2025.11.17 Partecipanti al Corso di aggiornamento dei Responsabili DIocesani di Pastorale liturgica

ር. ሊ. ጳ.፦ ሊጡርጊያዊ ሥነ መዕበያ ‘ብሓድሽ መገድታትን ሜላታትን' ኪሕደስ ኣለዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምእመናን ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ መባእታዊ ደገፍ ንኽረኽቡን፣ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ኣምልኾ ዓሚቝ መረዳእታ ከም ዝህልዎም ንኽገብሩን፣ ንሥነ መዕበያ ናይቶም "ቃል ኣምላኽ ዝሰብኩ" ኣተባብዑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰኑይ፣ በቲ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥርዓተ ኣምልኾ ቅዱስ ሳንትኣንሰልም እተኻየደ ናይ ሰበኻውያን መራሕቲ ሊጡርጊያ ዓውደ ስልጠና  እተሳተፉ ኣካላት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን ኣብ ሰበኻታትን ቍምስናታትን ናይ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ትምህርትታት ከደንፍዑን፣ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ሥርዓት ኣምልኾ ዓሚቝ ምርዳእ ከማዕብሉን ኣተባብዕዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ተሳተፍቲ ኣብ ሓዋርያዊ ህንጻ ሓንጐፋይ ቢሎም ድሕሪ ምቕባል፣ እቲ ዝወሰድዎ ተበግሶ ንተልእኾ ናይቲ ንቤተ-ክርስትያን ዘገልግል ዘሎ ጳጳሳዊ ተቕዋም ቅዱስ ኣንሰልም ዘንጸባርቕ ምዃኑ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ “ሃሰስኩ ለብዎትክሙ” (Desiderio desideravi) ዘርእስታ መልእኽቶም ብዛዕባ ኣገዳስነት ሊጡርጊያዊ መጽናዕቲ ንምምዕባል ዘቕረብዎ ጻውዒት ዘከሩ። ነታ መልእኽቲ ብምጥቃስ ድማ "ነፍሲ ወከፍ ምእመን ብዛዕባ ስነ-መለኮታዊ ትርጕም ሥርዓተ ሊጡርጊያ ርድኢት ክህልዎ፣ ነዚ ፍልጠት እዚ ኻብ ሥነ-ትምህርታዊ ዓውዲ ወጻኢ ብዝቐለ መንገዲ ውን ናብ ኩሉ ክባጻሕ ኣገዳሲ እዩ" በሉ።

ሥነ-ሊጡርጊያውን ቅዱስ መጽሓፋውን መዕበያ ምድልዳል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ብደረጃ ኣከባቢያዊ ውዳቤ ሓድሽ ሊጡርጊያዊ ናይ ሥነ መዕበያ  ጻዕርታት ምክያድ ኣድላዪ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ። "ኣብ ሰበኻታትን ቍምስናታትን ከምዚ ዝኣመሰለ ሥነ መዕብያ የድሊ፣" ብምባል ቅዱስ መጽሓፋውን ሥነ-ሊጡርጊያውን ሥልጠናታት ዘየሎ እኳ እንተኾነ ክጅመር ከም ዘለዎ ኣመልከቱሎም።

ወሲኾም ድማ ቅዱስነቶም፣ እዚ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥርዓተ ኣምልኾ፣ ንገሊአን ኣከባቢያውያን ኣብያተ ክርስትያን ብዛዕባ ዕለታውን ናይ ሰናብትን ንባባት ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ምግላጽ ዝሕግዘን ከምኡውን ነቲ ቐጻሊ ሥነ መዕበያ ክርስትያናውን ሥርዓተ ኣምልኾኣውን መባእታ ምእመናን ክድግፍ ውን ተማሕጸኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምቕጻል ንኣመሓደርቲ ሰበኻውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ሥርዓተ ኣምልኾ ለበዋ ብምቕራብ፣ ነቶም ሰበኸቲ ቃል ኣምላኽ ዝኾኑ ጓሶት ፍሉይ ቈላሕታ ኺገብሩሎም ተማሕጸንዎም፣ ንመምህራን ሥርዓተ ኣምልኾ ድማ ዓሚቝ ምድላው ኣብ "መሰረታዊ ርድኢት ቅዱስ መጽሓፍን፣ ንጻሬ ቃላትን [ከምኡውን] ናይ ተሰጥዎ ቅዳሴ ዜማታትን ክእለት ክህልዎም" ኣብ ርእሲ እዚ ውን ንናይ ምእመናን ተሳትፎ ቅዳሴ ዜጠቓልል ስልጠናታት ክካየድ ተላበው።

ቀጻልነት ሥነ-መዕበያ ናይ ሊጡርጊያዊ ተሓድሶ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝነበረ እዋናት ኪሓስቡ ኸለዉ፣ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ኣብ ምድንፋዕ ብዙሕ ምምሕያሽ ከም እተራእየ እኳ እንተ ገለጹ፣ "ገና ብዙሕ ዝተረፈ መገዲ” ኸም ዘሎ ውን ኣፍልጦ ሃቡሉ።

“ኣይንድከም፣ ነቲ በዚ ተሓድሶ እዚ እተለዓዓለ ጽቡቕ ተበግሶታት ብሓድሽ ብርታዐ ተጸምዶ ንግበረሉ፣ ኣብ ገለ ገለ እዋናት ከኣ ሓደስቲ መገድታትን ሜላታትን ነናዲ" ክብሉ ውን ወሲኾም ተማሕጸኑ።

ንካህናትን ምእመናንን ቀጻሊ ሥነ መዕበያ ምሃብ ከምኡውን ምትሕብባር ናይ ሰበኻውያን ጕጅለታት ሥርዓተ ሊጡርጊያን፣ ኣዜምትን ዘመርትን ኣገልገልቲ መንበረ ታቦትን ዘጠቓልል ሓላፍነታት ናይ ሰበኻዊ ቤትጽሕፈት ሥርዓተ ኣምልኾ ምዃኑ ኣጕሊሖም።

ተልእኾኦም "ፍረ ዘለዎ ተሳትፎ ህዝቢ ኣምላኽን" ከምኡውን "ንእተፈላለየ ስምዒታት ኣቓልቦ ዝግበፍን ከምኡ ውን ኣብ ብሉጽነት ሥርዓታቱ ጥንቁቕ" ዝኾነ ሊቱርጊያ ንምምዕባል ምዃኑ ውን ኣመልከቱ።

ቍምስናዊ ጕጅለታት ሥርዓተ ሊጡርጊያ ምንቕቓሕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም ዝገለጽዎ፣ ኣብ ገሊኡ ማሕበራት፣ ህላዌ ሊጡርጊያዊ ጕጅለታት እናነከየ ወይ ከም ዝጠፍአ ምዕዛቦም ከም ዘተሓሳስቦም እውን ኣመልከቱ። ንመራሕቲ ድማ ንቍምስናታት ብሥነ-ሊጡርጊያ እንደገና ኣብ ምህናጽ ክድግፍዎም ኣተባብዕዎም፦ "ኣብዚ ህይወት ቤተክርስቲያን ዝኾነ ዓውዲ፣ ብቕዓት ዘለዎም ወይ እንተ ወሓደ ነዚ ዓይነት ኣገልግሎት እዚ ዝንባለ ዘለዎም ሰባት ብምህናጽ እንደገና ማራኺ ምእንቲ ክኸውን ክንዓዪ ኣሎና" ክብሉ ውን ተላበው።

ኣብ መወዳእታ ምስ ቆመሳት ብምትሕብባር ንመሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ምድላውን፣ ዜማታት ኣብ ምዝያምን፣ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣብ ምንባብን፣ ቅዱስ ቦታታት ኣብ ምስላምን ዝተግሁ ኣገልገልቲ ንምህናጽ ሓባራዊ ሓላፍነት ምውጻእ ስለዘድሊ፣ እተወፈዩ ጕጅለታት ሥርዓተ ኣምኾ ከቝሙ ዓደምዎም።

18 Nov 2025, 12:30