2025.11.26 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፦ ቲዮሎጊያ ንኹሉ መዳያት ስነ ፍልጠት ደቂ ሰባት ክድህስስ ኣለዎ 2025.11.26 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፦ ቲዮሎጊያ ንኹሉ መዳያት ስነ ፍልጠት ደቂ ሰባት ክድህስስ ኣለዎ  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፦ ቲዮሎጊያ ንኹሉ መዳያት ስነ ፍልጠት ደቂ ሰባት ክድህስስ ኣለዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ሰባት ነቲ ንቤተ ክርስቲያንን ንሰብኣውነትን ዘጋጥሞም ብድሆታት ብኸመይ ከም ዝገጥምዎ ብዝበለጸ ምእንቲ ክርድኡ፡ ተመራመርቲ ስነ - መለኮት ኣስተንትነኦም ኣብ ኩሉ ካልእ ስነ - ፍልጠት ከውዕልዎ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ኣባላት ናይቲ ኣብ 1969 ዓ.ም. ብሓልዮት ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዝቖመ ዓለምለኸ ቲዮሎጊያዊ ሽማግለ ተራኺቦም፣ ኣብ ሮማ ምሉእ ጉባኤኦም ኣብ ዘካየዱሉ እዋን ዕለት 26 ሕዳር ናይዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምልጋሶም ተቐቢሎም መደረ ከም ዘስምዑን እቲ ናይ ቲዮሎጊያ ሽማግለ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንዝኽሪ መበል 1700 ዓመት ቀዳማይ ኤቍመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ዝምርምር ዘውጸኦ ሰነድ ኣድናቖቶም ገሊጾም፣ ነቲ ጉባኤ ዝካየደሉ ቦታ ክበጽሑ ናብ ቱርኪየ ንዝገብርዎ ሓዋርያዊ ዑደት መንገዲ ዘዳሉ “ስልጣናዊ ጽሑፍ” እንክብሉ ገሊጾም፣ ነቶም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ነቲ ናይ ሰብኣዊ ስድራቤትን ቤተ ክርስቲያንን መንገዲ ዝሕብር “ሓድሽ ነገራት” ኣብ ናይ ምፍላጥ ተልእኾኦም ክቕጽሉ ኣተባቢዖም። “እዚኦም ምእንቲ ነቲ ብኣምላኽ ኣቦና ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ‘ሓንሳብ ንሓዋሩ’ ንዓለም ዝተዋህበ ብስራት ብመሃዛዊ ተኣማንነት ክንእውጅ ከም ህዝቢ ኣምላኽ ብህጹጽ ዝፈታተኑና ክውንነታት እያቶም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንኣህጉራዊ ሽማግለ ቲዮሎጊያ ዘስምዕዎ ምሉእ መደረ

ዓለም ለኻዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሽማግለ ንናይ ዓንቀጸ እመንት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ንኹሎም ጳጳሳት ኣብ ስነ መለኮት ርድኢትን ትምህርታዊ መምርሕን ትርጉማዊ ኣቀራርባን ናይ ምሃብ ሓላፍነት ኣለዎ፤ እዚ ተልእኾ እዚ ኣካል ክርስቶስ ንምህናጽ ዝሕግዝ እዩ ምስ በሉ፡ ቀጺሎም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ “መተካእታ ዘይብሉ ጽንዓት ስነ መለኮታዊ ኣገባብን ሰለስተ ተወሳኺ መዳያት ስነ መለኮታዊ ኣስተንትኖን ክጥቀሙ ተማሕጺኖም። ኵሉ ሳዕ ብዛዕባ "ካቶሊካዊነት እምነትና" ክሓስቡ፣ በቲ ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢለን ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ብዙሕ ባህላዊ ተመክሮታት ገዛእ ርእሶም ከሀብትሙ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ መላእ ቲዮሎጊያዊ ስነ-ፍልጠታት ብሓባር ምስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ እዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፎም ነቶም ካብ ኵሉ ባህልታት ንዝመጹ ሰባት ስብከተ ወንጌል ኣብ ግምት ብምእታው ቲዮሎጊያዊ ሓሳባት ብውጽኢታውን ሓቅን ንምግላጽ ይሕግዝ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ቀጺሎም ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ፣ ቅዱስ ቦናቨንቸር፣ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኲናስ፣ ቅድስቲ ተረዛ ዘ ሊሲዮን ቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማን ዝርከብዎም ናይቶም ዓበይቲ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብነታትን ኣስተንትኖታትን ኣገዳስነቱ ኣመላኺቶም፡ “ኣብኣቶም፡ ቲዮሎጊያዊ መጽናዕቲ ወትሩ ምስ ጸሎትን መንፈሳዊ ተመክሮን ዝተኣሳሰር እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ናይ እምነት ቀመር ዝገልጽ ሓተታ ክወርድ ዘይብሉ ግልጸት ምርዳእ ንምዅስኳስ መተካእታ ዘይብሉ ዅነታት እዩ ነይሩ ቢሎም፡ ምስ ወንጌል ዝሰማማዕ ሕይወት ጥራይ እዩ ምስክርነትና ብዛዕባ ክርስቶስን ተልእኾ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ቅድሚ እቶም እንልኣኾም ዜተኣማምን ኪገብሮ ዚኽእል ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“ከም scientia fidei  - ስነ ፍልጠት እምነት’፡ ቲዮሎጊያ ልዕሊ ኹሉ ናይ ምሕሳብ፡ ድሕሪኡ ድማ ነቲ ዘልኣለማውን ለውጢ ዘምጽእን ብርሃን ክርስቶስ ኣብቲ ዝቕየር መስርሕ ታሪኽና ናይ ምሕሳብን ምዝርጋሕን ዕማም እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ብዛዕባ “ካብ መጠን ንላዕሊ ዝኾነ መናፍቕነት ፍልጠትን ምዕጻው ስነ ፍልጠት ደቂ ሰባት ንስነ ፍልጠት ስነ ንገራውነትን (metaphysics) ዝነበሮም ስክፍታ ዘኪሮም፡ እዚ ናይ ፍልጠት ምክፍፋል እዚ ንባዕሉ ንስነ ፍልጠት ይኹን ንምዕባለ ህዝብታት ከይተረፈ ዝዕንቅፍ እዩ ቢሎም፡ "ከምቲ እምነት ዘየብርሆ ክእለት ዘየልቦ፡ ቲዮሎጊያ እውን ዕሽሽ ክብሎ ዝኽእል ስነ - ፍልጠት የሎን፡ ስለዚ ብግቡእ ብእተማልአ መጽናዕቲ ኣቢልካ ነቲ ንቤተ-ክርስትያንን ንደቂ ሰብን ብሓፈሻ ዘጋጥሞም ብድሆታት ንምስትውዓልን ንምፍታሕ ክቡር ኣበርክቶኹም ከተቕርቡ ተጸዊዕኩም ኣለኹም" እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

26 Nov 2025, 15:43