ር.ሊ.ጳ.፡ ንሓድሕድና ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ምፍላጥ ጸረ መርዚ ኩሉ ዓይነት ጽንፈይነት እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኣብታ መጽሓፍ ዝኸተምዎ መቕድም ከምዚ ዝስዕብ ናባኹም ነብሎ . . .
ዓሰርተ ቃላት። ዓሰርተ ቓላት ብዙሕ እኳ እንተ ዘይኰነ ብዛዕባ ሃብታም ክርስትያናዊ ህይወት ንምዝራብ ከጀምር ዝኽእል እዩ። ስለዚ ነታ መጽሓፍ ዘንብቡ ሰባት ሓሳባዊ ዘተ ብምጅማር ሰለስተ ቀዳሞት ቃላት ክመርጽ እደሊ - ክርስቶስ ሓድነትን ሰላምን ዝብላ ቃላት። ኣብ ፈለማ ክርአ እንከሎ እዘን ቃላት እዚኣተን ዘይተሓሓዛ ንሓድ ሕዱ ዘይሰማማዕን ከምስል ይከኣል። ግን ከምኡ ኣይኰነን። ክቡራት ኣንበብቲ ናይቶም ቃላት ሓድሽነቱን ትርጒሙን ብሓባር ምእንቲ ኽርድእዎ ምሳኻትኩም ዝያዳ ከዕምቖ ዝደሊ ርክብ ክተኣሳሰር ይኽእል እዩ።
ብቐዳምነት ናይ ክርስቶስ ማእከልነት። ነፍሲ ወከፍ እተጠምቀ ሰብ ምስኡ ናይ ምርኻብ ውህበት ተቐቢሉ ብብርሃኑን ብጸጋኡን ተተንኪፉ እዩ። እምነት ብልክዕ እዚ ማለት ናብ መልእልተ - ባህርያዊ ኣምላኽ ንምብጻሕ ዚግበር ዓብዪ ጻዕሪ ዘይኰነስ ንየሱስ ኣብ ህይወትና ምቕባል ወጅሂ ኣምላኽ ካብ ልብና ኸም ዘይረሓቐ ምፍላጥ እዩ። ጐይታ ስሒራዊ ፍጡር ወይ ዘይፍለጥ ምስጢር ኣይኰነን። ንሱ ብኢየሱስ ናባና ቐረበ፣ በቲ ኣብ ቤት - ልሄም እተወልደ ኣብ የሩሳሌም ዝሞተ ተንሲኡ ሎሚ እውን ህያው እዩ። ሎሚ! እቲ ምስጢር ክርስትና ድማ እዚ ኣምላኽ እዚ ምሳና ሓድነት ኪህልዎ ኪቐርበና ዓርክና ኪኸውን ከም ዚደሊ እዩ። በዚ መንገዲ እዚ ድማ ንሱ ንኸውን።
ቅዱስ ኣጎስጢኖስ፦ "ኣሕዋተየ ጸጋ ኣምላኽ ኣብ ልዕሌና ዘሎ ተረዲእኩምዶ? ነዚ ተረዲእካዮዶ? ብግርምና ተመልኡ፡ ተሓጐሱን ተፈስሑን፤ ክርስቶስ ኰይንና ኢና። ንሱ ርእሲ እንተ ዀይኑ፡ ንሕና ኣካላት ኢና፡ እቲ ዅሉ ሰብ ንሱን ንሕናን ኢና”።ንሱ ርእሲ እንተ ዀይኑ ንሕና ኣካላት ኢና ኵሉ ሰብ ንሱን ንሕናን እዩ" (1) ዝበሎ ጠቒሶም፡ እምነት ክርስትና ብተመክሮ ሰብኣውነት ኢየሱስ ኣብ መለኮታዊ ህይወት ምስታፍ ማለት እዩ። ኣምላኽ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሰብ እምበር ኣምር ወይ ምስጢራዊ ነገር ኣይኰነን። ኣጉስጢኖስ ነዚ ዅሉ ኣብ ጉዕዞ ምልዋጡ ተመኪርዎ እዩ፣ ነቲ ምስ ክርስቶስ ዘለዎ ዕርክነት ክሳብ ክንደይ ሓያል ምዃኑ ብግብሪ ተንኪፍዎ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንህይወቱ ኣጸቢቑ ዝቐየረ "ክደልየካ ኸሎዅ ኣበይ ነይረ? ንስኻ ድማ ቅድመይ ኔርካ፣ ኣነ ግና ካብ ርእሰይ ርሒቐ እየ ዝነበርኩ። ንገዛእ ርእሰይ እውን ኣይረብክዋን፣ ንዓኻ እውን ኣይረኸብኩኻን” (2)።
ክርስቶስ መጀመርያ ሕብረት እዩ። ምሉእ ህይወቱ ድልድል ንምዃን ብዝነበሮ ፍቓደ ምልኩት እዩ፦ ኣብ መንጎ ሰብን ኣቦን ድልድል ኣብ መንጎ እቶም ዝረኸቦም ሰባት ድልድል ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ እተገለሉ ሰባትን ድልድል። ቤተክርስትያን እዚ ኣብ መላእ ታሪኽ ዝቕጽል ሕብረት ክርስቶስ እያ፣ በብበይኑ ዝዓይነቱ ሓድነት ዝነብር ማሕበረሰብ እዩ።
ኣጎስጢኖስ ምስሊ ስፍራ ኣታኽልቲ ተጠቒሙ ጽባቐ ናይቲ ናይ ገዛእ ርእሱ በበይኑ ዝዓይነቱ ንሓድነት ዝቃለስን ናብ ሕንፍሽፍሽ ዘይወርድን ማሕበረሰብ ምእመናን ንምብራህ ይጥቀመሉ፦ "እዛ ናይ ጐይታ ስፍራ ኣታኽልቲ ኣሕዋተይ እወ ንጽጌረዳ ሰማእታት ጥራይ ዘጠቓልል እይኮነን። ዕምባባታት ደናግልን ከምኡ እውን ሕድሪ መራዑትን ጥዑም ጨና ዘለዎ ወይናይ እምበባ መበለታትን እውን ዘጠቓልል እዩ። ብጸዋዕታኦም ተስፋ ዝቘረጹ ፍቑራት ሰባት ፈጺሞም የለዉን፣ ክርስቶስ ምእንቲ ዅላቶም መከራ ኣሕሊፉ እዩ። "ኵሉ ሰብ ኪድሕንን ናብ ኣፍልጦ ሓቂ ኺመጽእን ዚፈቱ" (1ጢሞ 2 4) ዝብል ሓቂ ተጻሒፉ ኣሎ (3)። እዚ ብዙሕነት እዚ ኣብ ሓደ ክርስቶስ ሕብረት ይኸውን። ባህርያትናን ባህላውን መልክዓ ምድራዊ መበቈልናን ቋንቋናን ታሪኽናን እናሃለወ ኽነሱ ኢየሱስ ሓድነት ይህበና እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ኣዕሩኽቱ ዝሰርዖ ሓደነት ምስጢራዊ ፍረ ዘለዎ ኮይኑ ንኹሉ ይዛረብ፦ “ቤተ ክርስቲያን ድማ ካብ ኩሎም ኣብ መንጎ ኣሕዋት ስምምዕ ዝሕልዉን ንጎረባብቶም ዘፍቅሩን እያ” (4) ።
ክርስትያን ኣብዛ ብብዙሕ ውግኣት ዝተለለየት ናይ ሎሚ ዓለም ናይዚ ስኒት፡ ሕውነትን ናይዚ ቅርበትን፡ መሰኻኽር ክኾኑ ይግባእ። እዚ ኣብ ብርታዐና ጥራይ እተመርኰሰ ኣይኮነን፡ እዚ ኣብ ሓይልና ጥራይ ዝምርኮስ ዘይኮነስ ካብ ላዕሊ ዝረኸብናዮ ህያብ እዩ፣ ካብቲ ብመንፈሱ ወትሩ ኣብ ጎንና ክኸውን ምዃኑ ቃል ዝኣተወልና እግዚኣብሄር፣ ኣብ ጎንና ክነብር እዩ: “ስለዚ ንቤተ ክርስቲያን እንተ ኣፍቂርና መንፈስ ቅዱስ ኣሎና” ዝብል ውህበት እዩ (5)። ዝተፈላለዩ ህዝብታት ዝነብሩላ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘልኣለማዊ ግርጭት ክንነብር ከምዘይተፈርደና ምልክት ክትከውን ትኽእልን ሕልሚ ዕርቂ ሰላማውን ስኒትን ሰብኣውነት ከተቃልሕ ትኽእል እያ። መሰረት ዘለዎ ሕልሚ ኢዩ፡ ኢየሱስ፡ ንሓድነት ገዛእ ርእሱ ናብ ኣቦ ዝገበሮ ጸሎት። ኢየሱስ ናብ ኣቦ እንተ ጸለየ ድማ፡ ንሱ ብሰላም ናይ ዓለም ህያብ ምእንቲ ክህበና፡ ካብኡ ንላዕሊ ክንጽሊ ኣሎና። ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ክርስቶስን ሕብረትን፡ ፍረ ካብ ዘይግቡእ ስልጣን ወይ ዓመጽ ዘይኮነ፡ ምስ ጽልኢ ወይ ሕነ ምፍዳይ ዘይተኣሳሰር ሰላም እዩ።
ምስ ቁስሊ ስቓዩ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝራኸብ ክርስቶስ እዩ “ሰላም ምሳኹም ይኹን” ዝበለ። ፍቕሪ ንውግእ ከም ዝስዕሮ፡ ሰናይ ጥራይ ንጥልመት ከም ዝፈትሕን ዘይጎነጻውነት ድማ ምጥቃም ስልጣን ብዘይግቡእ ከጥፍእ ከም ዝኽእልን ቅዱሳን መስኪሮም እዮም። ንዓለምና ክንጥምታ ኣሎና፣ ብቐጥታ: ድሕሪ ደጊም እቶም ዝበዝሐ ዘለዎም ኩሉ ግዜ ዝያዳ ከኻዕብቱ፣ ብኣንጻሩ ድማ እቶም ዝወሓደ ዘለዎም ድኻታት እናወሰኹ ዝኸዱሉ መዋቕራዊ በደላት ክንጻወሮ ኣይንኽእልን። ጽልእን ዓመጽን ኣብ መንጎ ሰባት ጸበባ ከስፍሕ ዝኽእል ሓደጋ ኣሎ፦ ናይ ሕብረት ባህጊ ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃንና ኣፍልጦ ምሃብ ፈውሲ ዅሉ ዓይነት ጸንፈይናነት እዩ።
ኣባ ክርስቲያን ደ ቸርጌ ኣብ ኣልጀርያ ኣበ ምንየት ገዳመ ቲብሂርነ ምስ 18 ባሕታውያን ካህናትን ደናግልን ኣብ ኣልጀርያ ናይ ደም ሰማእትነት ዝተቐበሉ ቤተ ክርስቲያን ብጽእና ዝኣወጀትሉ ምስቶ ኣሸበርቲ ብቐረባ ድሕሪ ምርኻቡ ካብ ክርስቶስ ዝተቐበሎ፡ ካብ ሕብረት ምስእኡን ኣብኡን ምስ ኩሎም ደቂ ኣምላኽን፡ ካብ ኣምላኽ ስለ ዝመጹ ክሳብ ሕጂ ዝዛረቡና ቃላት ናይ ምጽሓፍ ህያብ ተቐበለ። ድሕሪ ኸምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ፈተና ነየናይ ጸሎት ናብ ጐይታ ከቕርብ ከም ዚኽእል ንገዛእ ርእሱ እናሓተተ፡ ብዛዕባ እቶም ነቲ ገዳም ብዓመጽ ዝወረሩ ክዛረብ እንከሎ፡ “ዕጥቑ ኣፍትሓዮ ወይ ከኣ ንዓይ ዕጥቀይ ኣፍታሓኒ ኣብ ማሕበረሰብና ዕጥቅና ክም እንፈትሕ ግበር ቢለ ክሓት መሰል ኣለኒ ድዩ? ሕጂ እዚኣ ገርሀይና ጸሎተይ ንዓኻ አቕርባ ኣለኹ” እንክብል ዝጸሓፎ ጠቒሶም፡ ቅድሚ 1,600 ዓመት ኣቢሉ እብታ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ እትርከብ ሃገር ቅዱስ ኣጎስጢኖስ “ህይወትና ጽቡቕ ይኹን፤ ግዜ ድማ ጽቡቕ እዩ። ንግዜና ባዕልና ኢና እንፈጥሮ” (6) ቢሉ ከም ዝጸሓፈ ቅዱስነቶም ኣዘኻኺሮም። ንጸጋ ክርስቶስ ተቐቢልና መኣዛ ፍቕሩን ምሕረቱን ኣብ መላእ ዓለም ዘስፍሑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ክገብረና፡ ምስ ምስክርነትና፡ ብጸሎት ናብ መንፈስ ቅዱስ፡ ናይ ገዛእ ርእስና ግዜ ክንገብር ንኽእል ኢና። “ግዜና ንገብር”፦ ኣብ ቅድሚ እቲ እንርእዮ ዓመጽ ብተስፋ ምቑራጽ ኣይንሰዓር። ኣብ ጸልማት ታሪኽ ህያው ሃልሃልታ ሰላም ንኽበርህ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ በብመዓልቱ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ንለምኖ እንክብሉ ዝደረስዎ መቕድም ይዛዝሙ።
ከተማ ቫቲካን 16 ጥቅምቲ 2025 ዓ.ም
1 ቅዱስ ኣጎስጢኖስ፡ ጽሑፋት ብዛዕባ ወንጌል ዮሃንስ፡ 21፡8
2 ኑዛዜታት ቅዱስ ኣጎስጢኖስ, ራብዓይ ምዕራፍ, 2: 2
3 ስብከታት ቅዱስ ኣጎስጢኖስ, 304, 3
4 ስብከታት ቅዱስ ኣጎስጢኖስ፡ 359፡ 9
5 ቅዱስ ኣጎስጢኖስ። ጽሑፋት ብዛዕባ ወንጌል ዮሃንስ፡ 32፡ 8፡8
6 ስብከታት ቅዱስ ኣጎስጢኖስ, 80, 8
