ርክብን ናይ ሓባር ጸሎትን ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ኤቍመናዊ ፓትርያርክ ኣብ ኢስጣምቡል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቱርክን ሊባኖስን ኣብ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ምስ ናይ ቅስጥንጥንያ ኤቍመናዊ ፓትርያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ተራኺቦም ብሓባር ኣብ ኢስጣምቡል ኣብ ዝርከብ ፓትርያርካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ጸሎት ስብሓት ለእግዚኣብሔር ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቱርኪ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ዕደቶም ዕለት 29 ሕዳር ኣብ ፓትርያርካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ጸሎት ስብሓት ለእግዚኣብሔር ከም ዝሓበሩን ቅዱስነቶም ድሕሪ ኤቍመናዊ ፓትሪያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንኤቍሜናዊ ፓትርያርክ ቁስጥንጥንያ ባርቶሎሜዎስ ቀዳማዊ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ሰላምታ ስለ ዝተገብረሎም ምዉቕ ኣቀባብላ ልባዊ ምስጋና ኣቕሪቦም፡ ከምቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ኤቍመናዊ ፓትሪያርክ ዝነበሮም ሕውነታዊ ምትእስሳር ቀጻልነት ከምዘለዎ ኣጒሊሖም፡ “ኣብዛ ቤተ ክርስቲያን ምስ ኣተኹ፡ ኣሰር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16ን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ዝኽተል ምዃነይ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዓቢ ስምዒት ይስምዓኒ። ቅዱስነቶም ምስቶም ክቡራት ቅድመይ ዝነበሩ ብውልቂ ክራኸቡ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሓባራዊ እምነትን ናይ ሓባር ራእይን ዝተመርኮሰ ቅንዕናን ሕውነታዊ ምሕዝነት ምስኦም ከተማዕብሉን እቲ ንቤተ-ክርስትያንን ዓለምን ዘጋጥሞም ብድሆታት ክትገጥምዎ ከም እተጓዓዝኩም እፈልጥ እየ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ምጅማር ኣገልግሎቶም ከም ጳጳስ ሮማ ንፈለማ እዋን ምስ ኤቍመናዊ ፓትርያርክ ዝገበርዎ ርክብ ብምዝካር ዘለዎም ዕርክነት ዓሚቕ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ ማእከል ናይቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ዑደት መበል 1700 ዝኽሪ ቀዳማይ ኤቍመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ፍጻመ እዚ መሰረት ሓድነት ክርስትና ዘንበረ እዩ። ዕለት 28 ሕዳር ንግሆ ድማ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብእምነት መበል 1700 ዓመት ዝኽሪ ቀዳማይ ኤቍመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ክንዝክር እንኮለና ዘይተለምደ ናይ ጸጋ ህሞታት ከም ዘጋጠመና እአምን፡ ኩሎም ደቀ መዛሙርቱ ሓደ ክኾኑ” (ዮሃ 17፡21) ብዝብል ጸሎት ኢየሱስ ዝተደፋፍአ ዝኽሪ ናይቲ ጉባኤ፡ ኣብ መንጎ ኩሎም ክርስትያን ምሉእ ሕብረት ንምምላስ ዝተሓደሰ ቃል ኪዳን ከም ዘተባብዕ ኣስሚሮም፡ ንሃዋርያ እንድርያስ ሓላዊ ቅዱስ መንበረ ፓትርያርክ እውን ዘለዎም ክብሪ ኣቕሪቦም፡ ሰላምታኦም ብምዝዛም፡ ነቲ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ንኤቍሜንያዊ ፓትርያርክን ዝጥርንፍ ሓባራዊ ጉዕዞ እምነት ብምጉላሕ፡ ንፓትርያርክን ንኩሎምን ዕለት 30 ሕዳር ኣብ ክብረ በዓል ቅዱስ እንድሪያስ ሓላዊ ቅዱስ መንበረ ኤቍመናዊ ፓትሪያርክ ንዝሓብሩ እውን ሰናይ ትምኒቶም” ኣረጋጊጾም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ፓትርያርክ በርጠለምዎስ ቀዳማዊ ቅድሚ ናይ ብሕቲ ኣኼባ ምክያዶም ንክርስትያናዊ ሓድነትን ሰላምን ዘለዎም ሓባራዊ ቈራጽነት ዘረጋግጽ ሓባራዊ ናይ ኣዋጅ ሰነድ ከም ዝኸተሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ርክብን ናይ ሓባር ጸሎትን ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ኤቍመናዊ ፓትርያርክ ኣብ ኢስጣምቡል
29 Nov 2025, 17:41