2025.11.07 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ኣብ ኣፍሪቃ ምልክታት ተስፋ ከቕርብ ይግባእ 2025.11.07 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ኣብ ኣፍሪቃ ምልክታት ተስፋ ከቕርብ ይግባእ  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ኣብ ኣፍሪቃ ምልክታት ተስፋ ከቕርብ ይግባእ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ኣብ ኣፍሪቃ ንጽፉፍ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ዝውፈ ጉጅለ ብምርኻብ፡ ኣብታ ኣህጉር ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርቲ ነቲ ናይ ተማሃሮ ዘቕርብዎ ናይ ጽሞናዊ ኣውያት ስቓይ መልሲ ክህባ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 7 ሕዳር ምስ ኣባላት ናይቲ ኣብ ኣፍሪቃ ጽፈት ዘለዎ ትምህርቲ ዘስፍሕ ዓለምለኸ ማሕበር ሃይማኖታትን ማሕበራትን ከምኡ’ውን ማሕበር ምትሕብባር ኣብ መንጎ ዓለማዊ ደቡብን ሰሜንን ኣባላት ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እዚ ርክብ እዚ  ድሕሪ እቲ ካብ 27 ጥቅምቲ ክሳዕ 1 ሕዳር ዝተኻየደ ቅነ ኢዮቤል ንትምህርቲ ዓለም ሒደት መዓልትታት ዝተኻየደ ምዃኑን ከምኡ እውን ቅድሚ እቲ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣብ ናይሮቢ ኬንያ "ትምህርቲ ካቶሊክን ምልክታት ተስፋን ኣብ ከባቢ ኣፍሪቃ" ኣተይኲይሩ ዝካየድ ካልኣይ ጉባኤ ምዃኑ ብምዝካር፡ "ብኣፍሪቃዊ መንነት ዝመልአ" ብሉጽ ትምህርቲ ብምምዕባል ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ንምህናጽ ዘለዎም ባህጊ ንኢዶም፡ ኣብ ቅነ ኢዮቤል ንትምህርቲ ዓለም ዘስምዕዎ መደረ ብምዝካር፡ ምልክታት “ኣብ ኩሉ ዕድመ ዝምዕብል ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ተነቃፍነት” ዝፈጥረሎም ጓሂ ገሊጾም፡ “ነቲ ሓገዝ ዝሓትት ጽሞናዊ ናይ ስቓይ ኣውያት ዘይርዩን ዘይሰምዑን ምዃኑ ብፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን” ቢሎም እቲ ጉጅለ ነቲ ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ዘሎ ናይ ተልእኾኣዊ ምትሕብባር እናሰፍሐ ትምህርቲ ኣፍሪቃ ምምሕያሽ ዝብል ዕላማኡ ኪቕጽሉ ኣተባቢዖም፡ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ክልተ ብኽልተ” ከም ዝለኣኾም ኣዘኻኪሮም፣ እዚ ድማ ኣብ ምእዋጅ ወንጌል ምትሕብባር ከም ዘድሊ ዘመልክት ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ "ተልእኾ ብሓባር ምስራሕ፣ ካብ ተነጽሎ ምርሓቕ፣ ኣብ ንዋታዊ መንገዲ ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያን ምልውዋጥ ሰራሕተይናታት ጉስነት እውን ዘጠቓልል ድልዱል ጉስነታዊ ምትሕግጋዝ ምህናጽ ይሓትት" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ወርሒ ግንቦት ብዓለም ለኻዊ ትካል ሃይማኖታትን ማሕበራትን ኣብ ቤልጅየም ዋሎንያ ኣብ ዝርከብ ገዳም ማሬድሶስ ዝተዳለወ ኣኼባ ዘኪሮም፡ “እዚ ትካል እዚ ፍረ ክረክብን ኣብ ውሳኔታትኩም ዝተገልጸ ሸቶ ክወቅዕን ተስፋ እገብር፣ ከመይሲ ነቲ ናይ ተልእኾ ድራኸ ብትብዓትን ብፍቕርን ንወንጌል ኢየሱስ ዘቐርብ ምዃኑ ንኽስትውዓል - ቢሎም - ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ኣብ ኣፍሪቃ ንዝርከቡ መምህራን “ንኹሉ ሰብ ጽባቐ ስብከተ ወንጌል ከዘኻኽሩ” ዓዲሞም፣ ጐይታ ድማ “ከም ፍቓዱ ልኡካንን ደቀ መዛሙርቲን ጓሶትን” ክገብሮም ንጽልይ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 Nov 2025, 22:48