ድለ

ር. ሊ. ጳ. ልዮን፦ “መዘምራን ምልክት ሓድነት ቤተክርስትያን ንክዀኑ እተጸውዑ ኢዮም”

ትማሊ ሰንበት ኣብ ንግደት ኢዮቤል መዘምራንን ሙዚቀይናታትን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ንመዘምራን ኣገልግሎቶም ከም ምልክት ሓድነት ቤተ-ክርስትያን ገይሮም ክቕብልዎ ተማሕጺኖም፣ ከም ህዝቢ ኣምላኽ ብእምነት ብሓባር ክመላለሱን "ብሓድነት" ኪዝምሩን ተማሕጺኖም። ንሊጡርጊያዊ ዜማታት ንምላእ ቤተ-ክርስትያን ንቕድሚት ክትጐዓዝ ብምሕጋዝ ሓድነት ከማዕብል ከም ዘለዎ ድማ ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንደት ኢዮቤል መዘምራን ኣብ ሰንበት ክርስቶስ ንጉስ ክጽንብሉ እንከለኡ፣ ንመዘምራንን ሙዚቀኛታትን ኣገልግሎቶም ከም ኣገልግሎት ፍቕርን ሓድነትን ሲኖዳውነትን ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን እንደገና ኣፍልጦ ክህብዎ ዓደምዎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግ፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ምስባክ ካብ መዝሙር ዳዊት ብምስትንታትን ሥርዓተ ኣምልኾ "ምስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ እቲ ንጉስ ኣድማስ ዝኾነ ንምርኻብ ብውዳሰን ብሓጐስን ብሓባር ክንመላለስ ይዕድመና. . ." ክብሉ ኣዘኻኸርዎም።

ክርስቶስ ንንግስነቱ ብሓይሊ ዘይኰነስ ገዛእ ርእሱ ብምውፋይ እዩ ዝግለጽ፣ "ሓይሉ እቲ ዙፋኑ ዝኾነ ፍቕሪ ኸኣ መስቀል" እዩ፣ ካብኡ "መንግስቱ ኣብ ልዕሊ መላ’እ ዓለም የብርህ ኣሎ" ክብሉ ውን ኣስተንተኑ።

መዝሙር ከም መግለጺ ፍቕሪ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ንንግደት ኢዮቤል መዘምራንን ሙዚቀይናታትን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንእተረኽቡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ መዘምራን ኣብ ዘካፈልዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ቅዱስ መዝሙር ኣብ ምስጢር መለኮታዊ ፍቕሪ እተመስረተ ምዃኑ ገለጹ።

ንቅዱስ ኣጐስጢኖስ ብምጥቃስ ድማ "መዝሙር ናይቶም ዜፍቅሩ እዩ!" ብምባል ውን ኣዘኻኸርዎም። ኣስዕብ ኣቢሎም ውን፣ እቶም ዝዝምሩ "ነቲ ኣብ ልቦም ዘሎ ፍቕርን ከምኡ ውን ስቓይን ለውሃትን ትምኒትን ወሲኻ ይገልጹ" እዮም።

ቅዱስነቶም ኣስኢቦም፣ መስሙር ነቲ ቃላት ጥራይ ክገልጽዎ ዘይክእሉ ነገራት ዜመሓላልፍ ውህበት ደቂ ሰብ ምዃኑ ውን ኣመልኪቶም። ኣብ ህይወት ቤተ-ክርስትያን መዝሙር "እቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ናብ ኣቦ ዝዓርግ 'ሓድሽ መዝሙር' ይገብሮ"፣ ኣብኡ ድማ እቶም እተጠምቁ "ነቲ ሓጐስ ሓድሽ ህይወት ብክርስቶስ" ዘንጸባርቑ "ዘመርቲ ጸጋ" ኰይኖም ይሳተፉ ክብሉ ኣስተንተኑ።

ሲኖዶዳዊ ጉጅለ መዘምራን ብሓባር ይጕዓዝ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ወሲኾም፣ ንመዘምራን ዕዮኦም ከም ኣርኣያ ሓድነት ቤተ-ክርስትያን ገይሮም ክቕበልዎ ኣተባብዕዎም።

ካብ ቃልት ቅዱስ ኣጐስጢኖስ እንደገና ብምጥቃስ ድማ፣ ንመዘምራን ከምቶም ብተስፋ ብዘይ ምስልካትይ ዝጕዓዙ "ክንስጉሙ ከሎና ንዘምር" ክብሉ ውን ዓደምዎም። "ኣባል ጉጅለ መዘምራን ምዃን ክበሃል እንከሎ፣ ብሕብረት ንቕድሚት ምግስጋስ ማለት እዩ. . . ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ስቓዮም ነጸናንዖም፣ ጸገማት ክኸብዶም እንከሎ ድማ ነተባብኦም" ክብሉ ተላበውዎም።

ብተወሳኺውን ነቲ ብድምጺ ሓድነት ምልክት ስኒትን ውህደትን ቤተ-ክርስትያን ዝረኣየ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ብዓል ኣንጾክያ ብምዝካር፣ "ካብ ሓድነትኩምን ስኒት ዘለዎ ፍቕርኹምን ንኢየሱስ ክርስቶስ ዘምሩሉ. . . ንመዝሙር ኣምላኽ ድማ ብሓድነት ኣጽኒዕኩም ሓዝዎ” ክብሉ ተማሕጸንዎም።

ኣገልግሎት ጸሎት ደአ እምበር፣ ምርኢት ኣይኰነን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፣ ንኣባላት ጉጅለ መዘምራን ኣገልግሎቶም "ምድላውን ተጸምዶን ከም ዝሓትትን፣ ሓቀይና ኣገልግሎት ከም ምኹኑ መጠን ድማ. . . ልዕሊ ዅሉ ዓሚቝ መንፈሳዊ ህይወት ኣገዳሲ ከም ምኹኑን" ንኻልኦት ብመዛሙሮም ኣቢሎም ክጽልዩ ምእንቲ ኺሕግዝዎም እዩ ክብሉ ውን ኣመልከቱሎም።

ነቲ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝግበር መዛሙር ናብ ምርኢት ከይቅይርዎ ውን ኣጠንቀቕዎም፣ "ኣብ መድረኽ ኣይኰንኩምን ዘሎኹም፣ ክፍሊ እቲ ጉባኤ ኢኽም" ክብሉ ውን ተላበውዎም፣ ኣገልግሎትኩም እምበኣር፣ ምእመናን ምሉእ ብምሉእ ንኸይሳተፉ ዝዕንቅፍ "ትዕቢት" ዘይኰነስ፣ ሓድነት ንምምዕባል ጻውዒት ዘቕርብ ክኸውን ኣለዎ በሉ።

ንጉጅለ መዘምራን ውጥረት ክለዓለሉ ዝኽእል ሓደ "ንእሽቶ ስድራቤት" ምዃኑ እኳ እንተ ገለጹ፣ "ምልክት ቤተ-ክርስትያንን . . . ንኣምላኽ እናወደሰ ኣብ ታሪኽ ዝመላለስ" ኣብ መንጎ ፈተናታት እውን ከይተረፈ ብተስፋ ዝጕዓዝ እዩ ክብሉ ውን ገለጽዎ።

ቅድስት ሰቺልያ

ኣብ መድምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ንዅሎም መዘምራን ናብታ "ኣብ ህይወታ እቲ ኣዝዩ ሰናይ ዝኾነ መዝሙር ፍቕሪ ዘዕረገት. . . ንገዛእ ርእሳ ምሉእ ብምሉእ ንክርስቶስ ኣህሊፋ ዝሃበት" ቅድስቲ ሰቺልያ ኣወፈይዎም።

24 Nov 2025, 12:46