2025.11.22 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ክርስትያናዊ መንነት ናይ ትምህርቲ ኮምፓስ እዩ 2025.11.22 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ክርስትያናዊ መንነት ናይ ትምህርቲ ኮምፓስ እዩ 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ክርስትያናዊ መንነት ናይ ትምህርቲ ኮምፓስ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ማድሪድ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ንመምህራን ዕለት 22 ሕዳር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ክርስትያናዊ መንነት መሰረት ትምህርቲ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ክርስቶስ ንባህርን ንፍልጠትን ዝቐርጽ ቡሶላ ስነ ትምህርቲ ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 “Sin identidad no hay educación - ብዘይ መንነት ትምህርቲ የለን” ዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ስጳይና ርእሰ ከተማ ማድሪድ ናብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ መምሃራን ዘመናዊ ብድሆታት ንምስናፍ ንዝገበርዎ ተወፋይነት ንኢዶም፡ “ንቤተ ክርስቲያን ናይ ምግልጋል ተልእኾኹም ንሓደስቲ ወለዶታትን ኣብኣ ድልዱል መወከሲ ነጥቢ ንዝረኸቡ ማሕበረሰባትን ማይ ብሑቝ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ “መንነት ዘይብሉ ትምህርቲ የለን” እንክብሉ ነቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ኣርእስቲ ኣቃሊሖም፡ ክርስትያናዊ መንነት መጋየጺ ኣርማ ዘይኰነስ፡ “ንመስርሕ ትምህርቲ ትርጕምን ኣገባብን ዕላማን ዝህብ ሕመረት እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ክርስቶስ ቡሶላ እዩ

“ከምቲ ባሕረይናታት ኣብ ሰሜናዊ ኮኾብ ዝምርኮሱ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ድማ እቲ ዝመርሕ ቡሶል ክርስቶስ እዩ፡ እዚ መምርሒ እንተዘይሃልዩ ትምህርቲ ተደጋጋሚ ልማድ ክኸውንን ለውጢ ዘምጽእ ሓይሉ ናይ ምስኣን ሓደጋ የጋጥሞ - ምስ በሉ - እምነትን ምኽንያትን ኣብ ትምህርቲ ምውህሃድ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣስሚሮም፡ "ክልቲኦም ተጻረርቲ ዓንዲ ዘይኮኑስ ክውንነት ንምርዳእ፡ ባህርያት ንምቕራጽ፡ ብልሒ ንምኹስኳስ ዝሕግዙ ተመላላእቲ መንገድታት እዮም። ትምህርታዊ ተመኩሮታት ስነ ፍልጠትን ታሪኽን፡ ስነ - ምግባርን መንፈሳውነትን ዘጠቓልል ክኸውን ኣለዎ፡ ኩሉ ኣብ ሓደ ውሽጢ ገዛ ከም ዝመስል ማሕበረሰብ። ሓቀይና ምትሕብባር ኣብ መንጎ ኣባይቲ ስድራ፡ ቍምስናታት፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ከምኡ'ውን ከባብያዊ ክውንነት ንነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ኣብ ጉዕዞ እምነትን ትምህርቱን ብጭቡጥ የሰንዮ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ትምህርቲ ዘለዋ ኣደኣዊ ተራ

ብተወሳኺ፡ ብካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከም ዝተነጸረ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ትምህርቲ ዘለዋ ኣደኣዊ ተራ ኣዘኻኺሮም፡ "ቤተ ክርስቲያን ኣደ ኣመንቲ እትፈጥር፡ መጻምድቲ ክርስቶስ እያ። ንሳ ነቲ ብኣዝዩ ቅዱስ መስራቲኣ ብሓላፍነት ዝተዋህባ ናይ ምምራሕን ምምሃርን ክእለት ትሕሉ: በቲ ቕዱስ መስራቲኣ ሕድሪ ዝሃባ ናይ ምምራሕን ናይ ምምሃርን ክእለት ትዕቅብ ቈልዑ ክትወልድን ክትምህሮም ከምኡውን ንህይወት ውልቀ - ሰባትን ህዝብታትን ብምምራሕ ከም ኣደ ትከናኸኖም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስነ መዕበያ

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 መበል 60 ዓመት ጉባእያዊ ኣዋጅ Gravissimum educationis - ስነ መዕበያ  መሰረት መምህራን ስርሖም ከም ኣካል ኣገዳሲ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ክርእይዎ ኣተባቢዖም፡ “ትምህርቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ጥራይ ዘይኮነስ መግለጺ መንነትን ጸዋዕታን ቤተ ክርስቲያን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

24 Nov 2025, 15:03