግለጽ” “ፍጻመ ጸጋ” ምዃኑ ኣጉሊሖም፡ ነዚ ብዝምልከት ነቲ “ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኣይፍርን፡ ክፉእ ኦም’ውን ጽቡቕ ፍረ ኣይህብን እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ኦም ብዝህቦ ፍረ ይፍለጥ” ዝብል ወንጌል ሉቃስ ዝብሎ ጠቒሶም ምስ ኣብርሁ፡ “ስለዚ ራእየ ምስጢራውነት ካብ ተራ ርትዓዊ ፍልጠት ዝሰግር ተመክሮ ኰይኑ እዩ ዚልለ፣ እዚ ኸኣ ብሰንኪ ብቕዓት እቶም ዘስተማቕርዎ ዘይኰነስ: ብሰንኪ እቲ ብእተፈላለየ መገዲ ክግለጽ ዚኽእል መንፈሳዊ ውህበት ምዃኑ ከም ኣብነት ገለ ቅዱሳን ዘጋጠሞም ገለ ተርእዮታት ከም ብርሃን ዝህብ ራእይ፡ ብርቱዕ ጸልማት፡ መከራ ወይ ፍስሃ ጠቒሶም ምስ ኣብርሁ፡ እዞም “ፍሉያት ፍጻመታት ንባዕሎም ንራእየ ምስጢርን ቅድስናን ኣገዳስነት ዘይብሎም እዮም፣ ከም ንጽል መንፈሳዊ ውህበት፣ እቲ ሓቀይና ዕላማ ግን ምስ እግዚኣብሔር ሕብረት ኮይኑ እዚ ድማ ወትሩ ዝቕጽል እዩ፡” ንቅዱስ ኣጎስጢኖስ ኣብ መጽሓፉ እግዚኣብሔር “ካብ ዝለዓለ ደረጃይ ዝለዓለን ካብ ውሽጣዊ ነብሰይ ዝያዳ ዝወሰጠን እዩ” ዝበሎ ጠቒሶም ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣገዳስነት ሚዛን ሕይወት ቅዱሳን ኣብ ዝግምገመሉ እዋን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “እቲ ርእየ ምስጢራውነት ተመክሮ መለለዪ ክኸውን ዝኽእል ዘይተለምደ ተርእዮታት ቅድስና ናይ ሓደ ምእመን ንምልላይ መተካእታ ዘይብሉ ኩነታት ከምዘይኮነ” ኣጉሊሖም። ኣስዒቦም እዚ ፍጻመታት እዚ “ነቲ ጽቡቕ ባህርያት ከም ውልቃዊ ፍሉይ መሰላት ዘይኰነስ፡ ናብ ምህናጽ ምልእቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ምሥጢራዊ ኣካል ክርስቶስ ክሳብ ዝቐንዐ ከደልድሎ ይኽእል እዩ” ቢሎም፡

በዚ ኸምዚ ድማ ናይቶም ቅዱሳን ክኾኑ ዘለዎም ህይወት ኪግምግም እንከሎ ሚዛን ኪህሉ ተላብዮም:- “ኣብ ሕመረት መመያ” ኣብ ሕይወት ምእመናን “ብዛዕባ ቅድስናኦም ዘለዎም ዝና ምስማዕን ፍጹም ጽቡቕ ባህርያቶም ምምርማርን፣ ከም መግለጺ ዓቕለሲያዊ ሕብረትን ምስ እግዚኣብሔር ሓድነትን እዩ” ዘሎ። ነቶም ኣብ ምኽንያታት ንቕድስና ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ዝሰርሑ “ክቡር ኣገልግሎት” ዝፍጽሙ፡ “ንቅዱሳን ክመስሉ በዚ ኸኣ ነቲ ንኹላትና ከም ዝተጠመቑ ኣባላት ሓደ ህዝቢ ኣምላኽ ዝጥርንፈና ጸዋዕታ ከማዕብሉ” ምስ ተላበው ኣስዒቦም፡ ነታ በዓል ራእየ ምስጢር ቅድስቲ ተረዛ ዘኣቪላ ተወኪሶም ዝለዓለ ፍጽምና" ኣብ "ዓብዪ ምንጣቕ ኣብ ራእያትን መንፈስ ትንቢትን ዘይኰነስ ኣብ ክንዳኡስ ፍቓድና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ፍጹም ብምስምማዕ እዩ ዚርከብ፣ ስለዚ ነቲ ፍቓዱ ምዃኑ እንፈልጦ ነገር ብጽኑዕን ብትባዓት ብተመሳሳሊ ሓጐስ ንምቕባልን ምቁርን መሪርን እውን ይኹን ክንቅበል ኢና፣ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ! ከም ፍቓድካ ዝብል። ወሲኾም እዘን ቃላት እዚኣተን ምስቲ ኣብ ጥቓኣ ዝነበረ ካልእ በዓል ራእየ ምስጢራዊ ሰብ ቅዱስ ዮሓንስ ዘመስቀል ዘሕለፎ ተመክሮ ዝሰማማዕ እዩ” እብክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 Nov 2025, 15:36