ር. ሊ. ጳ.፦ ቍጠባ ንሓባራዊ ረብሓ ከገልግል ኣለዎ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመራሕቲ ንግድን ኢንዱስትርን ቍጠባዊ ንጥፈታት ከም መሳርሒ ፍትሕን ምትሕብባርን ሰብኣዊ ክብርን ኰይኑ ከገልግል ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብቲ ብዕለ 13 ሕዳር 2025 ኣብ ቦይኖስ ኣይረስ እተገብረ መበል 31 ኢንዱስትርያዊ ዋዕላ ኣርጀንቲና ኣብ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ቍጠባዊ ምንቅስቓሳትን ትካላትን ናብ ሓባራዊ ረብሓ ዘተኰረ እንተ ደአ ዀይኑ፣ "ንናይ መጻኢ ምትሕብባርን ከምኡውን ኣብ ፍትሒ ሞተር ክኸውን ኣለዎ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቲ ኣስዒቦም፣ ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 13፣ ኣብ 1891 ዓ.ም. ዘዳለዉዎ “ሓደስቲ ነገራት” እተሰምየ ኣዋዲ መልእኽቶም ተመርኲሶም ማሕበራዊ ኣስተምህሮት ቤተ-ክርስትያን ነባሪ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ዘኪሮም። ካብቲ ሰነድ ብምጥቃስ ድማ "ንዘይፍትሓዊ ዅነታት ብዙሓት ሰራሕተኛታት ከም ዚዅንኖን፣ ፍትሒ ዀነ ሰብኣውነት ነዚ መንፈስ እዚ ዘዳኽምን ንሰብኣዊ ኣካላት ዜዳኽምን ካብ መጠን ንላዕሊ ስራሕ ከም ዘይጻወሮ ዜረጋግጽ እዩ" በሉ።
ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ፣ እዚ ዓዋዲ መልእኽቲ እዚ "ፍትሓዊ ደሞዝ ናይ ምርካብን፣ ማሕበራት ናይ ምምስራትን ከምኡውን ብኽብሪ ናይ ምንባር መሰል" ከም ዚድግፍ ኣመልከቱ።
ቍጠባ ከም መሳርሒ እምበር ዕላማ ኣይኰነን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን "ቍጠባ ብገዛእ ርእሱ ዕላማ ኣይኰነን" ዝብል ራእይ ደጊሞም ክገልጹ ኸለዉ፣ "ኣድላዪ ግን ከኣ ብኸፊል ናይቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘለዎ ናይ ፍቕሪ መደብ ዘረጋግጽ ማሕበራዊ መዋቕር ኢዩ" በሉ።
"ሓባራዊ ረብሓ ፍርያትን መኽሰብን ነንበይኖም ክጕዓዙ ዘይክእሉ ደኣ እምበር፣ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ምሉእ ብምሉእ ንምድንፋዕ ዘተኰረ ክኸውን ኣለዎ" ብምባል ውን ኣጕልሑ። ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 13 ጽን ብምባል "ሰራሕተኛታት ፍትሓዊ ደሞዝ ምስ ዝረኽቡ፣ ንስድራቤቶም ክድግፉ ጥራይ ዘይኰኑስ፣ ዋንነት ክረኽቡን ንዘድልዮም ነገራት ከወፍዩን፣ ነታ ብኢዶም ዝዓዩላ ምድሪ ከፍቅርዋን ከምኡውን ንህይወቶምን ንህይወቶም እቶም ዘፍቅርዎም ሰባትን ዝለዓለ ሓልዮት ከወፍዪ የኽእሎም ኢዩ" በሉ።
ብተወሳኺ ውን እቶም ስጋዊ ሃብቲ ዘለዎም ሰባት "ንመነባብሮ እቶም ድኻታትን ዕድል እተነፍጎምን እውን ከይተረፈ ብጥንቃቐ ካብ ምጕዳእ ኪቝጠቡ" ኸም ዘለዎም ኣጠንቀቑ። ኣሳልጦ ወይ ዓወት "ብቝጠባዊ መዳይ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ብሰብኣዊ ምዕብልናን፡ ማሕበራዊ ሓድነትን፡ ንፍጥረት ኣብ ምክንኻንን ዘሎ ኽእለት እውን ክዕቀን ይግባእ" በሉ።
ኣብ ኤንሪኬ ሾው ዝፈጸሞ ምርኣያ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስዒቦም፣ ናብ ታሪኽ ሃገረ ኣርጀንቲና ብምምላስ፣ ነቲ ሕጂ ኣብ መስርሕ ኣዋጅ ቅድስናኡ ዝርከብ ዘሎ ኣርጀንቲናዊ ነጋዳይ ኤንሪኬ ሾው፣ ኣብ እምነትን ትካላዊ ንጥፈታትን ብኸመይ ብሓባር ክዓዩ ከም ዚኽእሉ ዜርኢ "ብርሃንን ጽኑዕ ኣብነት" ከም ምዃኑ ጠቒሶምዎ ይርከቡ።
ኤንሪኬ ሾው፣ "ኢንዱስትሪ ኣፍራዪ መሳርሒ ወይ ናይ ገንዘብ ምእካብ መሳርሒ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ብሓባራዊ መንገዲ ኪዓቢ እተጸውዐ ናይ ሓቂ ማሕበረሰብ ምዃኑ ተረዲእዎ ነበረ" በሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ መሪሕነቱ "ብግሉጽነትን ብጥንቃቐን ከምኡውን ነፍሲ ወከፍ ሰራሕተኛ ክፍሊ ሓባራዊ ውጥን ኮይኑ ከም ዝስምዖ ንምርግጋጽ ብዝነበሮ ቘራጽነት እዩ ዚፍለጥ ዝነብረ" ክብሉ ውን መስከሩሉ።
ቅዱስ ኣቦና ተዘክሮታቶም እንክገልጹ "ኤንሪኬ ፍትሓዊ ደሞዝ የዘውትርን፣ ናይ ስልጠና መደባት የማዕብልን፣ ንጥዕና ሰራሕተኛታት ይከናኸንን፣ ንስድራ ቤቶም ድማ ብጭቡጥ መገዲ ይድግፍን ነበረ" በሉ። "መኽሰብ ከም ሓደ ፍጹም ተግባር ዘይኰነስ፣ ከም ሰብኣውን ፍትሓውን ደገፍን፣ ንትካላት ንምዕቃብ ኣገዳሲ ረቛሒ ከም ምዃኑ ገይሩ እዩ ዝርኢ ዝንበረ" ክብሉ ውን ወሲኾም ገለጹ።
ኤንሪኰ ሾው፣ ስደትን ሕማምን ኬጋጥሞ ኸሎ እውን ከይተረፈ "ንመከራ ኸም ተግባር ፍቕሪ ገይሩ ተቐበሎ" ምስ ሰራሕተኛታቱ ድማ ጥቡቕ ርክብ ነበሮ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስዒቦም፣ "ህይወቱ ሓደ ሰብ፣ ነጋዳይን ቅዱስን ክኸውን ከም ዝኽእል የርኢ፣ ቍጠባዊ ስሉጥነትን ንወንጌል ዘሎና ተኣማንነትን ከም ዘይጻረርን ከምኡውን ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ኣብ ኢንዱስትርያውን ቍጠባውን መዋቕር እውን ከይተረፈ ክኣቱ ይኽእል ኢዩ" ክብሉ ኣስመሩሉ።
ንሰብ ማእከል ዝገብረ ኢንዱስትሪያዊ መዋቕር ምህናጽ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኽቱ ኣብ ብምዝዛም፣ ንመራሕቲ ንግዲ ዓለም "ንህይወት ኣሽሓት ስድራ ቤታት ዚትንክፍ ውሳነታት ኣብ ዝግበረሉ ቦታ ቅድስና ከማዕብሉ" ተማሕጸንዎም።
"ዓለም ንኣምላኽን ንብጻይን ካብ ምፍቃር ተበጊሳ ንሓባራዊ ረብሓ ክትብል ንሓባራዊ ቝጠባ ዝሰርሑ ነጋዶን መራሕትን ብህጹጽ ድልይዋ ኣለዉ" በሉ። እዚ ኢንዱስትርያዊ ዋዕላ "ንዋላ ሓደ ሰብ ከይሓደገ ንምዕባለ ህዝብታትና ክቕጽል ዝኽእል ሓድሽ ውድድር ዘለዎ ልዕሊ ዅሉ ድማ ንሰብ ማእከል ዝገብረ ኢንዱስትሪያዊ መዋቕር" ንምሕዳስ ተጸምዶኡ ከሐድስ ተስፋ ከም ዝገበሩ ገለጹ።
