2025.11.06 Partecipanti ai Capitoli Generali di Religiose di Gesù Maria e delle Suore Missionarie di San Carlo Borromeo 2025.11.06 Partecipanti ai Capitoli Generali di Religiose di Gesù Maria e delle Suore Missionarie di San Carlo Borromeo  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ተኣማንነት ምስቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ካብ ምርኻብ እዩ ዝውለድ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንኣባላት ጠቕላሊ ጉባኤታት ናይ ክልተ ማሕበራት ሰብውፉይ ሕይወት ደቂ ኣአንስትዮ ደናግል ተቐቢሎ ቃል ምዕዳን ኣካፈልዎን፣ ኣብ ጸሎትን ምስቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ኣብ ምርኻብን ሱር ኪሰድዳ ውን ኣተባብዕወን።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሓሙስ ዕለት 6 ሕዳር፣ ነተን ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበራተን ዝርከባ ዘለዋ ደናግል ማሕበር ኢየሱስን ማርያምን፣ ከምኡ ውን ማሕበር ኣሓት ደናግል ዘቅዱስ ቻርለስ ቦሮሜዮ ስካላብሪንያውያንን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ኣካፈልወን፣ ጉባኤታን ኣብ ጸሎትን ምስማዕን ከምኡ ውን ምስቲ ዝተንስአ ጐይታ ምርኻብን እተመስረተ ናይ ተሓድሶ ህሞት ገይረን ክፍጽማኦ ኣተባብዕወን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን እዘን ማሕበራትን፣ ኣባላት እዚ ጠቕላላሊ ጉባኤታትን ኣብ እተራኸቡሉ ኣጋጣሚ፣ እንቋዕ ብደሓን መጻእክን ቢሎም፣ ስለ ንኣገልግሎተን ዘለዎም ምስጋና ገለጹለን፣ ነተን ሓድሽቲ እተመርጸ ላዕለዎት ኣሕሉቕ ድማ ሰናይ ምንዮቶም ገለጹለን። ክልቲኡ እዚ ማሕበራት "ኣብ እተፈላለየ ዅነታት እኳ እንተ ተመስረተ፣ ንድኻታት ካብ ዝነበረን ፍቕሪ ብሓባር ብርሕራሐ ኸም እተወልዳ" ውን ገለጹ።

"ካብቲ ኩሉ ዝጅምረሉ ቦታ"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ንጠቕላሊ ጉባኤታቶም ዝመረጻኦ ፍረ ነገር ብምስትንታን - "ኢየሱስ  ባዕሉ ሕውስ ኢዩ" (ሉቃ 24፡15) ከምኡ'ውን "ናብ እትኸድዮ ዘበል እኸይድ" (ሩት 1፡16) - እዚ ተበግሶ ኣምላኽን ሰብኣዊ ምላሽን ከም ዜንጸባርቕ ገለጹለን።

"ኣብ ወንጌል ሉቃስ ኢየሱስ ምስቶም ደቀ መዛሙርቲ ሰብ ኤማሁስ ሓቢሩ ምሳታቶም ኪኸይድ ከሎ እንጌራ ክቖርሰሎም እንከሎ፣ ኼለልይዎ ኸም ዚመርሖም ንርኢ ኢና!" በሉ። ሩት ግና "እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእል እኳ እንተ ነበረት፣ ንናእሚ ሓማታ ዘይሓደገታ ክሳዕ መወዳእታ ኽትከናኸና ናብ ጓና ምድሪ ደድሕሪኣ ኽትከይድ ከላ ንርኢ" ክብሉ ውን ኣመልከቱለን።

መስተቲ ናይዘን ማሕበታት ኣሓት ደናግል ኢየሱስን ማርያምን፣ ቅዱስ ክላዲን ተቨነት ከምኡውን ቅዱስ ጆቫኒ ባቲስታ ስካላብሪኒ ምስቶም መስረትቲ ኣሓት ስካላብሪንያን ብፅዕቲ ኣሱንታ ማርኬቲንን ክቡር ጁሰፔ ማርኬቲን ሓቢሮም ከቢድ ፈተናታት ከም ዘጋጠሞም ዘከረ።

እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ምስጢር ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣማንነት፣ ምስቲ ዝተንስአ ኢየሱስ ኣብ ዝነበሮም ምርኻብ እዩ ዝርከብ። እዚ ኸኣ እዩ ንዓታቶም ኰነ ንዓኻትክን ኣብዚ ጕዕዞ እዚ ዘጀመረክን።"

ጸሎትን ጽሞናን ጽን ምባልን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮ መበል 14 ንኣገዳስነት ጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበራት ብምጕላሕ ነተን ኣባኡ እተረኽባ ኣሓት ደናግል፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "ኣብ ጐድንኽን ኪኸይድን ታሪኽን ኣብ ብርሃን በዓለ ትንሳኤ እንደገና ኸተንብባን ኪሕግዘክን ጸልያ" ክብሉ ጻውዒት ኣቕረቡለን።

ከምዚ ድማ በሉ፦ "ኣብ ሓደ ጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበር እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ሜመያ ኣብ ብርኪ እዩ ዚርከብ፣ እቲ ኣብ ኣኼባ ዚበስል ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ማሕደርን ነቲ ቓል ክንሰምዕን ኪዝራእን ኪፍስስን ኣለዎ ኢዩ" በሉ።

ነተን ተሳተፍቲ "ኣብ ብምሉኡ ዕዮኽን ንጸሎትን ስቕታን ብዙሕ ቦታ ኺህባ" ተማሕጸንወን፣ "ንጐይታ ብምስማዕ ጥራይ ኢና ንሓድሕድና ብሓቂ ኽንሰምዕ እንኽእል" ብምባል ውን ኣዘኻኸርወን።

ኣብቶም ዝሳቐዩ ሰባት ገጽ ኣምላኽ ድለይ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ጠቒሶም ድማ ነተን ኣሓት ደናግል "ገጽ ኣምላኽ ኣብቶም እተሸገሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክደልያ" ከምኡውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ "ተስፋን መለኮታዊ ህላወ ግልጸትን" ክርእያ ጻውዒት ኣቕረቡለን።

"እዚ ትብዓት ዚሓትት እዩ፣ ድሕንነትና ኸይንሓድግ ከይፈራህና፣ ህላወ እቶም ዚሳቐዩ ሰባት ክብድሃና ኽንፈቕደሉን ጐይታ እንተ ደልይዎ ናብ ሓድሽ መገድታት ክንከይድ ኢና" ክብሉ ውን ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።

07 Nov 2025, 11:12