2025.11.06 S.E. il Signor Mahmoud Abbas, Presidente dello Stato di Palestina

ር. ሊ. ጳ. ልዮን ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ፍልስጥኤም ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ፍልስጥኤም ማሕሙድ ኣባስ ተራኺቦም፣ ነቲ ኣብ ቃዛ ዘሎ ግጭት ደው ንምባልን ሰብኣዊ ረድኤት ንምእታውን ዘሎ "ህጹጽ ኣድላይነት" ኣመልኪቶም እውን ተዛትዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ትማሊ ሓሙስ ንግሆ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ፍልስጥኤም ማሕሙድ ኣባስ ኣብ ዝተራኸቡሉ ኣጋጣሚ፣ "ኣብ ጋዛ ንዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ህጹጽ ሓገዝ ምሃብ ኣድላዪ ምዃኑ" ተመያይጦም።

እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን እተገብረ ዘተ፣ ኣብ መንጎ እቶም ኣቐዲሞም ብመስመር ስልኪ ጥራይ ክራኸቡ ዝጸንሑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ርእሰ ብሔር ሃገረ ፍልስጤምን ንፈለማ ግዜ እተራኸቡሉ ኣጋጣሚ እዩ እውን ዝነበረ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልከቶ፣ ነቲ ርክብ "ስሙር" ኢዩ ዝንበረ ክብል ገሊጽዎ ኣሎ፣ ወሲኹ ድማ ሓደ ኻብቲ እተመያየጠሉ ኣርእስትታት "እቲ ናይ ክልተ ሃገራት መፍትሒ እማሜ ብምስዓብ ነቲ ግጭት ደው ምባል" ህጹጽ ኣድላይነት ከም ዘለዎ ገለጹ።

ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ፍልስጤም
ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ፍልስጤም   (@Vatican Media)

መቓብር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ምብጻሕ

ፕረዚደንት ኣባስ ቀቅድሚ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምርኻቡ ኣብ ዝነበረ መዓልታት፣ ናብ መቓብር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣኽብሮት ንምሃብ ናብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ በጺሖም ኢዮም።

እዚ ምብጻሕ እዚ ዝሓለፈ ረቡዕ ድሕሪ ቐትሪ፣ ናብ ከተማ ሮማ ድሕሪ ምእታዉ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ እዩ ዝነብረ።

ርእሰ ብሔር ኣባስ ነቶም ኣብ ቅርዓት እቲ ባዚሊካ ዝጽበዩ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ክበጽሖም ዝመጻእኩ ምኽንያቱ ንፍልስጥኤምን ንህዝቢ ፍልስጥኤምን ዝገበርዎ ዓቢይ ነገር ክርስዖ ስለ ዘይከኣልኩ ኢዩ፣ ዋላ ሓደ ሰብ ከይሓተቱ ንሃገረ ፍልስጥኤም ኣፍልጦ ከም ዝሃቡ ክርስዖ ኣይክእልን ኢየ" በለ።

ርእሰ ብሔር ኣባስ ናብ መቓብር ርእሰ ሊቃን ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝገበሮ ምብጻሕ ምስቲ ናይ ቅድስቲ ሃገር ዓቃቤ መንበር ዝነበረ ግብጻዊ ፍራንቸስካዊ ፈላሲ ኢብራሂም ፋልታስ ኣሰንይዎም ነበረ፣ እዚ ምብጻሕ እዚ ድማ ኣስታት ዓሰርተው ሓሙሽተ ደቒቕ ዝወሰደ መደብ ኢዩ ዝነበረ።

ምብጻሕ ርእሰ ብሔር ሃገረ ፍልስጤም ናብ መቓብር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ
ምብጻሕ ርእሰ ብሔር ሃገረ ፍልስጤም ናብ መቓብር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ

መበል 10 ዓመት ሓፈሻዊ ዝምድና ፍልስጥኤምን ቅድስቲ መንበር

ርእሰ ብሔት ኣባስ ናብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ፣ መበል 10ይ ዓመት 'ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን መንግስቲ ፍልስጥኤምን ዘሎ ሓፈሻዊ ስምምዕ' እተኸተመሉ እዋን እውን ዘኽበረ እዩ ዝነበረ።

እቲ ብዕለት 26 ሰነ 2015 እተፈረመ ውዕል ክልቲኦም ወገናት ንርእሰ-ውሳነ ናይ ፍልስጥኤምን ናይ ክልተ መንግስታት መፍትሔ እማመ ዘለዎም ቈራጽነትን ውን ይገልጽ።

ከተማ ኢየሩሳሌም ንኣይሁድን ክርስትያናትን ሰዓብቲ እምነት ምስልምናን ምሳልያውን መንፈሳውን ኣገዳስነት ከም ዘለዋ እውን የጕልሕ።

07 Nov 2025, 11:14