ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ኣንካራ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣታቱርክ መካነ መቓብር ምብጻሕ ኣካይዶም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 27 ሕዳር ንግሆ ኣብ ቱርኪ ምስ በጽሑ ድሕሪ ዝተገብረሎም ወግዓዊ ናይ ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ንኽብሪ ሃገረ ቱርክን ህዝብን ናብ መካነ መቓብር ሙስጣፋ ከማል ኣታቱርክ ምብጻሕ ኣካይዶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ዕለት 27 ሕዳር ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣንካራ ወግዓዊ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም ብላዕልዎት ናይ መግንስቲ ሰበ ስልጣን ተሰንዮም ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ መካነ መቓብር ኣታቱርክ ዑደት ኣካይዶም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ መካነ መቓብር መስራትን ቀዳማይ ርእሰ ብሔርን ረፓብሊካዊት ቱርኪ ሙስጣፋ ከማል ኣታቱርክ ቁኑን ዕንባባ ኣንቢሮም ምስ ኣብቅዑ ኣብቲ መካነ መቓብር ኣብ ዝርከብ ናይ ክብሪ መዝገብ፡ "ንቱርኪ ክበጽሕ ብምኽኣለይ ንኣምላኽ የመስግኖ፡ ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገርን ህዝባን ድማ ፍድፋድ ሰላምን ራህዋን እምህለል" ዝብል ጽሑፍ ከም ዝኸተሙን፡ እዚ ናብቲ መካነ መኻብር ኣታቱርክ ዝገበርዎ ምብጻሕ ንመስራቲ ዘመናዊት ቱርኪ ዘኽብርን ንውልደት ዘመናዊነትን ዓለማውነትን ዘይሃይማኖታዊ መንግስትን እታ ሃገር ዘመልክትን ብምዃኑ ንቱርካውያን ዓቢ ትርጉም ዘለዎ ምብጻሕ ከም ዝኾነ እውን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ሙስጣፋ ከማል ኣታቱርክ ንሃገራዊ ምንቅስቓስ ቱርኪ ብምምራሕ፡ ኣብ 1923 ሪፓብሊካዊት ቱርኪ ብምምስራትን ቀዳማይ ርእሰ ብሔር ኮይኑ ብምግልጋሉን “ኣቦ ቱርካውያን” ተባሂሉ ከም ዝኽበር እውን የመላኽት።

28 Nov 2025, 17:17