2025.11.16 Angelus 2025.11.16 Angelus  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ 'ኣምላኽ ኣብ መንጎ ዅሎም ደቁ ሰላም ክሰፍን እዩ ዚደሊ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ደድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታትን፣ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ምእመናን ዝወርድ ኣድልዎን ስደትን ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ኵሉ ዓመጻ ደው ክብል ምእመናን ድማ ንጥቕሚ ሓባራዊ ረብሓ ብሓባር ክዓዩ ጸልዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ድሕሪ ምድጋሞም፣ ብዛዕባ እቶም ዜስካሕክሕ ዓመጽን ውግእን ዚጻወሩ ዘለዉ ሰባት ኣመልኪቶም፣ ልባዊ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዚፍጸም መጥቃዕቲ ብምዅናን፣ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናን ምእመናን ዝወርድ ዘሎ ስደትን ዓመጻን ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም።

"ብፍላይ ብዛዕባ ባንግላደሽ፣ ናይጀርያ፣ ሞዛምቢክ፣ ሱዳንን ካልኦት ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰባትን ቦታታት ኣምልኾን ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ብተደጋጋሚ እንሰምዓለን ዝለኦና ሃገራት የተሓሳስበኒ ኣሎ" በሉ። "ኣምላኽ ኣብ መንጎ ዅሎም ደቁ ሰላም ዚደሊ መሓሪ ኣቦ እዩ!” ድማ ክብሉ ኣስመሩሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ኣብ ዞባ ሰሜን ኪቩ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ምስ ዝርከባ ስድራቤታት ጥብቅ ርክብ ከም ዘለዎም ገሊጾም።

ዝሓለፈ ዓርቢ ምሸት ግብረ-ሽበራውያን ጉጅለታት ኣብ ቍሸት ቢያምብወ ብእትርከብ ቤተ-ክርስትያን ዝመሓደር ሆስፒታል መጥቃዕቲ ብምውራድ ኣስታት 20 ዝዀኑ ሰላማውያን ሰባት ቀቲሎም።

"ኵሉ ዓመጻ ደው ክብልን፣ ምእመናን ንጥቕሚ ሓባራዊ ረብሓ ብሓባር ክዓዩን ንጸሊ" ድማ በሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ኣብ ከተማታት ዩክረይን ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማ ኪየቭ፣ ኣብ ሲቪላዊ ህንጻታት ከቢድ ጕድኣት ዘውረደ መጥቃዕትታት ምስ ሰምዑ ውን እተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም።

"ንውግእን ጥፍኣትን ክንለማመዶ የብልናን!" ውን በሉ። "ኣብታ ብውግእ እትዓኑ ዘላ ዩክረይን ፍትሓውን ነባርን ሰላም ምእንቲ ኺሰፍን ብሓባር ንጸሊ" ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።

ምእንቲ ግዳያት ሓደጋ መኪና ዝዓረገ ጸሎት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ደቡባዊ ክፍል ፔሩ ዘጋጠመ ኸቢድ ሓደጋ መኪና ዘኪሮም ውን ጸልዮም።

ሓንቲ ካብ ቻላ ናብ ኣሬኪፓ እትጕዓዝ ዝንበረት ኣውቶቡስ፣ ምስ ካልእ ማኪና ተጋጭያ ናብ ሓደ ስንጭሮ ድሕሪ ምግምጣላ፣ እንተ ወሓደ 37 ሰባት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም "ጐይታ ነቶም ዝሞቱ ብምሕረት ክቕበሎም፣ ነቶም ዝቘሰሉ ክድግፎም፣ ነቶም ሓዘንተኛታት ስድራ ቤታት ድማ ምጽንናዕ ይሃቦም" በሉ። "ንዅሎም እቶም መብዛሕትኡ ግዜ ሓላፍነት ብዘይስምዖም ተግባራት ብዘጋጠሞም ሓደጋታት መኪና ዝሞቱ ሰባት እውን ንዝክር ኣሎና። ነፍሲ ወከፍና በዚ ጕዳይ እዚ ሕልናና ንመርምር" ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።

ቤተ-ክርስትያን ኢጣልያ ንግዳያት ዓመጻ መዓልቲ ጸሎት ተካይድ

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ቤተ-ክርስትያን ኢጣልያ ዕለተ ሰንበት ምእንቲ እቶም ግዳያት ዓመጻን ብህይወት ዝተረፉን ሰባት መዓልቲ ጸሎት ከም ዘኪራ ከም ዝወዓለት እውን ጠቒሶም።

"ናይ ኣኽብሮት ባህሊ ንኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብፍላይ ከኣ ንኣሽቱን ነቶም ኣዝዮም ተኣፈፍትን ኣብ ምዕቋብ ክንዓቢ የድሊ" ክብሉ ውን ጸለዩ።

17 Nov 2025, 12:23