ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ጸሎት ምእንቲ እቶም ግጭት ኣብ ዝካየደሉ ከባቢታት ዝነብሩ ክርስቲያን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን፡ እቶም ኣብ ማእከል ውግእን ግጭትን ዝነብሩ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዘርኢ ሰላም ክኾኑ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ፍሉይ ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ናብ ቱርክን ሊባኖስን ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ዕለት 27 ሕዳር ቅድሚ ምብጋሶም፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስብ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ “ኣብ ግጭት ከባቢ ንዝነብሩ ማሕበረሰብ ክርስቲያን” ክጽለ ይዕድሙ።

"ኣብ ከባቢታት ኲናት ወይ ግጭት ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነብር ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዘርኢ ሰላምን ዕርቅን ተስፋን ክኾኑ ንጸሊ" እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ንወርሒ ታሕሳስ ብምስማዐ ርእየት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ተላብዮም፡ ብስቓይ እተኸቡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን "ለዋህ ህላወን ጸሎት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ብእምነት ምእንቲ ክስምዖምን ኣምላኽ ሕውነታዊ ማእሰር ከደልድሉን ተስፋን ድልድል ፍትሕን ምሕረትን ዚሃንጽ ዘርኢ ዕርቂ ኪዀኑ ኺሕግዞም” ንጸሊ እንክብሉ ዓዲሞም፡ ኵሎም ክርስትያም ብዛዕባ ስቓይ ካልኦት ማሕበረሰብ ክርስቲያን ሸለል ዝብሉ ዘይኮነስ፡ ሃነጽቲ ሓድነት ምእንቲ ክንከውን ክጽለይ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

'ኣብ ዝኾነ ይኹን ጸበባ ነቕ ዘይብል እምነት’

ወርሓዊ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ጸሎት ሓሳብ ብምስማዐ ርእየት ኣገባብ ዘቕርብ ዓለም ሓቆፍ መርበባዊ ማሕበር ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት፡ ነቲ ናይ ናይ ቅዱስነቶም ናይ ጸሎት ሓሳብ ምስቲ ኣብ ቱርክን ሊባኖስን ዝገበርዎ ምብጻሕ ብምትሕሓዝ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘይምርግጋእ ኣብ ዘለሉ እዋን እውን እንተኾነ፡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን፡ እምነት ምሕላው፡ ንድኻታት ምግልጋል፡ ምስ ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያንን እምነታትን ሰዓብቲ ብሓባር ድልድል ሓባራዊ ናብራ ምህናጽ ከየቋርጹ ቅዱስነቶም ዘቕረብዎ ጻውዒት ብምቅላሕ፡ “ብመሰረት ጸብጻብ ሃይማኖታዊ ናጽነት 2025 ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ጳጳሳቲ ትካል፡ ብዝሒ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝፍጸም ግጭታትን ኣብኡ ዘሎ ማሕበረ - ቁጠባዊ ኵነታትን ንውሁዳን ሃይማኖታትን: ብፍላይ ከኣ ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣዚዩ ዝትንክፍ እዩ።” ማሕበረሰብ ክርስቲያን  ኣብ “ማእከል ጸበባ እውን ከይተረፈ እምነቶም ዓቂቦም” ድሕሪ ናይ ቀረባ እዋን ውግኣት ናብ መነባብሮኦም ተመሊሶም ንኻልኦት ሰብኣውን መንፈሳውን ሓገዝ የቕርቡ ኣለዉ። “እዚ ድማ ከምቲ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላልፍዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ‘ኣብ ዝጸልመተ ግዜ ምንጪ ተስፋ’ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ምህላዉ ዘመልክት እዩ።”

ናይ ቅዱስነቶም ናይ ጸሎት ሓሳብ

ብደም ወድኻ ንዓለም ምስ ገዛእ ርእስኻ ዘተዓረቕካ ኣምላኽ ሰላም፡ ሎሚ ምንቲ እቶም ኣብ ማእከል ውግእን ዓመጽን ዝነብሩ ክርስትያናት ንጽሊ . . . ብቃንዛ ዝተኸቡ እውን እንተኾነ፡ ልኡም ሕያውነት ህላዌኻን ጸሎት ኣሕዋቶምን ብእምነት ካብ ምስማዕ ኣየቋርጹ። ከመይሲ ብኣኻ ጥራይ ኢዮም፡ ብሕውነታዊ ማእስር ጸኒዖም፡ ዘርኢ ዕርቂ፡ ብንእሽቶን ዓበይትን መንገዲ ሃነጽቲ ተስፋ፡ ይቕረ ክብሉን ንቕድሚት ክስጉሙን፡ ብምፍላይ ክጸንዑ፡ ብምሕረት ፍትሒ ክደልዩ ዝኽእሉ።

ጐይታ ኢየሱስ እቶም ንሰላም ዝሰርሑ ብፁዓን ኢሉ ከም ዝጽውዖም

ስኒት ዘይከኣል ኣብ ዝመስለሉ ቦታታት እውን ከይተረፈ፡ ናይ ሰላም መጋበርያ ግበረና።

መንፈስ ቅዱስ፥ ኣብ ዘመን ጸልማት ምንጪ ተስፋ፣

እምነት እቶም ዚሳቐዩ ኣጽንዕ ተስፋኦም ድማ ኣደልድል።

ኣብ ዘይምግዳስ ክንወድቕ ኣይትሕደገና፣

ከም ኢየሱስ ሃነጽቲ ሓድነት ግበረና።

ብዝብል ጸሎት ቅዱስነቶም ነቲ ናይ ወርሒ ታሕሳስ ዘመሓላለፍዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ይዛዝሙ።

27 Nov 2025, 16:54