ር.ሊ.ጳ. ልዮን፦ ኣብ ቱርኪ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ “ስነ-መጐት ውሑድነት” ተስፋ ክትገብር ዝ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ካቴድራል ዘመንፈስ ቅዱስ ንዝተኣከቡ ጳጳሳትን ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ኣባላት ጉስነታዊ ኣገልግሎትን ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ኣብዛ ሃገር ዕምቆት ታሪኽ ክርስትና ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ኣብዚ እዩ ኣብርሃም ብፍጹም ተእኣዝዞ ንእግዚኣብሔር ዝተበገሰ፣ ደቀ መዛሙርቲ መጀመርታ ክርስትያን ተባሂሎም ዝፍለጡ፣ ቀዳሞት ኣበው ቤተ ክርስቲያን ድማ መሰረታት እምነት ኣብ ምቕራጽ ከም ዝሓገዙ ዘኪሮም። እዚ ቅርሲ እዚ “ዝኽሪ ጥራይ ዘይኮነስ” ሎሚ ዝተሓደሰ ራእይን ተወፋይነትን ከነቓቕሕ ኣለዎ እንክብሉ ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኣብ ውሑድነት ዝርከብ ሓይሊ
ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ “መንገዲ ውሑድነት” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣማእኪሎም፡ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ብዝሒ ወይ ኣብ ጽልዋ ከምዘይምርኮስ ሓቢሮም፡ “ኣምላኽ መንግስቱ ንኸውርሰኩም ናቱ ባህታ እዩ - እዚ ኣረኣእያ እዚ ማሕበረሰብ - ዋላ ንውሑዳት - ተስፋ ብዘይ ምቝራጽ ብጽንዓት እምነት ናብ መጻኢ ክጥምቱ ዘኽእሎም ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ ድሮ ኣብ ቱርኪ ዝርከቡ ምልክታት ህይወት፡ እንኮላይ ብዛዕባ ናይ እምነት ሕቶታት ሒዞም ኣብ ኣፍደገ ቤተ ክርስቲያን ዝኹሕኩሑ መንእሰያት ምህላዎም ብምዝኽካር “ብሓጐስን ብተስፋ ዝመልኦ ጽንዓትን” ወንጌላዊ ምስክርነቶም ድማ የተባብዑ።
ቀዳምነታት ተልእኾ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተወፋይነት ቤተክርስትያን ብፍላይ ኣድላዪ ዝዀነሉ ኤቍመናውን ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ዚግበር ዘተ፣ እምነት ናብ ህዝቢ እቲ ከባቢ ምትሕልላፍ ከምኡውን ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ጒስነታዊ ኣገልግሎትን ዝብል ሓያሎ መዳያት ጠቒሶም፡ ብዙሓት ኣብ ጒስነታዊ መዳይ ዝዓዩ ንገዛ ርእሶም ካብ ካልኦት ሃገራት ከም ዝመጹ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ እዚ ሓቂ እዚ ወንጌል ኣብ ባህልን ቋንቋን ቱርኪ ብዚሰማማዕ መገዲ ምእንቲ ኺግለጽ "ንባህላዊ ልምዲ ፍሉይ ተወፋይነት ይሓትት፡” ንህላወ ብዙሓት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ከም ብድሆን ዕድልን ገይሮም ብምግላጽ፡ ቤተ-ክርስትያን ድማ ንገለ ካብቶም ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዉ ኣዝዮም ተነቀፍቲ ሰባት" ምቕባልን ምስናይን ክትቅጽል ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኒቅያን ናይ ሎሚ ስነ መለኮታዊ ብድሆታትን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንመበል 1700 ዓመት ዝኽሪ ቀዳማይ ኤቍመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ብምዝካር፡ ነዚ መሰረት ብምግባር ንዋናዊት ቤተ ክርስቲያን ኣገደስቲ ዝኾኑ ሰለስተ ብድሆታት እንከቕርቡ፡ መጀመርያ “ሕመረት እምነት ምሓዝ” ከምዘድሊ ኣጉሊሖም፣ እቲ እምነት ንሓድነትን መመያን ከም “ቡሶላ” ኮይኑ ከምዘገልግል መልኪቶም፡ እቲ ካልኣይ፡ “ሓድሽ ኣርዮሳውነት” እንክብሉ ዝገለጽዎ ዝንባለ ክኸውን እንከሎ እዚ ድማ ኢየሱስ ከም ታሪኻዊ ስእሊ ዝድነቕ ግን ከኣ ከም ህያው ወዲ ኣምላኽ ኣፍልጦ ካብ ዘይህብ ዝንባለ ኣጠንቂቖም ። ሳልሳይ፡ ብዛዕባ ምዕባለ ሰረተ እምነት እንከስተንትኑ፡ ነቲ ናይ ቀዳሞት ጉባኤታት ስሩዕ ምዕባለታት ብምዝካር፡ ስረተ እምነት ኣብ ዘይቅየር ሓቂ ሱር ዝሰደደ እኳ እንተኾነ፡ ርድኢት እናዓሞቐ ምስ ከደ ግን መግለጺኡ ከም ዘመዓራርዮ የረጋግጹ።
ፍሉጥ ኣገባብ ኣገልግሎት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መደረኦም ኣብ ምዝዛም፡ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ኣብ ቱርኪ ዘሕለፍዎ ዓመታት ብምዝካር፡ ንሃገረ ቱርኪ ዝነበሮ ፍቕሪን ተልእኾኦም ዝፍጽሙሉ ጽኑዕ ተወፋይነትን ኣቓልቦ ብምሃብ፡ ሎሚ እውን ኣብ ቱርኪ ዘገልግሉ ጓሶት ብተመሳሳሊ ተወፋይነትን ቖራጽነትን ክቕጽሉ “ናይ እምነት ሓጐስ” ህያው ብምግባር ብትብዓት ከገልግሉ ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
