ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ክህነት 'ምሉእ ህያብ' እዩ! ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ክህነት 'ምሉእ ህያብ' እዩ!  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ክህነት 'ምሉእ ህያብ' እዩ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብቲ ኣብ ሓደ እዋን መምህር ኮይኖም ዘገልገሉሉ ኣብ ፔሩ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዓቢይ ዘርኣ ክህነት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ንክህነት ዝሰናደዉ “ብተኣማንነትን ፍቕርን ቀጻሊ ምስክርነት ክህቡ” የተባብዑ።

ስምዖን ተ, ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ረቡዕ ዕለት 5 ሕዳር ናብቲ ኣብ ሓደ እዋን መምህርን ኣመሓዳሪ ስነ ትምህርትን ዝነበሩሉ ኣብ ሃገረ ፐሩ ዞባ ትሩኺዮ ዝርከብ ዓቢይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ነቲ ናይቲ ትካል “ናይ ኣርባዕተ ዘመናት ታሪኽ” ምስጋና ኣቕሪቦም፡

እቲ ኣገዳሲ ዕማም ናይቶም ኣብ መንበረ ጵጵስና ዝመሃሩ ንኽህነት ዝሰናደዉ ከም ወትሩ ከም ቀደሙ ከም ዝቕጽል ኣስሚሮም “ምስ ጎይታ ምህላው፡ ንሱ ክቐርጸካ ምፍቃድ፡ ንዕኡ ምእንቲ ክትመስሎ፡ ክትፈልጦን ከተፍቅሮን” መታን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ክህነት 'ምሉእ ህያብ' እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዓቢይ ትሩኺዮ እቲ ንጸዋዕታ ክህነት ዝተባበዖም ዓሚቝ ድርኺቶም ክምርምሩ ዓዲሞም፣ ክህነት ከም ውልቃዊ ድላይ ጥራይ ክውሰድ ከም ዘይክእል ኣጽኒዖም፡ “ክህነት ግዳማዊ ዕላማ ወይ ካብ ውልቃዊ ጸገማት መውጽኢ ከም ዝኾነ ጌርካ ናብ ኣብ ‘ስብከተ ወንጌል ምብጻሕ’ ኣብ ዝብል ዕማም ክትሕት ኣይክእልን እዩ። ሓደ ሰብ ካብቲ ክገጥሞ ዘይደሊ ውልቃዊ ጸገማት መህደሚ ኣይኮነን፡ ካብ ስሚዒታዊ፡ ስድራቤታዊ ወይ ማሕበራዊ ጸገማት መዕቆቢ ኣይኮነን። ዕቤት ወይ መከላኸሊ እውን ኣይኮነን፡ ፍጹም ናይ ምሉእ ህላውና ህያብ እዩ” ምስ በሉ ቀጺሎም፡ ንክህነት ከም “ተራ መሰል ወይ ቤት ጽሕፈታዊ ስራሕ” ጌይሮም ከይርእይዎ ኣጠንቂቖም፣ “እቲ ብንኣሽቱ ድራኸታት ካህን ክኸውን ዝደሊ ኣብ መሰረቱ ይጋገን ኣብ ሑጻ ዝተሓነጸ እዩ ዝኸው” እንክብሉ ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጸሎትን መጽናዕትን ቀጻሊ ምስትውዓልን

ሕይወት ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት “ናይ ውሽጣዊ ተሓድሶ መንገዲ” ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣብዚ ኣስተንትኖን ቅንዕናን ብብስለት ንኽትዓብን ናጽነትን ኣገዳሲ እዩ። ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ብጸሎትን ነቲ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ብምስማዕን ምስ ኢየሱስ ብሕታዊ ርክብ ክምስርቱ ተማሕጺኖም: “ምስ ኣምላኽ ውሑድ ዝዛረብ - ብዛዕባ ኣምላኽ ጽቡቕ ክዛረብ ኣይክእልን እዩ!” እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡ “ቤተክርስትያን ምስ ጐይታ ምርኻብ ኣብ ኣእምሮ ሱር ክሰድድ ከም ዘለዎ ወትሩ ስለ እተገንዘበት፡ ንመጽናዕቲ ቲዮሎጊያ ዘለዎ ዋጋ - መጽናዕቲ ሓደ ሰብ “ጽኑዕን ምኽንያታውን ንኻልኦት ከብርህ ዝኽእልን” ክኸውን ስለዘኽእሎ “መተካእታ የብሉን” እንክብሉ ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

'ካብ ሓዲግነት ምልቓቕን' ኣብ ሓድነት ምንባርን

ጳጳስ ሮማ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንተማሃሮ ዘርኣ ክህነት “ካብ ሓዲግነት ክሃድሙን” ብንጥፈታት ዓለማውነት፡ ንጡፍነትን፡ ኣብ ቀመራዊ ስነ መራኽቦ ወይ ህልዩ ክዕጸዉ ከይፈቕዱ ተላብዮም፡

ብዛዕባ ሓደጋ ጽምዋ ክህነት እውን ኣጠንቂቖም “ኣብ ተነጽሎ ዝርከብ ካህን ተቓላዓይ እዩ . . . ቤተ ክርስቲያን ነቶም ገዛእ ርእሶም ዘወፍዩ [ንኻልኦት] ብሓባር ዝውፈዩ ቅዱሳን ጓሶት እምበር ንበይኖም ዝሰርሑ ኣይኮንትን ትደሊ - ቢሎም - መልእኽቶም ኣብ ምዝዛም ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ቅርበቶምን ጸሎቶምን “ኣብ ልቢ ተካኢ ጴጥሮስ ቦታ ኣለኩም እንክብሉ ኣረጋጊጾም፡ ተመሃራይ ዘርኣ ክህነት ምዃን ዘይተኣደነን ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትትን ህያብ እዩ፣ እንተኾነ ግን ኣብዚ ጉዕዞ ፈጺምኩም በይንኹም ኣይኮንኩምን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 Nov 2025, 16:50