ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንፈለማ እዋን ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ቱርኪየ ይብገሱ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምልክት ሓድነትን ሰላምን ንምቕራብ ናብ ቱርክን ሊባኖስን ዝወስድ ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ሎሚ ዕለት 27 ሕዳር በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 07፡58ን ደቓይቕ ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ነቒሎም በቆጻጽራ ቱርኪ ሰዓት 12፡20 ደቓይቕ ኣንካራ ከም ዝኣተዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብታ ቅዱስነቶም ዝተጓዓዙላ ናይ ኢጣሊያ መገዲ ኣየር ነፋሪት ውሽጥ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ሰናይ ምኽሪ ዝተነብረላ ኮይና፡ እዛ ቅድስቲ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ሰናይ ምኽሪ ብማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ዓቢይ ኣኽብሮት ዘለዋ ምዃና ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ቱርክን ሊባኖስን ኣብ ኣንካራ ዝጅምር ኮይኑ፡ ቀዳመይቲ መዓልቲ ኣብ ቱርኪ ኣብ መቓብር ኣቦ ሪፓብሊካዊት ቱርኪ ሙስጠፋ ከማል ኣታቱርክ ምብጻሕ ካካይዱን ብድሕሪ’ዚ ምስ ርእሰ ብሔር ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ክራኸቡን ኣብ ቱርኪ ምስ ዝርከቡ ልኡካነ መንግስታትን ናይታ ሃገር ሰበስልጣንን ናይ ፖለቲካን በርገሳውያን ማሕበራትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ላዕለዎት ኣካላት ክራኸቡን መደረ እውን ከስምዑ ከም ዝኾኑን ብድሕሪኡ ብነፋሪት ናብ ኢስጣንቡል ክጓዓዙ ኣብዚ ናይ ቱርኪ ጉዕዞኦም ዝእንገድሉ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ህንጻ ንምሕዳሮም ከም ዝኸዱ ኣፍሊጡ።
27 Nov 2025, 17:02
