ድለ

2025.11.13 ር.ሊ.ጳ.፡ ኣብ ዘመነ ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎ፡ ክብሪ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ንምሕላው ሕግታት የድሊ 2025.11.13 ር.ሊ.ጳ.፡ ኣብ ዘመነ ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎ፡ ክብሪ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ንምሕላው ሕግታት የድሊ  (@VATICAN MEDIA)

ር.ሊ.ጳ.፡ ኣብ ዘመነ ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎ፡ ክብሪ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ንምሕላው ሕግታት የድሊ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብቲ " ክብሪ ህጻናትን መንእሰያትን ኣብ ዘመነ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ" ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ንዝተሳተፉ ዕለት 13 ሕዳር ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ መንግስታትን ዓለምለኻውያን ትካላትን ሕግታት ሓለዋ ከዘምኑ ተላብዮም፣ ብተወሳኺ እውን ዓበይቲ ብዛዕባ ሓደጋታት "ብዘይ ደረትን ቍጽጽርን ኣቐዲምካ ኣብ ምስትውዓል ክህነጹ” ተስፋኦም ገሊጾም፡ "ትምህርታዊ፣ ብስነ - ምግባራውን ሓላፍነት ብዝስምዖን ኣቀራርባ" ጥራይ ኢና ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ መሻርኽቲ ደኣ እምበር ስግኣት ከም ዘይኰነ ከነረጋግጽ እንኽእል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ መሻርኽቲ ደኣ እምበር ስግኣት ከም ዘይኰነ ንምርግጋጽ ብቑዕ ፖሊቲካን ንስነ ኣሃዛዊ ምዕባለታትን ሕንጸት ዓበይትን ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 13 ሕዳር ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ፡ "ክብረት ቈልዑን መንእሰያትን ኣብ መዋእል ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ" ብዝብል ኣርእስቲ ተሰንዩ  ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቈልዑን መንእሰያትን ንውሳነኦምን ምርጫኦምን ኪጸሉ ዚኽእል ንምዕሪት ቅመራ ሓደጋ እተቓልዑ ምዃኖም ኣብ ግምት ኪኣቱ ኸም ዘለዎ ቅዱስነቶም ገሊጾም፡ ንሱ ድማ "ወለድን መምህራንን ነዚ ጉዳይ እዚ ኺፈልጥዎ ኣገዳሲ" እዩ፡ ስለዚ "ንኣሽቱ ቘልዑ ምስ እደ ጥበባዊ መጋበርያታት ዘለዎም ርክብ ንምቍጽጻርን ንምክትታልን" ዘኽእል መጋበርያታት ክምዕብል ድማ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡

መንግስታትን ኣህጉራውያን ውድባትን ኣብ ዘመን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንኽብረት ቈልዑ ዘዕቍብ መምርሕታት ናይ ምምዕባልን ምትግባርን ሓላፍነት ኣለዎም። እዚ ኸኣ ነቲ ሓድሽ እደ ጥበብ ዜምጽኦ ሓድሽ ብድሆታት ንምፍታሕ ህሉው ሕግታት ዕቝባ መረዳእታ (ጭብጥታት) ምምሕያሽ ከምኡውን ንምዕባለን ኣጠቓቕማ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ስነ- ምግባራዊ መዐቀኒታት ምትብባዕን ዘጠቓልል እዩ።

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መዓልታውን ቀጻልን ተወፋይነት

"እንተኾነ ግን ክብሪ ትሕቲ ዕድመ ምሕላው ኣብ ሕግታት ጥራይ ክወርድ ኣይክእልን፤ ስነ ኣሃዛዊ ትምህርቲ'ውን ይሓትት" ቢሎም፡ ንቃል ናይቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዘኪሮም፣ ሓደ እዋን ኣብ ኢጣልያ ሰለስተ ዓበይቲ ካቶሊካውያን ማሕበራት ኣብ ዘስፍሕዎ ናይ ምክልኻል ውጥን፡ ዓበይቲ “ናይ ስነ ህንጸት ኣንጠረይናታት . . . ” ዝብል ጸዋዕታኦም ዳግማይ ክረኽብዎ ኣለዎም ዝብል ርእይቶኦም ኣቕሪቦም፡ ስነ - ምግባራዊ መምርሒታት ምሕንጻጽን ምትግባርን ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣሚኖም፡ እዚ ንበይኑ ግን እኹል ኣይኮነን - ቢሎም - ኣብ ክንድኡ "እቲ ዘድሊ፡ መዓልታዊ፡ ቀጻሊ ትምህርታዊ ጻዕርታት፡ ብመርበባት ምትሕብባር ዝሰልጠኑን ዝድገፉን ዓበይቲ ዝፍጸም'ዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እዚ መስርሕ እዚ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ (AI) ምጥቃምን ብኣግኡ፡ ዘይተገደበን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኣብ ዝኾነ እደ ጥበብ ከይበጸሐ ኣብ ዝምድናን ምዕባለን መንእሰያት ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋታት ምርዳእን ዘጠቓልል ምዃኑ ሓቢሮም። "ኣብ ምርካብ ከምዚ ዓይነት ሓደጋታትን ኣብ ውልቃውን ማሕበራውን ህይወቶም ዘስዕቦ ጽልዋን ብምስታፍ ጥራይ እዩ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ንርእሶምን ንኻልኦትን ሓላፍነታዊ ምርጫታት ናይ ምግባር ዓቕሞም ንምሕያል ዝሕግዝ መሳርሒ ስነ ኣሃዛዊ ዓለም ክቐርቡ ክድገፉ ዝኽእሉ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ስነ - ምግባርን ሓላፍነት ዝስምዖ ኣቀራርባ ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ

ቅዱስ ኣቦና እዚ ንባዕሉ "ሰብኣዊ መበቈልን ምትእስሳርን ንምዕቃብ ኣገዳሲ ተግባር እዩ፣ እዚ ኸኣ ወትሩ ንሰብኣዊ ኽብረት ከም መሰረታዊ ዋጋ ብምኽባር ኪምራሕ ኣለዎ።" ትምህርታውን ስነ - ምግባራውን ሓላፍነት ዝስምዖን ኣቀራርባ ብምውሳድ ጥራይ ኢና ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ዕቤትን ሕንጸት መንእሰያት ከም መሻርኽትን ኮይኑ ከገልግል ዝኽእል፡ እቲ ጉባኤ ሓገዝ ንህጻናትን መንእሰያትን ንመላእ ቤተ ክርስቲያናውን በርገሳውያን ማሕበረሰብን እንገብሮ ቀጻሊ ኣገልግሎት ጽኑዕ መሰረት ክኸውን ተመንዮን ቡራኬ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 Nov 2025, 16:48