ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ተስፋ ኣብ ክርስቶስ ጥራይ እዩ፤ ንህይወትና ትርጕም ክህቦ ዝኽእል ዚኽእል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ ምስጢር ህይወት ኣስተንቲኖም፣ ንኻልኦት ህይወት ኣብ ምክፋልን ክንሳተፍ ከለና ፍቕሪ ኣምላኽ ንህይወትና ትርጕም ከም ዝህልዎ ይገብሮ ክብሉ ውን ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብቲ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህቶ ብዛዕባ ተስፋ ኣብ ህይወት ዘለዎ ትርጉም ብምግላጽ፣ ነቲ ንዓመተ ኢዮቤል እተወፈየ ክርስቶስ ተስፋ ኢዩ ዘርእስቱ ተኸታታሊ ኣስተምህሮ ገጺሎም።

ኣብ ምስጢር ህይወት ደቅሰብን ኣብ ህላወና እተኻተተ ንሓድሕዱ ዚጋጮን ተስፋ ኣተኲሮም ውን ኣስተምኃሩ።

 

ካብዚ ብምቕጻል፣ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቕርበልኩም።

 

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ብሩኽ መዓልቲ ይግበረልና!

ፋሲካ ክርስቶስ ንምስጢር ህይወት የብርሆ፣ ብተስፋ ድማ ክንርእዮ የኽእለና ኢዩ። እዚ ድማ ኩሉ ግዜ ተራን ግልጽን ኩነት ኣይኮነን። ኣብ ኵሉ ኽፍልታት ዓለም ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ኣድካምን ዘሳቕን ኪሰግርዎ ዘለዎም ጸገማትን ዕንቅፋታትን ዝመልአ ሕይወት ኢዩ ዝመስል። ደቂ ሰብ ግና ንህይወት ከም ውህበት ገይሮም እዮም ዚቕበልዎ ደአ እምበር ብገዛእ ርእሶም ዝደለይዎን ዝመረጽዎን ኩነት ኣይኮነን፣ ካብቲ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ንህይወት ከም ምስጢር ኢዮም ዝርእይዋ። ህይወት ናይ ገዛእ ርእሳ ፍሉይ ዝኾነ ኩነት ኣለዋ፦ ዝተዋህበትና ደአ እምበር፣ ብገዛእ ርእስና ክወስዳ እንኽእል ኣይኮነንትን፤ ግናኸ ብቐጻሊ ኽንከናኸና ኣሎና፣ ንምዕቃባን ሓይሊ ንምሃባን ንምዕቋባን ንምሕዳስን ክንክን ዘድልያ ድማ ኢያ።

እወ ህይወት ማለት ኣንፈት ተስፋ እዩ ዘመልክት። ተስፋ ድማ ኣብ ሽግር ከም እንመላለስ ዝገብረና ኣብ ጕዕዞ ድኻምና ውን ተስፋ ንኸይንቈርጽ ዝዓግተና እቲ ናይ ህላወና ጕዕዞ ኮይኑ፣ ናብ ገዛና ኸም ዚመርሓና ርግጸኛታት ዝገብረና ሱር ዝሰደደ ድራኸ ዀይኑ የገልግል። ተስፋ እንተ ዘይብልካ ህይወት ኣብ መንጎ ኽልተ ዘለኣለማዊ ለይትን ኣብ መንጎ እቲ ቕድሚኡን ድሕሪኡን ኣብ ምድሪ እንገብሮ ጕዕዞ ሓጺር ዕረፍቲ እዩ ዝመስል። ኣብ ህይወት ተስፋ ምግባር ክበሃል እንከሎ ኣብ ክንዳኡስ ነቲ ዕላማ ጕዕዞና ኣቐዲምና ምጽባይ፣ ነቲ ገና ኽንርእዮ ወይ ክንትንክፎ ዘይንኽእል ነገር ርግጸኛታት ምዃን ወይ ምእማን ከምኡውን ንገዛእ ርእስና ንፍቕሪ እቲ ብፍቕሪ ስለ ዝደለየናን ሕጉሳት ክንከውን ዝፈጠረና ኣቦ ብሕድሪ ምውፋይ ማለት እዩ።

ፍቑራተየ! ኣብ ዓለም ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ሕማም ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ህይወት ምትእምማን ዘይምህላው እዩ። ንገዛእ ርእስና ናብ ኣሉታዊ ጽሑፍታዊ ኣተሓሳስባ ብምእታው፣ ንኽሕደት ኢድና ኸም ዝሃብና ዝነበርና እዩ ዚመስል። ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ህያብ ምዃኑ ዘይኰነስ፣ ተስፋ ምእንቲ ኸይንቈርጽ ንገዛእ ርእስና ኸነዕቍበሉ እንኽእል መንገዲ ዘይንፈልጥን ዳርጋ ስግኣትን ኣብ ዝኾነሉ ኩነት ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ከምቲ መጽሓፈ ጥበብ (11፡26) ዝገለጾ፣ ብህይወት ዘንብርን፣ ህይወት ዝህብን ኣምላኽ ኢዩ፣ ንሱ ኣዝዩ ኣገዳስን "ህይወት ዚፈቱ" ምዃኑ ንምምስካር ትብዓት ክህልወና ኣለዎ፣ እዚ ድማ ሎሚ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ህጹጽ ጻውዒት ኰይኑ ኣሎ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ንሕሙማት ንምፍዋስ፣ ንዝቘሰለ ኣካላት ንምሕዋይ፣ መናፍስቲ ንምስጓግ ከምኡውን ንምዉታት ህይወት ንምሃብን ዘለዎ ሓልዮት ብቐጻሊ የረጋግጽ እዩ። ከምዚ ብምግባሩ እቲ ስጋ ዝለበሰ ወዲ ንኣቦ ይገልጸልና፣ ንሓጥኣን ከአ ክብሮም ይመልሶለም፣ ሕድገት ሓጢኣት ውን ይህብ፣ ንዅሎም ብፍላይ ከኣ ነቶም ተስፋ ዝቘረጹን እተገለሉን ካብቲ ናይ ምድሓን ተስፋኡ ዝረሓቑ ሰባት ከአ ኣብ ምድሓን የጠቓልሎም።

ክርስቶስ ካብ ኣቦ እተወልደ ህይወት እዩ፣ ብዘይ ገድብ ድማ ህይወት ብምፍጣር፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ህይወት ክሳዕ ኣሕሊፍይ ምሃብ በጽሐ፣ ንሕና እውን ብወገንና ህይወትና ክንህብ ይዕድመና እዩ። ምፍጣር ማለት ንኻልእ ሰብ ህያው ምግባር ማለት እዩ። ኣድማስ ህያዋን ከአ በዚ ሕጊ እዚ ምሉእ ኮይኑ ይርከብ፣ እዚ ድማ ኣብ ውሁድ ቅኒት ፍጥረታት ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ብዝፍጸም ዘደንቕ "ዕቤት" ክዉን ይኸውን፣ ኣምላኽ ብመልክዑ ኢዩ ፈጢርዎም፣ ብመልክዑ ማለት ድማ ብፍቕርን ኣብ ፍቕርን ናይ ምፍጣር ተልእኾ ብሕድሪ ምውፋዮም ማለት ኢዩ።

ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ቅዱሳት መጻሕፍቲ ህይወት ብልክዕ ኣብ ዝለዓለ መልክዑ ማለት ብሰብኣዊ ቅርጺ ውህበት ሓርነት ከም ዚቕበልን፣ ዝደንጹ ፍጻመ ኸም ዝኸውንን ይገልጸልና እዩ። በዚ ኸምዚ ሰብኣዊ ርክባት እውን ክሳዕ ሕውነት ከይተረፈ ዝበታተን ኮይኑ እዩ ዝቐረበ። ቃየል ንሓዉ ኣቤል ከም መቐናቕንትን ከም ስግኣትን ገይሩ እዩ ዚረኣዮ፣ ብስጭቱ ድማ ኬፍቅሮን ኬኽብሮን ከም ዘይክእል ኰይኑ እዩ ዚስምዖ ዝነበረ። ቅንእን ስስዐን ምፍሳስ ደምን ከአ ንርኢ (ዘፍ 4፡1-16)። ኣብ ክንዳኡስ ንርትዓዊ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ እተፈልየ እዩ። ኣምላኽ ወትሩ ንመደብ ፍቕሩን ህይወቱን እሙን እዩ። ኣሰር ኣሰር ቃየል ብምስዓብ ነቲ ኣብ ውግእን ኣድልዎን ዓሌታውነትን እተፈላለየ ዓይነት ባርነትን ዘሎ ዕሙር ባህርያት ዓመጻ ውን ክስዕብ እከሎ እውን ከይተረፈ ንደቂ ሰብ ካብ ምድጋፍ ኣየሰልክዮን እዩ።

እምበኣር ምፍጣር ማለት ኣብ ህይወት ኣምላኽ ምውካልን፣ ንደቂ ሰብ ብዅሉ መግለጺታቱ ምትብባዕን ማለት እዩ፣ ብቐዳምነት ኣብቲ ዘደንቕ ናይ ኣደነትን ኣቦነትን ሰውራ፣ ኣብቲ ስድራ ቤታት ጾር መዓልታዊ ናብራ ንምስካም ዚቃለሱሉን፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ መደባቶምን ሕልሞታቶምን ዚዕገቱሉ ማሕበራዊ ሃዋሁ እውን ከይተረፈ ማለት እዩ። ብመሰረት እዚ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ እዚ ምፍጣር ኪበሃል ከሎ ኣብ ሓድነት እተመስረተ ቝጠባ ቈራጽነት ምግባር ማለት ኢዩ፣ ኵሎም ደቂሰባት ማዕርነት ዝረኽቡሉ ሓባራዊ ረብሓ ንምርካብ ምጽዓር፣ ንፍጥረት ምኽባርን ምክንኻንን፣ ብምስምማዕን ብህላወን ጭቡጥን ስስዐ ዘይብሉን ሓገዝ ምውፋይ ውይ ምሃብ ማለት እዩ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዋላ እውን ጸልማት እከይ ንልብን ንኣእምሮን ኣብ ዝጸልወሉ እዋን፣ ኣብዚ ብድሆ እዚ ዚድግፈና ብርታዐ እዩ። ህይወት ከም ዝጠፍአትን እተቆጸየትን ምስ መሰለት፣ እቲ ዝተንስአ ጐይታ ክሳዕ መወዳእታ ዘመን ይነብርን፣ ምሳናን ምእንታናን ድማ ይመላለስ ኣሎ። ንሱ ተስፋና እዩ!

26 Nov 2025, 17:05