ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ 2026 ካልኣይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት ኣበሲሮም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ዕለት 19 ሕዳር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ነጋድያን ናይ ዕልተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ወግዓዊ መለለዪ ሰንደቕ ዕላማ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕጻናት 2026 ዓ.ም. ባሪኾም ክታሞም ከም ዘንበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ካልኣይ ሕታም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕጻናት ካብ ዕለት 25 - 27 መስከረም 2026 ክካየድ ምዃኑ ኣበሲሮም ኣብታ ንሕጻናት ዓለም እተወፈየ መዓልቲ ንዝራኸቦም ሕጻናት ብፍሉይ እሓስብ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ካብ ቓዛ ዝመጸ ወዲ 7 ዓመት ቆልዓ ማጅድ በርናርድ ብኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ሽማግለ ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት ኣባ ኤንዞ ፎርቱናቶ፡ ተሰንዩ ንቕዱስነቶም ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት (WCD) መለለዪ ዝተነብሮ ሰብደቕ ዕላማ ከም ዘቕረበሎምን ቅዱስነቶም ባሪኾም ክታሞም ከም ዘነበሩ ኣመላኺቱ፡ ብመሰረት እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕጻናት ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት “ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ህጻናትን ስድራቤቶምን ዝሳተፍሉ ህሞት ርክብን ጸሎትን ጽምብልን” ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ።
ቤተ ክርስቲያን ንህጻናትን ስድራቤታትን ኣቓልቦ ክትህብ ከም እትደሊ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሓበሩ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ህይወትን ስድራ ቤት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኬቪን፡ “ህጻናት ሰላም ክረኣዩን ኣብ ሰላም ክነብሩን ኣለዎም - ቅድሚ ኩሉ ኣብ ውሽጢ ስድራቤቶምን ኣብቲ ዘዘውትሮዎ ቦታታትን” - ቢሎም - ቈልዑ ሰላም ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጸቢቖም ይርድእዎ እዮም፡ ውጥረትን ግጭትን ምስ ዝርእዩ ብዙሕ ይሳቐዩ። ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት ቤተክርስትያን ምስ ሕጻናትን ስድራቤቶምን ዘለዋ ቅርበት ከተረጋግጽ፣ ተስፋን ሓጐስን ከተቕርበሎም ጽቡቕ ዕድል” ምዃኑ ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ዕለት 19 ሕዳር ድሕሪ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕጻናት 2026 ዓ.ም. መለለዪ ሰንደቕ ዕላማ ንቕዱስነቶም ብወግዒ ከም ዝቐረበን እቲ መለለዪ ድማ ንሸውዓተ ኣህጉራት ዝውክል ሸውዓተ ኣሰር እግሪ ዘጠቓልል ምስሊ ዝተነብሮ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ብመሰረት እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ፡ እቲ ኣሰር እግሪ፡ “ገርሀይና ሓቀይናን ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ቁልዕነት፡ ምልክት ኣድማሳውነትን ንጽሕናን ሕጻናት” ዘዘኻኽርን እቲ ዝተፈላለየ ሕብርታት እቲ ኣሰር ኣእግራ ድማ ንብዙሕነት ባህልታት ዝውክል ንፍልልያት ምቕባልን ዋጋ ኣብ ምሃብን ዝፈጥሮ ስኒት ዝምስክር ምዃኑ ኣፍሊጡ፡ እቲ ምልክት ቍብታ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ “ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ህጻናት ዝቕበልን ዝከላኸልን፣ ትንሳኤን ክርስቶስ ዘዘኻኽር መስቀል” ኣብነት ሕቑፊ ዝውክል ምዃኑ የረጋግጽ።
ኣብ 2024 ዝተኻየደ ፈላማይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት፡ ካብ 101 ሃገራት ዝመጹ ኣስታት 100 ሽሕ ህጻናት ከም እተሳተፉን ኣብ 2026 ዓ.ም. ኣብ ዝካየድ ካልኣይ ሕታም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕጻናት፡ ቤተ ክርስቲያን ንሰላምን ኣንግዶትን መጻእን ሃረር እትብል ዓለም ጽምጺ ዝኾኑ ንኣሽቱ ንምስማዕን ኣርዚና ኣብ ምርኣይ ዘለዋ ተወፋይነት ከም እተሐድስ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተወከሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
