ር.ሊ.ጳ. ንኣረጋውያን ኣረጋውትን ኢስጣንቡል 'ጥበብ ናይ ሓደ ህዝቢ' ምዃኖም የረጋግጹሎም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ብማሕበር ደናግል ንኡሳን ኣሓት ድኻታት ዝመሓደር ካብ ማእከላይ ኢስጣንቡል ቁሩብ ወጻኢ ዝርከብ መእለዪ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ቱርካውያን፡ ኣርመንያውያን፡ ካብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተይናታት፡ ዋላ’ውን ኣባል ታሪኻዊ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ኢስጣንቡል ዝርከብዎ ኮይኑ፡ ር.ሊ.ጳ. ኣብኡ ብኣስታት 200 ሰባት ዝኾኑ ዝጽበይዎም ብዝነበሩን ከምእኡ እውን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ነቲ ቤት ዘመሓድራ ደናግልን ሰራሕተይናታትን ኣቀባብላ ከም እተገበረሎምን ንዅሎም ሰላም ምስ በሉ ኣብቲ መእለዪ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣብ ዝርከብ ቤት ጸሎት ብምኻድ ሓጺር ናይ ግሊ ጸሎት ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ምዉቕ ኣቀባብላ
ካብ ኮንጎ ኣንጎላ ካሜሩን ቡርኪናፋሶን ዝመጹ ስደተይናይናታት ወድስዎ ለእግዚኣብሔር እተሰምየ ዝቐረበ መዝሙር ስዒቡ ኣናቴ ማርጋሬት ሲርሰን ንማሕበር ደናግል ንኡሳን ኣሓት ድኻታትን ንኹሎም ኣብቲ መእእለይ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዝሰርሑን ዝኣለዩን ወኪለን ኣብ ዘስመዐኦ መደረ፡ ቅዱስነቶም ክበጽሑና እግዚኣብሔር ክሳብ ክንደይ ከም ዘፍቅረና ዘረጋግጽ እዩ ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ምስ ካልኦትን ንኻልኦትን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብግዲኦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነተን ኣሓትን ማሕበረሰብ እቲ መልለዪ ኣረጋውያንን ንዝተገበረሎም ኣቀባብላን እተን ደናግል ንዝካያዶ ዕዮን ኣመስጊኖም፡ ብዛዕባ ናይተን ማሕበር ደናግል መጸውዕ ስም እንከስተንቱ፡ "ጎይታ ንጽጉማት ክትኣልያን ወይ ክትሕግዛን ጥራይ ዘይኮነስ "ኣሓቶም ክትኮና እውን ይጽውዓክን - ቢሎም - በዚ መንገዲ’ዚ፡ ስም እተን ንኡሳን ኣሓት ንሓቀይና ትርጉም ክርስትያናዊ ግብረ ሰናይ ኣፋፍኖት ከም ዝህብ ገሊጾም፡ "ንኻልኦት ቅድሚ ምዃንና ፈለማ ምስ ካልኦት ኣብ ሕውነት እተመስረተ ሕብረት ክህልወና ይግባእ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣረጋውያን ከም ምንጪ ጥበብ
ካልኣይ ትዕዝብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብቲ መእለዪ ዝርከቡ ኣረጋውያን ብቐጥታ ዝምልከት ኮይኑ፡ ኣብቲ ብብቕዓትን ንዋታዊ ዓወታትን ዝተዋሕጠ ሕብረተሰብ፡ ሓቀይና ትርጉም እርጋን ናይ ዘይምስትውዓል ሓደጋ ከም ዝጋጥሞ ኣጠንቂቖም። እንተኾነ ግና ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብዙሕ ግዜ ዝብልዎ ዝነበረ “ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ናይ ሓደ ህዝቢ ጥበብ እያቶም፣ ንደቂ ደቆም፣ ስድራቤቶምን ብሓፈሻ ንሕብረተሰብን ሃብቲ እያቶም - ቢሎም - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነተን ደናግል፡ ነቶም ኣረጋውያንን ነተን ኣረጋውትን ኣረጋውያን “ብስም ሕውነት” ተቐቢለን ንዝፍጽምኦ ኣገልግሎት “ድርብ ምስጋና አቕርብ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ መደረኦም ኣብ መዛዘሚ ሓልዮትን ክንክንን ምቕራብ ቀሊል ከም ዘይኰነን “ብዙሕ ትዕግስትን ጸሎትን ድማ ከም ዝሓትት” ኣሚኖም ብሓባር ምስ ኩሎም ኣብኡ ዝተረኽቡ ጸሎት ኣዕሪጎም ከም ምልክት ቅርበትን ሓልዮትን ድማ ነቲ መእለዪ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ህያብ ምስ ለገሱ ቅድሚ ምፍናዎም ድማ ምስተን ኣብቲ መእለይ ዘግልግላ ኣባላት ንኡሳን ኣሓት ኣገልገልቲ ድኻታት ሰላምታ ተለዋዊጦም ንዅሎም ኣረጋውያንን ሰራሕተይናታትን ሰላምታ ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ ኣብቲ ቤት ኣብ ዝተነብረ ሰነድ ኣጋይሽ፡ “እዛ ቤት እዚኣ ምስ ኩሎም ነበርታ፡ ብፍሉይ መገዲ ድማ ነተን ንኣሽቱ ኣሓት ድኻታት ዘቕርብኦ ኣገልግሎትን ምስክርነተንን እባርኽ” እንክብሉ ከቲሞም ናይ ሓባር ስእሊ ከም እተሳእሉ ኣፍሊጡ።
