ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ኒቅያ ክርስትያን ኣብ ቅድሚ ዓመጽ፡ ግጭት ናብ ሓድነት ይዕድም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ መራሕቲ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ኒቅያ፡ ኣብታ ሎሚ ኢዝኒክ፡ ቱርኪየ ኣብ ኤቍመናዊ ጸሎት ከም ዝሓበሩን፡ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኩሎም ክርስትያን ድማ ሕውነታዊ ርክብን ዘተን ምትሕብባርን ዝብል መንገዲ ክስዕቡ ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብታ ጥንታዊት ኒቅያ  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ምስ ኣስታት 27 ካልኦት መራሕቲ ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓባር ኣብ ጽምብል ዝኽሪ መበል 1700 ዓመት ቀዳማይ ኤቍመናዊ ጉባኤ ከም እተኣተፉን፡

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሕሪ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶኦክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓታሪያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ኣገዳሲ ዝኽሪ ብሓባር ከብዕልዎ ናይ ቍስጥንትንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ “ዓቢ ጥበብን ኣርሒቕካ ምርኣይን” ዝዓሰሎ ንዘቕረብዎ ጻውዒት ኣመስጊኖም፡ ብተወሳኺ መራሕቲ ኣብያተ ክርስቲያን፡ ወከልቲ ዓለም ሓቆፍ ኣቢያተ ክርስቲያን ሕብረት ኣብቲ መደብ ብምስታፎም ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮም ቀዳማይ ኤቁመናዊ ዋዕላ ኒቅያ ኣብ 325 ከም እተኻየደ ብምዝካር፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ንዅሎም ክርስትያን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና መን ምዃኑ ንገዛእ ርእሶም ኺሓቱ ከም ዚዕድሞም ብምዝኽካር፡ “እዛ ሕቶ እዚኣ ብፍላይ ነቶም ንኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሓደ ዓይነት መስህባዊ መራሒ ወይ ልዕለ ሰብ ንምውራድ ሓደጋ ንዘእትዉ ክርስትያን ኣገዳሲት እያ፣ እዚ ኣብ መወዳእታ ናብ ሓዘንን ምድንጋርን ዝመርሕ ግጉይ ኣገላልጻ እዩ”  ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ።

እቲ ጉባኤ ነቲ ናይ እስክንድርያ ካህን ኣርዮስ ነቲ ክውንነት ስጋዌ ዕሽሽ ብምባል፡ ኢየሱስ ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ደቂ ሰባትን መንጎይና ጥራይ እዩ ዝብል ኮይኑ፡ ምሉእ ብምሉእ መለኮታዊ ኣይኮነን ብምባሉ መልሲ ንምሃብ ዝተኻየደ እዩ።
“እግዚኣብሔር ሰብ ካብ ዘይኰነ ግና ከመይ ገይሮም መዋቲ ፍጡራት ኣብቲ ዘይመውት ሕይወቱ ክሳተፉ ይኽእሉ?” እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሓቲቶም፡ “እቲ ኣብ ኒቅያ ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ፡ ሎሚውን ኣብ ሓደጋ ዝወደቕ ዘሎ፡ ኣብቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ‘ተኻፈልቲ መለኮታዊ ባህርይ’ ክገብረና ከማና ዝኾነ ኣምላኽ ዘሎና እምነት እዩ።”

ጉባኤ ኒቅያ፡ ነቲ ሕጂ ብኹለን ኣቢያተ ክርስቲያንን ክርስቲያን ማሕበረሰባትን ዝእመን ናይ ኒቅያ እምነት እንብሎ ጸሎተ ሃይማኖት ከምዝተሰማምዐ ኣዘኻኺሮም፡ምልክት እምነት ከምቲ ዝፍለጥ “ክርስትያን ናብ ምሉእ ሓድነት ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ጉዕዞ መሰረታዊ ኣገዳስነት ነይርዎ።”

“እምነት ‘ኣብ ሓደ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ፡ ቅድሚ ኩሉ ዘመናት ካብ ኣቦ ዝተወልደ  ምስ ኣቦ ዝሰማማዕ’ (ናይ ንቂያ ጸሎተ ሃይማኖት)፡ “ድሮ ንኹሎም ክርስትያናት ዝጥርንፍ ዓሚቝ ምትእስሳር እዩ።”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክርስትያን ነቲ ዝነበረ ናይ ሓድነት ጉዕዞን ማእስርን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዕምቆት “ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሓድሕዳዊ ፍቕርን ዘተን ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገልጸ ቃል ኣምላኽ ምጽናዕ” ከም ዘድሊ ዓዲሞም፡ ክርስትያን ምፍልላይ ብምስዓርን ኣብ ነንሕድሕዶም ብምትዕራቕን ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስን ንኹሉ ተስፋ ምእዋጁን ዝያዳ ተኣማንነት ዘለዎ ምስክርነት ክህቡ ይኽእሉ እዮም ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቅዱስነቶም ቀጺሎም ኣብዛ ብዓመጽን ግርጭትን ዝተመልአት ዓለምና ክርስትያናዊ ሓድነት ኣዝዩ ኣድላዪ ምዃኑ ከም ዘጒልሒ ኣፍሊጡ።

“ኣብ መንጎ ኩሎም ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣምኑ ዘሎ ድሌት ምሉእ ሕብረት ኩሉ ግዜ ምስ ምድላይ ሕውነት ኣብ መንጎ ኩሎም ደቂ ሰባት ዝተሰነየ እዩ - ብሄሮም፡ ዓሌቶም፡ ሃይማኖቶም፡ ወይ ውልቃዊ ኣረኣእያኦም ብዘየገድስ መሰልን ክብርን ኩሎም ሰባት ኣፍልጦ ክወሃቦም ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ንሓቂ ኣብ ምግልጋል ግደ ሃይማኖታት ኣስሚሮም፡ ውልቀ-ሰባት ዘተን ምክብባርን ክደልዩ ኣተባቢዖም። “ሃይማኖት ንምምኽናይ ውግእ፣ ዓመጽ ወይ ዝኾነ ዓይነት ኣኽራርነት ወይ ጽንፈይናነት ምጥቃም ብትሪ ክንነጽጎ ይግባእ፡ ኣብ ክንድኡስ እቲ ክንኽተሎ ዝግብኣና መንገድታት ሕውነታዊ ርክብ፣ ዘተን ምትሕብባርን ዝብል እዩ - ምስ በሉ - ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እግዚኣብሔር ኣቦ ንዝኽሪ መበል 1700 ዓመት ጉባኤ ኒቅያ “ብዙሕ ፍረ ዕርቅን ሓድነትን ሰላምን” ዘፍሪ ክኸውን ይሓግዝ” እንክብሉ ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 Nov 2025, 17:27