ድለ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ኢስጣምቡል ኣብ ዝርከብ ሰማያዊ መስጊድ ዑደት ኣካይዶም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቱርኪ ዘካይድዎ ዘለዎ ሓዋርዊ ዑደት ብምቕጻል ዕለት 29 ሕዳር ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ውዕሎ ንግሆ በቆጻጸራ ቱርኪ ሰዓት 08፡45 ደቓይቕ ኣብ ኢስጣምቡል ናብ ዝርከብ “ሰማያዊ መስጊድ” ሱልጣን ኣሕመድ ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቱርኪ ኣብ ዘካየድዎ ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ዕለት 29 ሕዳር ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ውዕሎ ናብቲ ኣብ ኢስጣምቡል ናብ ዝርከብ “ሰማያዊ መስጊድ ሱልጣን ኣሕመድ” ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ መስጊድ ብጽሞናን፡ መንፈሳውነት ብዝዓሰሎ ትኩረት ምስማዕን፡ ነቲ ቦታን ኣብኡ ንእምነት ናይቶም ብጸሎት ዝእከቡን ዓሚቕ ኣኽብሮት ብምሃብ" ዘካየድዎ ምብጻሕ ምንባሩ መግለጺ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ጠቒሱ የመላኽት።

ቅዱስነቶም ኣብቲ መስጊድ ምስ በጽሑ ኣብ ቱርኪ ብሚኒስተር ጉዳያት ባህልን መስህብ በጻሕትን መህመት ኑሪ ኤርሶይ፣ ናይ ኢስጣምቡል ሙፍቲ ኢምሩላ ቱንሰል፡ ኢማም ሰማያዊ መስጊድ ሱልጣን ኣሕመድ ኩራ ሃፊዝ ፋቲህ ካያ ኣቀባብላ ከም እተገበረሎምን በዞም ዓበይቲ ኣካላት ተመሪሖም ናብ ውሽጢ ሰማያዊ መስጊድ ኣትዮም ሓጺር ዑደት ከም ዘካየዱ ዝሓብረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅሱነቶም ናብ ሓደ ናይ ምስልምና ናይ ኣምልኾ ቦታ ክበጽሑ ንመጀመሪያ ምዃኑ የዘኻኽር።

29 Nov 2025, 11:14