ድለ

ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ናብ ገዳመ ኣጐስጢኖሳውያን ኣብ ሞንቴፋልኮ በጺሖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ኣሓት መነኮሳት ደናግል ዘቅዱስ ኣጉስጢኖስን ምስ ውርሻ ቅድስቲ ኪያራን ዘለዎም ድልዱል ርክብ ብምጕላሕ ኣብ ማእከላይ ኢጣልያ ኣብ ሞንቴፋልኮ ኣብ ዝርከብ ገዳም ቅድስቲ ኪያራ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንምዕራግን ናይ ጸሎት ግዜ ንምሕላፍን ምስተን ኣብኡ ዝነብራ ደናግል መነኮሳት ንምርካብን ምብጻሕ ኣካይዶም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ጳጳሳት ኢጣልያ ድሕሪ ምርኻቦም፣ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 20 ሕዳር ኣብ ከተማ ኣሲዚ ናብ መቓብር ቅዱስ ፍራንቸስኮ ምብጻሕ ብምክያድ ናብቲ ጥቓኡ ዝርከብ ከተማ ሞንቴፋልኮ ተጓዕዙ፣ ኣብኡ ድማ ናብ ገዳም ኣጉስጢብኖሳውና ዘቅድስቲ ኪያራ ምብጻሕ ኣካይዶም፣ ምስተን ኣብኡ ዝነብራ 

 መነኮሳት ደናግል ድማ ግዜ ኣሕሊሮም።  ባህላዊ ናይ ምሳሕ እንግዶት ዞባ ኡምብሪያ ድማ ኣባኡ ተኻፊሎም።

እቲ ካብ 1290 ኣትሒዙ ሥርዓት ቅዱስ ኣጉስቲን ዝኽተል ገዳም፣ መንበሪ ዓሰርተው ሰለስተ መነኮሳት ደናግል ኮይኑ፣ ንዝኽሪ ቅድስቲ ክላር ብዓልቲ ሞንቴፋልኮ "ዘመስቀል" ተባሂሉ ዝፍለጥ ኢዩ።

ክላር ጓል ዕስራን ሰለስተን ዓመት ከላ፣ ንማሕበረሰብ እቲ ኸባቢ ህያው ምስክርነት ብምሃብ፣ ንድኻታት ሓንጐፋይ ኢላ ዝተቐበለትን፣ ንኻህናትን ምእመናንን ከኣ ጥበባዊ ምኽሪ እትልግስ ዝንበረት ኢያ። ብ1308 ዓ.ም. ድማ ካብ ድኻም እዚ ዓለም ብዘላም ዓረፈት፣ ብ1881 ድማ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13 ቅድስናኣ ተኣወጀ።

"ኣጽዋር ዘይብሉን ኣጽዋር ዘራግፍን ሰላም"

እመ መነኮሳን ክብርቲ እናሬ ማሪያ ክሪስቲና ጋጓቲ ምስ ቫቲካን ኒውስ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ- መሕትት፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣጽዋር ዘይብሉን ኣጽዋር ዘራግፍን ሰልም" ክብሉ አገለጽዎን ከምኡውን "ሰላም እነዘውትሮ ባህርያት ኢዩ ዝርከብ" ክብሉ ከም ዘመልከቱ ገለጻ። ኣስዕብ ኣቢለን እውን፣ እቲ ምብጻሕ ብዕላውን ተራን መንፈስ ከም እተፈጸመ፣ እዚ ድማ ምስቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጥቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ኣጐስጢኖሳውያን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ጀሚሩ፣ ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ርክብ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ገለጻ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሄሊኮፕተር ናብ ከተማ ሞንቴፋልኮ ምስ በጽሑ፣ ሰበ-ስልጣንን እታ ከተማ ሕዝባን ኣብቲ ማእከላይ ዘመን እተሃንጸ ጐደናታት እታ ኸተማ ተረኺቦም ድሙቕ ተቕባል ገበሩሎም። ብቐጥታ ናብ ቤተ-ክርስትያን ቅድስቲ ኪያራ፣ እንተላይ ልባ ሓዊስካ ኣብቲ ቅርያታ ዝርከበሉን ከምኡውን ናብቲ ኣብ መበል 14 ዘመን እተገብረ ቅብኣ ስእልታት ኣይቆና እተሰለመ ቤት ጸሎት ቅዱስ መስቀል ከዱ።

ኣብቲ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ደናግል መነኮሳትን ብዛዕባ ኣጐስጢኖሳዊ ጸዋዕተኦምን፡ ኣገዳስነት ጸሎትን፡ ተመኩሮ ሲኖዶውነት ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ተመያይጦም።

እተን ደናግል ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ናይ 2026 ዓውደ-ኣዋርሕን፣ ካብ ትምህርትታትን ጽሑፋትን ቅዱስ ኣጐስጢኖን፣ ከምኡውን ኣብቲ ኸባቢ ካብ ዚርከብ ህያባት እንተላይ ገለ ባህላዊ ወይንን ብኢድ እተሰርሐ ፍርያትን ዜጠቓልል ከም ገጸ በረኸት ኣቕረባሎም።

እዚ ቅዱስነቶም ዘካየድዎ ምብጻሕ ነቲ ቅድስት ክላር ዝሃበቶ ነባሪ ምስክርነትን ገዳማዊ ቈራጽነትን ከምኡ ውን ነቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ንሓድነት ዘቕረቦ ጻውዒትን ህያው ንምግባር ዘለወን ቘራጽነት ዘጕልሕ ምዃኑ ውን ገለጸት።

"ቅድስት ክላር ምስ ክርስቶስ ህይወት ጽብቕቲ ምዃና ተርእየና፣ ንሕና ድማ ከምቲ ሎሚ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተኻፈልናዮ ብጸሎትን ሕውነትን ከነካፍል ንጽዋዕ ኣሎና" ክብላ ውን መስከራ።

21 Nov 2025, 10:10