ር. ሊ. ጳ. ምስ ድኻታት ኣብ ናይ ምሳሕ እንግዶት ተኻፊሎም፣ ነቶም ብውግእ ዝሳቐዩ ሰባት ውን ዘኪሮ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብታ ታሽዐይቲ ዓመት መዓልቲ ድኻታት ዓለም፣ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እተኻየደ ናይ ምሳሕ እንግዶት ንምስታፍ ዝመጹ ኣስታት 1,300 ዝኾኑ ኣጋይሽ፣ ማለት ድኻታትን ተመዛበልትን እተረስዑን ኣጋይሽ ዝርከብዎም ነበሩ።
እቲ ዝቐርብ ምግቢ ናይ ፍቕሪ መዓዲ እዩ ዝንበረ፦ ኣሕምልቲ፡ ላዛኛ፡ ጥቡስ ስጋ፡ ፍረታት ካብ ናፖልን ከምኡውን ምቁር ህብስትን ዘጠቓልል ነበረ።
ኣብ ሓደ ሰደቓ ድማ ሓንቲ መንእሰይ ሚስዮናዊት ኣገልጋሊት ግብረ ሰናይ ንሓደ ህጻን ብጡጦ ትምግቦ ነበረት፣ ናይ ገዛእ ርእሳ ብያቲ ላዛኛ ዝሓዘ ድማ ኣብ ቅድሚኣ ኣብ ሰደቓ ተቐሚጡላ ነበረ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ጸሎት መልኣከ እግዚብሔር ድሕሪ ምድጋሞም፣ ምስቶም ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣጋይሽ ኣብ መደብ ምሳሕ ንምስታፍ ናብቲ ኣዳራሽ መጹ።
"ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ ኣብቲ በዓል ጥዑም ዝኽሪ ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣዝዩም ዝብህግዎ ዝነበሩ መኣዲ ብዓብዪ ሓጐስ ንምስታፍ ኢና ኣብዚ እንእከብ ዘሎና" በሉ። እቶም ኣባኡ እተረኽቡ ድማ ብድሙቕ ጣቕዒትን ሓጐስን ተቐበልዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ንቪንሰንታያውያን ኣገልገልቲ ነቲ ምግቢ ብምድላዎም ኣመስገንዎም። ወሲኾም ድማ "ብሓቂ በዚ ናይ ምስጋናን ናይ ኣኽብሮትን መንፈስ መሊእና ኢና ዘሎና" በሉ።
ቅዱስነቶም ነቲ ዝቐረበ መኣዲ ቅድሚ ምብራኾም ድማ ገለ ሓሳባት ኣካፈሉ፣ ናብቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለው ስቓይ ዝበዝሖም ሰባት እውን ኣወፈይዎ።
"ነቶም ብዓመጻን ውግእን ጥሜትን ዝሳቐዩ ብዙሓት ሰባት እውን በረኸት ጐይታ ክካፈሉ ንጸሊ" በሉ። "ሎሚ ነዚ ምኣዲ እዚ ብመንፈስ ሕውነት ኢና እንሳተፎ ዘሎና" ክብሉ ውን ገለጽዎ።
ብሰብኣውነት ዝመልአ ኣዳራሽ
መበል 400 ዓመት መስራቲ ማሕበሮም ንምዝካር ወለንተኛታት ቪንሰንታውያን ኣገልገልቲ፣ ኣብ ዙርያ እቲ ኣዳራሽ ኣብ መንጎ እቲ ሰደቓታት ብፍጥነት ይንቀሳቐሱ ነበሩ፣ እናኣገልገሉን ብፍሕሽው ገጽ ምስቶም ኣጋይሽ ውን ይዋስኡ ነበሩ። ኣብቲ ኣዳራሽ ንነፍሲ ወከፍ ጋሻ ብሕታዊ ኽንክን ዝረኽበሉ መጋበሪታት ኣዳልዮም ነበሩ፣ እዚ ኸኣ ንእሽቶ ፓኔትቶነ ዚበሃል ባህላዊ ናይ ኢጣልያ ምቁር ሕብስቲ በዓል ልደት ዝሓዘ ውን ነበረ።
እቶም ኣጋይሽ ድማ ካብ ቀረባን ርሑቕን ካብ ከባቢ ሮማውያን ፕሪማቫሌ ካብ ናይጀርያን ዩክረይንን ካብ ኩባን ባርሴሎናን መጹ ኢዮም ዝንበሩ።
ኣገልገልቲ ግብረ ሰናይ ብዙሓት ኣዴታት ካብቲ ኣብ ወሰናስን ሮማ ዝርከብ መንበሪአን ኣምጺአን ውን ኣባኡ ተሳቲፈን ነበራ፣ ኣብኡ ኸኣ ኣብ እተፈላለየ ቅልውላው ህይወት ዚርከባ ደቂ ኣንስትዮ ተሳቲፈን ነበራ። ኣብ ሓደ ሰደቓ ሓንቲ ኣደ ንውላዳ ተጥቡ ነበረት፣ ገጻ ድማ ለውሃትን ድኻምን የንጸባርቕ ነበረ።
'ስራሐይ ሰኣንኩ ደአ እምበር ክብረይሲ ኣይሰኣንኩን'
ኣብ ካልእ ሰደቓ ድማ ሓንቲ ስንክልና ከም ዘለዋ ምስ ተፈልጠ፣ ካብ ደቡባዊ ኢጣልያ ዝመጸት ሰበይቲ ኣብ ጐድና ኮፍ ኢላ ከተገልግላ ተረኽበት። ንሳ ድማ "ኣብ ካፊተርያ እሰርሕ ነበርኩ" በለት። "ንመነባብሮይ ክዋጽኣሉ ኸም ዘይክእል ነጊሮምኒ ነበሩ፣ ከምኡ ድማ እዩ ነይሩ። ሕጂ ጓል ስሳ ዓመት እየ። ኣብ ዝረኸብክዎ ስራሕ ተቖጺረ ኢየ ዝደርሕ። ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ ብዛዕባ መነባብሮይ ግን እጭነቕ እየ፣ ኵሉ ሳዕ ድማ ፍሽኽ ክብል ኢየ ዝፍትን" ክትብል መስከረት።
ታሪኻ ድማ ንብዙሓት ካልኦት ሰባት ዜቃልሕ እዩ ዝነበረ፣ እዚ ኸኣ ፋብሪካታት ምስ ተዓጽወ ስራሕ ዝሰኣኑ ሰባት ወይ ከኣ እቲ ዚከናኸንዎ ዝነበረ ወላዲ ምስ ሞተ ኣታዊታቶም ከም ዝሰኣኑ ዝገልጽ ኢዩ ዝንበረ።
ይኹን እምበር ተስፋ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ዛንታታትን ምስክርነታትን ኢዩ ዝንጸባረኽ ዝንበረ። ኣብ ኣሲሲ ኣብ ዚርከብ መዕቈቢ ፍራንሲስካውያን እትሰርሕ ሓጋዚት ንኣገልግሎታ ኸምዚ ክትብል ትገልጾ፦ "ትርጕም ህይወት ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ እዩ ዝርከብ፣ ድኻታት ከኣ ንወንጌል ስጋ ኢይም ዘልብስዎ" ክትብል መስከረት።
'እምነት ንኽንቅጽል ይሕግዘና'
ኣብ ስግር ሓደ ሰደቓ ድማ ሓንቲ ኻብ ሶማልያ ዝመጸት ኣደ ብዛዕባ እቲ ነዊሕ ናይ እምነት ጕዕዞኣ ኣዘንተወት።
ጓል ዓሰርተው ክልተ ዓመት ከላ ናብ ሮማ ከም ዝመጸትን ምስ እተን ኣሓታ ዕቝባ ከም ዝረኸበትን፣ ብ2010 ድማ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ከም እተጠምቀት መስኪራ። ሕጂ ኸቢድ ሕማም ትቃለስ እኳ እንተ ሃለወት፣ ካብ ዋዛን ኣእዳዋ ጠቕሊላ ካብ ምስራሕን ግን ዓዲ ኣይወዓለትን።
ኣብ ጥቓኣ ድማ ሓንቲ ኣብ ልቪቭ እትነብር ሰበይቲ፣ ደቂ ሓትኖኣ ኣብ ግንባር ዩክረይን ይዋግኡ ኸም ዘለዉ ገለጸት። "ክንቅጽል ኢና፣ ካልእ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል?" ድማ በለት። "ናብ ገዛይ ክምለስ ዝኽእል እንተ ዀይነ ግን ኣይፈልጥን እየ" ክትብል ብዛዕባ ዘተሓሳስባ ኩነታት ገለጸት።
ፍራንቸስኮ ካርዲሎ፡ ቫርደል ውን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስነ-ጥበባዊ በዓል ጌታ፣ ብጸሊም ቀለም ዝመልአ ስእልታት ዝሓዘ መዝገቡ እናገላበጠ ኣርኣየ። "ገዛይ ተመንዚዐ፣ ብመታለልቲ ድማ ተዘሚተ" ክብል ሽግሩ ኣካፈለ። "ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለ ነገር ክስእል እደሊ እየ። ሓደ እዋን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተራኺበ ነይረ፣ ሕጂ ድማ ምስ እዚኦም ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተራኺበ" ክብል ዝተስምዖ ሓጐስ ገለጸ።
ኣብ ማሕበረሰብ ደገፍ ምርካብ
መንእሰያትን ወለንተይናታት ማሕበር ካሪታስን፣ ኣባላት ማሕበር ምእመናን ሰብ ውፉይ ሕይወት ነቲ ኣዳራሽ መሊኦምዎ ነበሩ፣ ነቶም ኣብ ሕዳጋት ሕብረተሰብ ዚነብሩ ሰባት ከኣ ይከናኸንዎምን ሓልዮት የርእይዎም ነበሩ።
ኣብ መኣዲ ሓንቲ ሰበይቲ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ክርህቦም ዝሓሰበቶ ናይ ፒኖኪዮ ኮሚካዊ መጽሓፍ ሒዛ ነበረት።
ኣብ ጥቓኣ ድማ ሓደ ካቶሊክ ዘይኰነ ኻብ ኮት ዲቭዋር ዝመጸ መንእሰይ ተቐሚጡ ነበረ ። "ኣብዚ ምርካብ ንዓና ጽቡቕ እዩ፣ ከም ኣብ ቤትና ዘሎና ዀይኑ እዩ ዚስምዓና ዘሎ" ክብል ውን መስከረ።
ሒደት ኮፍ መበሊ ርሒቐን ድማ ካብ ቺክለዮ ፔሩ ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ናይ ህይወተን ቓልሲ ኣካፈላ። ሓንቲ ካብኣታተን "ኣነ መበለት እየ" በለት። "ምስ ኣደይን ምስ ጓለይን እየ ዝነብር ዘለኹ። ንሓያሎ ዓመታት ህዝባዊ ኣባይቲ ሃገዝ ኽንጽበ ጸኒሕና ኢና፣ ሕጂ ኸኣ ዝርዝር ኣስማትና ወጺኡ ኣሎ። ስርሕ ክረክብ ውን ተስፋ ንገብር። ኣብዚ ኹሉ እታ ዘላትና እምነት ትሕግዘና እያ። ብሳላ ኢየሱስ እየ ብህይወት ዝነብር ዘሎኹ። ኣምላኽ ይመስገን ሕያዎት ሰባት፣ ሰብ ሰናይ ፍቓድ ዝኾኑ ሰባት ኣለዉ" ክትብል ውን መስከረት።
እቲ መኣዲ ምስ ተዛዘመ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እንደገና ደው ኢሎም፣ ነቲ ኻብ ናፖልዮ እተላእከ ፍረታት ዝመልአ ዘንቢል እናኣመልከቱ፣ ነቶም ኣጋይሽ ምሳታቶም ሒዞም ክኸዱን ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ ዝጽበዮም ዘሎ ህያብ እውን ክቕበሉ ኣተባብዕዎም።
