ር. ሊ. ጳ. ኣብ ቱርኪ፦ “ናይ ሕውነትን ሰላምን ድልድል ንህነጽ!”
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል ትማሊ ሓሙስ ናብ ሃገረ ቱርኪ ብምኻድ፣ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ናብታ ሃገር ድሕሪ ምእታዎም፣ ነቲ ኻብ 27 ሕዳር ክሳዕ 3 ታሕሳስ ዘካይድዎ ዘለዎ ፋልማይ ሓዋርያዊ ጕዕዞኦም ብምጅማር ኣብ ከተማ ኣንካራ በጽሑ።
እቲ ጕዕዞ ካብ ኢስታንቡል ናብ ኢዝኒክ ንምብጻሕ ኣብ ዝገርብርዎ ዘለዉ ዑደት ኢዩ ዝነበረ፣ ኣባኡ ድማ ቤተ-ክርስትያን መበል 1,700 ዓመት ዝኽሪ ቀዳማይ ኢቁነባዉ ጉባኤ ኒቅያ ክርዝክር ኢያ፣ ብድሕርዚ ሰንበት ዕለት 30 ሕዳር ቅዱስ ኣቦና ናብ ሃገረ ሊባኖስ ጕዕዞኦም ክቕጽሉ ኢዮም።
ትማሊ ኣብ ዝነበረ ውዕሎ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ርእሰ ብሔር ሃገረ ተርኪ በጺሖም፣ ኣስዒቦም ድማ ናብ ሃገራዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ምብጻሕ ኣካይዶም፣ ኣብኡ ድማ ምስ ሰበ-ስልጣን ሲቪላዊ ሕብረተሰብን፣ ኣባላት ዲፕሎማስያዊ ኣካላትን ተረኺቦም፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ወጻኢ ሃገር ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ናይ መጀመርታ ሃዋርያዊ ጕዕዞኦም ዝለገሱሎም መደረ ረኻፊሎም።
"ንደቂ ሰብ ናብ ሕውነት እትመርሖ ሃገር"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንርእሰ ብሔር ሃገረ ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ረኺቦም ኣብ ዝለገሱሎም ቃል፣ ስለቲ ዝገበሩሎም ምዉቕ ተቕባል ምስጋናኦም ገሊጾም። ሃገረ ቱርኪ "ምስ መበቈል ክርስትና ኣጸቢቑ እተኣሳሰረ" ታሪኽ ዘለዋ ሃገር እኳ እንተ ዀነት፣ ንዅሎም ደቂ ኣብርሃም ማለት ንሰዓብቲ እምነት እስልምናን ክርስትያናትን ኣይሁድን ከኣ፣ ንፍልልያቶም ከም ምክፍፋል ዘይኰነስ ናብ ሕውነት ዝመርሕ መገዲ ገይሮም ኣፍልጦ ኺህቡሉ እትጽውዕ ሃገር ምዃና ገሊጾም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ብዛዕባ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐን ሃብታም ባህላዊ ፍልልያትን እታ ሃገር ብምስትንታን ወለዶታትን ሓሳባትን ልምድታትን ኣብ ዚራኸቡሉ ቦታ፣ ሰብኣዊ ስልጣነ ኸም ዚምዕብል ብምዝኽኻር ሃሳባቶም ኣካፊሎም።
ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልልያት ዘስግእ ዘይኰነስ ንማሕበራዊ ህያውነት ዜዕቍብ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ። "ሓደ ዓይነት እንተንኸውን ኔርና ድኽነት ምዀነ ነይሩ" ብምባል ሓቀይና ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ከም ዝቕጽል ዚገብር ድልድላት ናይ ሓቅን፡ ምሳልያውን ድልድላት ምህናጽ ከም ምዃኑ ኣትሪሮም ተዛረቡ።
ድልድል ከም ምልክት ጸዋዕታ ሃገረ ቱርኪ
እቲ ነዚ ሓዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተመርጸ ኣርማን ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ መጻብቦ ዳርዳነል ዘሎ ድልድል ዜርኢ ምዃኑ ውን ኣመልከቱ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ ምልክት እዚ፣ ፍሉይ መንነት ሃገረ ቱርኪ እዩ፣ እዚ ድማ ንእስያ ምስ ኣውሮጳ ብተግባራዊ መዳይ እተራኽብ እኳ እንተ ዀነት፣ ብዕምቈት ግን ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ፣ ካብ ባህላዊ ናብ ዘመናዊነት፣ ካብ ፍልልይ ናብ ሓድነት እተራኽብ ሃገር ውን እያ ክብሉ ኣስሒሖም ገለጹ።
ኣብዛ ብናይ ውልትውና ጽንኩር ኣቕዋምን ዝመልአት ዓለም፣ ምክፍፋል ሕብረተ-ሰብ ከም ዘስግኣ ውን ኣጠንቀቑ።
ይኹን እምበር ኣብ ሃገረ ቱርኪ ዝርከቡ ክርስትያናን ምእመናን፣ ኣብ ሓድነት እታ ሃገር ኣወንታዊ ኣበርክቶ ንምግባር ድሉዋት ምዃኖም ውን ኣረጋጊጾም፣ ነቶም ሓደ እዋን ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዘገልገሉ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ዝነበሮ ፍቕሪ ብምዝካር፣ ንካቶሊካውያን ተነጽሎ ነጺጎም "ባህሊ ምርኻብ" ክቕበሉ ከም ዝተማሕጸንዎም እውን ኣዘኻኸሩ። ቅዱስ ኣቦና ኸም ዝገለጽዎ እዘን ቃላት እዚኣተን ሎሚ እውን ኣገደስቲ ኢያተን ክብሉ ብኣጽንዖት መስከሩ።
"ኣምላኽ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ድልድል ሃነጸ"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ነቲ ኣብ ወንጌል ዚርከብ ምስሊ ኣምላኽ ከም ሃናጺ ድልድል ገይሮምዎ ብምቕራብ፣ እዚ ኸኣ ኣምላኽ ንገዛእ ርእሱ ብምግላጽ፣ ልቢ ርሕራሐኡ ኼንጸባርቕ ምእንቲ ክምህረና ውን፣ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን መተሓላለፊ ፈጠረ።
ፍትሕን ምሕረትን ነቲ ናይ ምቍጽጻር ርትዓዊ ዘይኮነ ኣተሓሳስባ ኣብ ሕቶ ከእትዎ ከም ዘለዎም እውን ኣትሪሮም ተዛረቡ። ርሕራሐን ሓድነትን ደኣ እምበር ሓይሊ ኣይኮነን ሓቀይና መለክዒታት ምዕባለ ክኸውን ዘለዎ።
ካብ ስነ-ምግባር እተፈልየ ተክኖሎጅያዊ ምዕባለ ዘለዎ ሓደጋታት እውን ኣጠንቀቑ፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ሰማዕቶም ድማ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት እውን እንተ ዀነ፣ ኣብ መወዳእታኡ ንምርጫታት ደቂ ሰብ ከም ዜጕልሕ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣዘኻኸርዎም። "መስርሕ ናይ ማሽናት ዘይኰነስ፣ ናይ ደቂ ሰብ ስራሕ ኢዩ" ብምባል፣ መራሕቲ "ነቲ ኣብ ሓድነት ሰብኣዊ ስድራቤትና ዝወረደ ጕድኣት ንምጽጋ ብሓባር ክዓዩ" ተማሕጸንዎም።
ስድራቤታት ማእከል ሕብረተሰብ ቱርኪ ከም ዝኾኑ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብቲ ኣብ ልቢ ብዙሓት ቱርካውያን ዝቐረበ ፍረ ነገር ምልስ ብምባል፣ ንስድራቤት "ቀዳማይን ማእከላይን ማሕበራዊ ህይወት" ብምባል ገለጽዎ፣ እዚ ቦታ እዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ "ብዘይ እቲ ሓደ ኣነ የለኹን" ዝብል መሰረታዊ ሓቂ ዝመሃረሉ ቦታ ኢዩ ክብሉ ውን መስከሩ።
እታ ሃገር ንግደ ስድራቤት ኣብ ምድልዳል ንእትገብሮ ጻዕርታት እውን ኣመስገኑ፣ ከምኡውን ዝዀነት ትኹን ስድራቤት ንገዛእ ርእሳ እንተ ተገሊላ ወይ ድምጺ ኣባላታ እንተ ዓሚጻ ዘጋጥሞ ሓደጋታት እውን ኣፍልጦ ሃቡሉ።
ሓጐስ ካብ ውልቀ-ሰብ ወይ ንማእሰር ሓዳርን ንህይወት ክፉት ምዃንን ደአ እምበር ካብ ምንዕዓቕ ከም ዘይኰነ ውን ገለጹ።
ብዛዕባ እቲ ንተነጽሎ ናብ ሸቐጥ ዚቕይሮ ባህልታት ዕዳጋ እውን ኣጠንቀቑ፣ ኣብ ክንዳኡስ "ፍቕርን ብሕታዊ ርክብን ኣኽቢሩ ዝርኢ ባህሊ" ኪህሉ ተማሕጸኑ።
ደቂ ኣንስትዮ ብምሁራት ሰብ ሞያ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ባህላዊ መሪሕነትን ነታ ሃገር ብዝያዳ የሀብትማ ኢየን ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።
ሃገረ ቱርኪ ምንጪ ሰላም ክትከውን ዝቕረብዎ ጻውዒት
ቅዱስ ኣቦ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይን፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊን፡ በነዲክቶስ መበል 16ን፡ ፍራንዘስኮን ዝገበርዎ ሓዋራዊ ዑደት ብምዝካር፣ ሃገረ ቱርኪ "ምንጪ ርግኣትን ምቅርራብን ህዝብታት" ኰይና ኸተገልግል ተስፋ ከም ዝገርበሩ ገለጹ።
እዚ ቅዱስነቶም ሕጂ ዘካየድዎ ዘለዉ ምብጻሕ ውን ምስቲ ቐዳሞት ክርስትያን ሓድነት እምነት ንምርካብ ዝተጋብኡሉ፣ ዝኽሪ ኢቁመናዊ ጉባኤ ኒቅያ እተተሓሓዘ ምብጻሕ፣ ቀጻሊ ምይይጥን ርክባትን ኣድላዪ ምዃኑ ዘዘኻኽር ከም ምዃኑ ኣመልከቱሎም።
ኣብ ዓለም ከም ብሓድሽ ግጭት እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ሳልሳይ ውግእ ዓለም በብቝሩብ ይካየድ ኣሎ" ክብሉ ዝጸውዕዎ ሓሳብ ጠቒሶም ውን ኣጠንቀቑ።
ሃገራት ኣብ ክንዲ ኣብ ሓባራዊ ብድሆታት ሰላምን፡ ኩነት ጥሜትን ዓጸቦም ምቅላስን፡ ተፈጥሮ ንምዕቋብን ከምኡውን ንዅሉ ሰብ ትምህርትን ጥዕናን ኣብ ምልጋስ ጕልበተን ኣብ ክንዲ ዘወፍያ፣ ኣብ ጐዳኢ ዝኾነ ሓይሊ የውዕላዎ ኣለዋ ክብሉ ውን ሓዘኖም ገለጹ።
ብሓቅን ብዕርክነትን ብሓባር ምምልላስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ ቅድስቲ መንበር "መንፈሳውን ስነ-ምግባራውን ብርታዐኣ ጥራይ" ሒዛ ትመጽእ እኳ እንተ ሃለወት፣ ምስ ኵለን ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ንምምዕባል እተወፈያ ሃገራት ሓቢራ ክትዓዪ ጽኑዕ ባህጊ ከም ዘለዋ እውን ገለጹ።
ኣብ መደምደምታ ድማ "ብሓቅን ብምሕዝነትን ብትሕትናን ብረድኤት ኣምላኽ ንመላለስ" ክብሉ ተላበው።
