ድለ

2025.11.17 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ መንእሰያት ቅዱስ ጽሑፍ ብቐሊሉ ክረኽቡ የድልዮም 2025.11.17 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ መንእሰያት ቅዱስ ጽሑፍ ብቐሊሉ ክረኽቡ የድልዮም  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ መንእሰያት ቅዱስ ጽሑፍ ብቐሊሉ ክረኽቡ የድልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ኣባላት ፈደራላዊ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ዕለት 17 ሕዳር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም፡ ንሊቃውንቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣገልገልቲ ጓሶትን ንቃል እግዚኣብሔር ቅልል ብዝበለ ንኹሉ ሰብ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ብስነ ኣሃዛዊ ጽፍሕታት ንመንሰያት ተበጻሒ ክገብሩ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 17 ሕዳር ምስ ኣባላት ካቶሊካዊ ፈደራላዊ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ተራኺቦም ንቃል እግዚኣብሔር ንዝገበርዎ ኣገልግሎት ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ ኣብ መደረኦም ብዛዕባ Dei Verbum - ቃለ እግዚኣብሔር ዶግማዊ (ሃምነናዊ) ቅዋም መለኮታዊ ግልጸት፣ ከምኡ’ውን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቅዱስ ጽሑፍ ኣብ ኩሉ ቦታ ብቐሊሉ ክርከብን ተበጻሒ ክኸውንን ዘቕረቦ ጻውዒት ከም ዘስተንተኑን፡ እቲ ሰነድ “ብርቱዕ ድሌት፡ ጽኑዕ እምነትን ጉስነታዊ ኣቀራርባን” ዘመሓላልፍ ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ "ኣስተምህሮ ሃይምነናዊ ቅዋም Dei Verbum - ቃለ እግዚኣብሔር  እዩ፡" ቃል ኣምላኽ ብኣኽብሮት ክንሰምዕን ብእምነት ክንሰብኽን ተጸዊዕና ኢና" ከምኡ'ውን 'ንዅሎም ክርስትያን ምእመናን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብቐሊሉ ኺረኽብዎ ኣለዎም' ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካቶሊካዊ ፈደራላዊ ማሕበር ቅዱስ መጽሓፍ ቃል ኣምላኽ ቀንዲ ኣካል ጉስነታዊ ኣገልግሎት ክገብሮን ንቤተ ክርስቲያን ከም ምንጪ ቀላሲ ሓይሊ ኣስተንፍሶ ገይሩ ከቕርቦን ዝጽዕር ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ነቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሊቃውንቲ ንተልእኾኦም ዘለዎም ተኣማንነት ከሐድሱ ዓዲምዎ፣ እዚ ድማ "ካብ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣዋጅ መደብ ምድሓን kerygma - ስብከተ ወንጌል ዚንእስ ኣይኰነን” ቤተ ክርስቲያን ንክርስቶስ ብትኩር ፍቕሪ ብምስማዕ ኩሉ ግዜ ምንጪ ህያውነታ ወንጌል ምዃኑ ተስተውዕል። “ካብ ወንጌል፡ ናይ ጒዕዞኣ ኣንፈት ብቐጻሊ ዳግማይ ትረከብ፡ ብመሪሕነት እቲ ንኹሉ ዝምህርን ወልድ ዝበሎ ኩሉ ዘዘኻኽረናን መንፈስ ቅዱስ - ቢሎም - “ቀሊል ተበጻሕነት” ዝብል ቃል ኣብ ግዜና እንታይ ማለት ምዃኑ” ድማ ከስተንትኑ ዓዲሞም፡ ምእመናን ምእንቲ ብውልቂ ምስቲ ብሰብኣዊ ቃላት ዚግለጽ ፍቕሪ ኣምላኽ ርክብ ከማዕብሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸንብቡ ክተባብዑ ከም ዘለዎም ብምዝኽካር፡ "ሎሚ ሓደስቲ ወለዶታት ኣብቲ ብቐሊሉ ቃል ኣምላኽ ሰፊሕ ሽፋን ኣብ ዝወሃበሉ ስነ ኣሃዛዊ ቦታታት ዘጽልሉ ብምዃኖም፡ ከምኡ እውን ሓደስቲ ማሕበረሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ወንጌል ዘይፍለጦ ወይ ብፍሉይ ረብሓታት ኣብ ዝዛባዓሉ ባህላዊ ቦታታት እዮም ዝርከቡ፡ ስለዚ ኣባላት ካቶሊካዊ ፈደራላዊ ማሕበር ቅዱስ መጽሓፍ ቤተ ክርስቲያን ቃል ኣምላኽ ሰሚዖም ንዘይፈልጡ ሰባት ብኸመይ ብዝበለጸ መገዲ ክትሕግዝ ከም እትኽእል ንገዛእ ርእሶም ክሓቱን፡ "እዘን ሕቶታት እዚኣተን ቃል ኣምላኽ ኣብ ልቢ ሰባት ሱር ክሰድድን ንኹሉ ብጸጋኡ ክነብርን ምእንቲ፡ ናብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ መንገድታት ክኸፍት ዝኽእል ሓድሽ መልክዕ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምብጻሕ ከነቓቕሓልኩም ተስፋ እገብር- ምስ በሉ - ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንኹሎም ክርስትያን “‘ህያው ቃል . . . ብመንፈስ ህያው ኣምላኽ እምበር ብቐለም ዝተጻሕፉ ከይኮኑ ዓዲሞም፣ ቃል ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቶም ንዓለምና ዝዕብልሉ ብዙሓት ድምጽታት ቀዳምነት ከም ዘለዎ ዝምስክሩ . . . ኣደ እግዚኣብሔርን ኣብ ማሕጸና ቃል ስጋ ዝኾነሉ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ናይ ምስማዕ ጥበብ ትምህረና፡ ንቃሉ ብምእዛዝ ኣበርቲዕና፡ ንጐይታ ከነዕብዮ ትመርሓና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 Nov 2025, 16:45