2025.11.24ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣገልገልቲ ማርያም፡ ተሰከምቲ ዕርክነትን ሰላምን ኩኑ 2025.11.24ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣገልገልቲ ማርያም፡ ተሰከምቲ ዕርክነትን ሰላምን ኩኑ  (@VATICAN MEDIA)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣገልገልቲ ማርያም፡ ተሰከምቲ ዕርክነትን ሰላምን ኩኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንማሕበር ልኡካነ ወንጌል ኣገልገልቲ ማርያም ኣብ መበል 215 ናይቲ ማሕበር ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ኣኼባ ተጋባእያን ዕለት 24 ሕዳር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ወንጌል ምንባር ብጽዑቕ ፍቕሪ ንኣምላኽን ንኻልኦትን ዝገልጽ እዩ እንክብሉ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምኽንያት መበል 215 ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ኣኼባ ናይ ማሕበሮም ንኽሳተፉ ሮማ ንዝኣተዉ ናይ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ኣገልገልቲ ማርያም ኣባላት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 24 ሕዳር ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ "ተሸከምቲ ምሕዝነትን ሰላምን ክትኮኑ ተጸዊዕኩም ኣለኹም" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ንእምነቶምን ኣገልግሎቶምን ብምንኣድ፡ ናብ መጻኢ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ናብ ኣናስሮም ምምላስ ከንጸባርቕ ኣተሓሳሲቦም፡ ንቤተ ክርስቲያን ምህብታም ክቕጽሉ ወንጌልን ናይ ቅዱስ ኣጎስጢኖስን ሕጊ ማሕበር ክሓቑፉ፡ ኣውያት ድኻታት ክሰምዑ ጸዊዖም፡ በዚ መንጽር ቅዱስ ጳውሎስ ንክርስቶስ ኣብ ምንባርን ንቃሉን ኣብነቱን ኣብ ምግዛእን ዘሎ ጽባቐ ከመይ ከም ዘድነቖ ኣዘኻኪሮም፡ ናይ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ምሕደራን ካብ ታሪኾም ዝመጽእ መንፈሳዊ ውርሻታትን "ቃል ኣምላኽ ዝብለኩም ብሓገዝ መንፈስ ከተንብብን ክትትርጉምን ዘኽእል 'ናይ ስነ ትርጉም መፍትሕ'" ዘቕርበሎም ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡  "ኣውያት ድኻታት ምስማዕ" ንኣባላት ሰብ ወፉይ ህይወት ዓቢ ትርጉም ክረኽቡሉ ዘኽእሎም ናይ ጸጋ ህሞት የቕርብ” ከም ዝበሉ የመላኽት።

ሕውነት፡ ኣገልግሎት፡ ማርያማዊ መንፈሳውነት

ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ሰለስተ "ኣብነታዊ" ትውፊቶም ማለት ሕውነት፡ ኣገልግሎትን ማርያማዊ መንፈሳውነትን ክኽተሉ ኣተሓሳሲቦም፡ ብሓደ "መስራቲ" ዘይኮነስ ብሓያሎ ብክርስቶስ ብጽኑዕ ዕርክነት ዝተጣመሩ ሰባት ከም ዝተመስረቱ ኣዘኻኺሮም፡ "ኣብቲ እንነብሮ ገድማዊ ህይወት እዚ ምልክት ናይ ሓደ ፍሉይ ዕማምን ጸዋዕታን እዩ፡ ብፍላይ ሰባት ብሰንኪ ግጭት፡ ሃብቲ፡ ባህላዊ ፍልልይ፡ ዓሌት ወይ ሃይማኖት ኣብ ዝገማምዕሉን፡ ሕውነት ንምንባርን ምምጻእን እዩ" እንክብሉ ኣስሚሮም፡ "ኣብዚ ኩሉ ኵነታት እዚ፡ ከምቲ እቶም ኣብ ከተማታቶም - ብጽልኢ ኣሕዋት እውን ዝተገማምዑ - ተሰከምቲ ዕርቅን ፍቕርን ዕርክነትን ሰላምን ክትኮኑ ተጸዊዕኩም ኣለኹም" እንክብሉ ገሊጾም፡ "ወንጌላዊ ህይወት ንእግዚኣብሔርን ንሰብኣዊ ፍጥረትን ፍቕሪ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ እዚ ድማ ንሰማይን ምድርን ብተመሳሳሊ ብጽዑቕ ምፍቃር ይመርሕ” ምስ በሉ ኣስዒቦም፡ "ኣብ ውሽጢ እዚ ሕብረት እዚ ጥራይ እዮም ሎሚ ከምቲ ሽዑ ሓው ወይ ሓፍቲ ዝያዳ ኣብ ዝቖሰለሉ ቦታ፡ ጎይታ ኣብ ዝደልየና ቦታ ክንህሉ ዘኽእሉ ቅኑዕ ምርጫታት ዝውለዱን ዝበስሉን።” በዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንድኻታት እንኮላይ ንስደተይናታትን እሱራትን ሕሙማትን ኣብ ምግልጋል ከምኡውን "ንፍጥረትን ንሰባትን ኣብ ዚሰርሑሉ ቦታታት ንምዕቋብ ኵለንተናዊ ምሉእ ውሁድ ስነ ምህዳር ንምድንፋዕ" ኣብ ዝገበርዎ ቘራጽነት ኣተባብዖም። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣባላት እቲ ማሕበር ንቅድስት ድንግል ማርያም ዘለዎም ዓብዪ ፍቕሪ ብምዝካር ንዓኣ ጸሎትን ተወፋይነትን ከማዕብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ሃዋርያዊ ቡራኬ ቕድሚ ምሃቦም፡ እታ ኣብ ትሕቲ መስቀል ብጽንዓትን እምነትን ህልውቲ ዝኾነት ማርያም "ኣብ ጥቓ እቲ ክርስቶስ ገና ኣብ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ዚሳቐየሉ ማእለያ ዘይብሉ መስቀላት ምጽንናዕን ሱታፌን ሓገዝን ክቡር እንጌራ ፍቕርን ከተቕርቡሎም ኣብነት ጽንዓት ትኹንኩም” እንክብሉ ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 Nov 2025, 16:54